ርሑስ ባዓል ዒድ አልፈጥር
نشر من قبل omaal في 06:11 صباحا - 04 10 1432 هـ (02 09 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

ርሑስ ባዓል ዒድ አልፈጥር

 


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg

 

ርሑስ ባዓል ዒድ አልፈጥር

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንባዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብጽሓኩም ይብል። ባዓል ዒድ ኣልፈጥር ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንካርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደው ክብሉን ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

አብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

29 ነሓሰ 2011

www.encdc.com