መጸዋዕታ ናብ ባሕቲ መስከረም ምጅ&#463
نشر من قبل omaal في 07:01 صباحا - 07 10 1432 هـ (05 09 2011 م)

Er Na Com Jan  2011.jpg

መጸዋዕታ ናብ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ በይ ኤርያ ካሊፎርንርያ U.S.A


تفاصيل الخبر

Er Na Com Jan  2011.jpg

መጸዋዕታ ናብ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ በይ ኤርያ ካሊፎርንርያ U.S.A


ብምጅማር ብረታዊ ሰውራና ሃገራዊ ብዓልና ብሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ በይ ኤርያ ኣብ ካሊፎርነያ ነዚ ክቡር መዓልቲ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪሕ ሓርበኛ ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተጀመረ ቃልሲ ኣሻሓት ብሉጻት ኣሕዋት ኣሓት ኣቦታት ኣዴታት መሪር መስዋእቲ ተኸፊሉ። ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ገዛኢ ናጻ ኮይና ‘ሃገረ ኤርትራ’ ተባሂላ ክትጽዋዕ ዝገበረት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኸነት ነዛ መዓልቲ እዚኣ ተዘኪራን ከቢራን ክትውዕል ቀዳመይቲ ሃገራዊ በዓልና ስለ ዝኾነት ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ በይ ኤርያ መደባት ሰሪዓ ስለ ዘላ ንዕለት 17-9-2011 ኣብ Good Hope Shattuck Ave & 55 Oakland CA 94609 ንኩሉ’ቲ ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ዝሕለቅ ኤርትራዊ ብኣኽብሮት ትጽውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ነቶም ብህዝቢ ተመሪጾም ወከልቲ በይ ኤርያ ኮይኖም ንሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ መልእኽትና ሒዞም ድልየትን ሕቶን ህዝቢ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ኣፍሲሶም ህዝቢ ዝደልዮ ንኽትግበር ጠጦው ኢሎም ዝከራኸሩ ተመሪጾም ዘለው ዓቅሚ ዘለዎም ወከልትና ናይ ህዝቢ ርእይቶን ለበዋን ክትእክብ ሓደ ካብቲ መደብ ምኻኑ እናሓበርና ብዘይ ዕድመን ጾታን ፍልልይ ንኹሉ ኤርትራዊ ብሓበራ  ብኣኽብሮት ንጽውዕ

ንምዓስ  ን ቀዳም September 17-2011

ኣበይ ኣብ good hope Shattuck Ave&55 Oakland CA 94609

ዝጅመረሉ ግዜ   ስዓት  6፡00  PM   ናይ ምሸት

               ብድሓን ሙጽኡ  ብድሓን ምጽኣ

  ኣዳለውቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ግባኤ  በይ ኤርያ ካሊፎርነያ