ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተሳትፎ ህ&#482
نشر من قبل omaal في 06:51 صباحا - 26 09 1432 هـ (25 08 2011 م)

ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ’ዩ!!

 


تفاصيل الخبر

ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ’ዩ!!

ዓሚ ከምዚ ሎሚ ክንዝኽር ከለና፡ እቲ ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምዕራፍ ዝኸፈተ ታሪኻዊ ተረኽቦ ምዝኻር ግድን ይኸውን። ንሱ ከኣ እቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ፡ ሰፊሕን ዕዉትን ዋዕላ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። እቲ ዋዕላ ሕብሪ ኤርትራን መልክዕ መላእ ብሄራት ሃገርናን ዘንጸባረቐ፡ ካብ ዝተፈላለያ ፖሎቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣገደስቲ ክፍልታትን ባእታታትን ዘሳተፈ’ዩ ነይሩ። ሕድሕድ ምትእምማንን መንፈስ ሓድነትን ዝፈጠረ፡ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ወኒ ዘበራበረን፡ ከምኡ’ውን 53 ዝኣባላቱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ክቐውም ዝደረኸ መድረኽ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ናብቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝግበረሉ መድረኽ ሃገራዊ ጉባኤ ኣሰጋጊሩና ይርከብ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብመንገዲ ኣባላቱን ዕላዊ መርበብ ሓበሬቱን ኣቢሉ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝጸድቕ፡ ኣርባዕተ ሰነዳት፡ ማለት መሪሕ ሓሳብን (Road Map) : ፖሎቲካዊ ቻርተር ሕገ-ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ መሰጋገሪ ቅዋምን ንህዝቢ ዘርጊሑ ኣሎ። መንፈስን ትሕዝቶን ናይቲ ሰነዳት፡ ብግቡእ ንምርዳእን ነቲ ዝካየድ ዘተ ንምሕጋዝን ተባሂሉ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰነድ ጽማቕ ምስኡ ተተሓሒዙ ንዘተ ወሪዱ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ንዘተ ዝወረደሉ ቀንዲ ምክንያት፡ ህዝቢ፡ ሃነጽቲ መማረጺ ሓሳባት፡ ርእይቶን ሕቶን ከቕርብ ዕድል ንክረኽብ’ዩ።ብድሕሪ’ዚ ሽማግለ ህዝባዊ ውደባ፡ ብዘውጽኦም መምርሒታት መሰረት፡ ብነጻ፡ ግሉጽን ደሞክራስያውን መንገዲ፡ ተወከልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ክምረጹ’ዮም።

እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዚግበርሉ ሃገራዊ ጉባኤ ከም’ቲ ዝድለ ምእንቲ ዓይነታዊ ለውጢ ክመዝጋብን፡ ዕዉት ኰይኑ ክወጽእን ዕላምኡ ምእንቲ ክሃርምን፡ ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብጽኑዕ ይኣምን። ካብ’ዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ነቲ ወሪዱ ዘሎ ፓሎቲካዊ ሰነዳት ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምህብታሙ ብውዱብ መልክዕ ክካታዕን ሓላፍነቱ ክዋጻእን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ጻዊዒቱ የቕርብ። ከምኡ’ውን ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ወከልቲ ንምልኣኽ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ከኣ፡ ነጻን ደሞክራስያውን ፍትሓዉን ክኸውን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዕማም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንሰጋገረሉ መጋብኣያ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ነዚ መስረት ብምግባር ከኣ ተወከልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ምስቲ መድረኽ ዝገጥሙን ኣብቲ መጋብኣያ ልዑል ሓላፍነት ክጻወቱ ዝኽእሉን ክኾኑ ዘለዎ ተደላይነት ብምርዳእ ህዝቢ ነዚ ረቋሒታት’ዚ ዘማልኡ ብሓላፍነት ክመርጽን ወከልቱ ክልእኽን ንምሕጸን።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

አብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

www.encdc.com