ኣመል ምስ መግነዝ
نشر من قبل omaal في 09:03 صباحا - 07 09 1432 هـ (06 08 2011 م)

ኣመል ምስ መግነዝ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ኣመል ምስ መግነዝ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(መልሲ ንመርበብ ደቀባት)

ኣይበዝሔን ዶ ሃበስ ቀደስ

ዝበልዔት ከብዲ ዶ ትድቅስ

ጀሚርኩም ወልፈስፈስ

ብጀካኹም መን ይኽሰስ

ንቢሄራት ምንእኣስ

ወደባት መሲሉስ

ሓዊ ዘናኽስ

ተፈሊጥካ ሎምስ።

(ነቲ ግርማ ገርካዮ ምኽሰሲ)

ኣቕሽትና ጫሓማት

ሸኻትና ጫሓማት

ኣቱም ሰባት

ኣይትሸቅጢ ብ.ደቀባት

ዘይገበርኩም ክንዲ ውድባት

ኣይትኹኑ ጨለታት

ኣይትሃቅኑ ንመሰረታት

ክተባእሱ ምስ መሪሕነት

ብ.ገዞኦም ዛዓጸዉ ተታሊልና ዘበት።

ሕማቕ ጠባይ

መሲልካ ተቓዋማይ

ተዋፊርካ ንምፍልላይ

ተመን ነርካ ኮንካ መንደላይ

ግበር ጠባይ።

መልሓስኩም ዘይብሉ ላዛ

ከምዛ ዋዛ

ታሓቢኣ ውሽጢ ገዛ

ኮይና ናይ ኩርምቲ ቃንዛ

በታታኒ ሕንዛ።

ንጠቅሚ መን

ንውድባትና ንኹንን

ነቶም ዝበልዑ ናይ ጭፍራ ሞቕነን

ዝጋማጠሉ ናብትን ናብትን

ደጊም ግን

ብሽም ደቀባት ምሽቃጥ ቦታ የሎን።

(ንምዃኑ ኸ)

እንታዎት ኢኹም

ደቀባት ትሰምዩ ንነብስኹም

ንደቀባት ዝፈላሊ ዕላማኹም

ኣብ ድሑር ሕማማት ተጸሚድኩም

ክንዲ ጸረ ጭፍራ ዝኸውን ቃልስኹም

ኣብ ወገነይ ወገንካ ተሸሚምኩም

ደቀባት ኣይኮኑን ከማኹም

ደቀባት ትምኒቶም

ንምጥርናፈ ህዝቦም

ንጹር ዕላማ ኣሎዎም

ጸረ ቶም ንናጽነቶም

ዝጨወዩ እዩ ቃልሶም

ንኩለን ቢሄራት ጠርኒፎም

ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኮይኖም

ጸረ ምልካዊ ስርዓት ሓቢሮም

ዝቃለሲ ንድሕነት ህዝቦም

እዚኦም ዮም

ደቀባት ኤረትራዊያን ሽሞም

ዝሕበኑ ብ.መንነቶም።

እቶም ደቀባት ኢና ባሃልቲ

ንህዝቢ ኤረትራ መጽነቲ

ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምእንቲ

ብሽም ደቀባት ሽቀጥቲ

ዕላማ ኣለዎም ስልቲ

ብታሕቲ ታሕቲ

ዕምሪ ዲክታቶር መናዋሕቲ

ዲል ኣይንሃቦም ንበተንቲ።

ብስንኪ ንቑጽ ይነድድ ሩሕስ

እቶም ትጽሕፉ ዘናኣእስ

መልሓስኩም ግበርሉ ዋሕስ

ብደዔ ቃላት ማዓስ የደቅስ።

ኤረትራ ናይ ኤረትራዊያን እያ

ዘረግቲ ሓድነትና ኣሊና ነሕዊያ

ብ.ደቀባት ዝሽቅጡ እክብካብ ዘይብሎም ሞያ።

ሰናይ ቅነ ኣብ ዝቕጽል የራኽበና

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን