ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣ&#4845
نشر من قبل omaal في 08:59 صباحا - 13 09 1432 هـ (12 08 2011 م)

ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ህዝቢ ኤረትራ ዘይሓሰቦ ረኺቡ

ከይዛራብ ከም ማል ተዘኒቡ

ይነብር ኣሎ ዓቕሉ ኣጽቢቡ

ከይጸገበ ይብልዎ ጸጊቡ

ተዋሪዱ በቶም ለያቡ

መንእሰይ ብዘይ ማዓልቱ ሰይቡ።

(ኣብ ኤረትራ)

መንእሰይ ገሮሞ ኣድገ በቕሊ

ናይ ጀነራላት ኣገልጋሊ

ኣያ ሲኢኑ ኣጆኻ ባሃሊ

ዓጢቑ ንጭፍራ ዝኣሊ

ይካኣሎ ኮይኑ ትእዛዝ ተቀባሊ

ሕድሪ ጠሊሙ ነሕዋቱ ቀታሊ

ተቓወምቲ ሕጂ ስምረትና የድሊ

ንዲክታቶር ክንኣሊ።

(ስለ)

ኣብ ሓዳስ ኤረትራ ጉድ ተወሊዱ

ዓዲ ምስ ኣተወ ኩሉ ኪሒዱ

እዚ የዋህ ህዝቢ ጆባ ዝልማዱ

ብባንዳ ተዋሪዱ

ርስቱ ውላዱ

ኣብ ገዛእ ዓዱ

ካልኣይ ዜጋ ኮይኑ ተዓኒዱ

ሓሪሱ ከይበልዕ ተሓዲጉ ዓውዱ

መራሒ ሸፋቱ ነጊሱ ቢኢዱ።

(ስለ)

እቲ ሙሁር እየ ባሃላይ

ኮይኑ ንጃንዳ ተኻላኻልይ

ክንዲ ዓገብ ይብል ክሳብሰይ

ንብላዕ ስርናይ

ኤረትራዊ ዶክቶር ናይ

ዲክታቶር ኮይኑ ኣገልጋላይ።

(ንሓደ ሰብኣይ ሙኡዙዛት)

ኣስተብህሉ

እንታይ ይብሉ

መንግስትና ተበዲሉ

ኢሎም ንህዝቢ ዘታልሉ

ገዛ ገዛ ኳሕኵሖም ንኹሉ

ክልተ ካብ ሚእቲ ክፈሉ

ስርሖም ስራሕ ዓዋሉ

ኣፋራሪሖም ገንዘብ ይእክብሉ

ብደገን ብውሽጥን ንጃንዳ ዘገልግሉ

ናይ ኤረትራ ሙሁራት ዝባሃሉ

ከምዚ እዮም ዝብሉ።

ኣባሓጎታትና ከምዚ ምስ ኣጋጠሞም

እዮም

ካብ ምህሮስ ኣእምሮ  ኢሎም መሲሎም።

(ይብሉ ፈርሙ)

መረትኩም ከይትግደፉ

ግንዘብኩም ከይትዝረፉ

ህዝቢ ከይህበኩም ኣሕሊፉ

ኢሎም የፋራርሑ ከይተሰከፉ

ትብዓት ዝጎደሎ ክንዲ ግደፉ

ይህቦም ሽሙ ጽሒፉ

ጽረ ጠቕሞም ይፍርሙ ሽሙ።

ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቆም ዘይጥምቱ

ክንዲ ሕጊ ኣልቦ ዝማጎቱ

እንዳ ሰምዑ ዝሃውተቱ

ኣብ ጎኒ ዲክታቶር ዝኸተቱ

መንነቶም ዝሸጢ ንሸፋቱ

ህዝቦም እንዳ ተመንጠለ ርስቱ

እንዳ ተመንዘዔ ግራቱ

ንገበተ ዝኾኑ ውሻላቱ

ወየነ ከይኮነ ንምሸቱ

ኣብ ጎኑ ውጹዕት ክተቱ።

እቶም

ዶክቶራት ዝመራሕቶም

ካብ ምልእ ኣውሮጳ ተኣኪቦም

ኣሻሓት ቁጽሮም

ኣብ ጀነቭ ዊዒሎም

ሕጊ ኣልቦ ተኣጊዱ ኢሎም

እቶም

ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ውን ከምኦም

ሓደ ስለዝኾነ ሕማሞም

እንታይ እሞ ክንብሎም

እንተ ዝኸውን ክንዲ ህዝቦም

ክንደይ ኮን መምሓረሎም።

(ሕጂ ውን)

ገና ማዓስ ተረዲእም

ኣመሎም ጀሚርዎም

ካብ ቀዳማዮም

ገዲዱ ዳሕራዮም

ዘገርም

ቃል ዓሊ ዓብዱ ምድጋሞም

ጃንዳ ሰሊብዎ ልቦም

ብዝይ ብኡ ምንባር ሓርቢትዎም።

ዘይመረጽክምዎ ኣይትበሉ መንግስትና

ናብ ልብኹም ተመለሱ ክርህዎ ህዝብና

ሕጅስ ዓገብ ኣባህሉና

ከይንቀብጸኩም ከመይገርና

ስለ ዝኾንኩም ኣካልና::

ዓዲ ክድካ ሸናዕ

ህዝቢ ሓሪምዎ ዝብላዕ

ህግደፍ ደጊፍካ ኣይትኩራዕ

ያኣክል ኣውያት ህዝቢ ይሰማዕ

ሕደግዎ ክንዲ ካሓቲ ምክታዕ።

ሰናይ ቅነ ኣብ ዝቅጽል የራኽበና

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘብን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን