(ዓገብ ንመርበብ ደቀባት) ጸረ ጀበር&#4
نشر من قبل omaal في 08:49 صباحا - 07 09 1432 هـ (06 08 2011 م)

(ዓገብ ንመርበብ ደቀባት)

ጸረ ጀበርቲ ኣሕዋትና ምጉስጓስ

ንኣያኦም ኢሰያስ ንምሕጓስ

ብ.ገብረሜካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን)


تفاصيل الخبر

(ዓገብ ንመርበብ ደቀባት)

ጸረ ጀበርቲ ኣሕዋትና ምጉስጓስ

ንኣያኦም ኢሰያስ ንምሕጓስ

ብ.ገብረሜካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን)

እታ መሸንቆቋ ኣጸቢቃ ምስ ተረረት

ሉኡኻት ህግደፍ ኩላ ተሻቀለት

ተሓቢኣ ዝነበረት ዝተደጐለት

ብደገ ብውሽጢ ኩላ ተዋፈረት

ገለን ፈርማታት ክትእክብ ተጓየየት

ገለን ከኣ መርዝታታ ዘረወት

እዞም ሸየጥቲ ሕልንኦም እዞም ፉሱሳት ሓሞት

ጭንጋዓት ህግደፍ ከድሕንዎ ማለት ዘበት እዩ ዘበት

ጀበርቲ እንታይ ስለ ዝገበሩ ዝኣበሱ

ተወዲቦም ክንዲ ተቃለሱ

ንስርዓት ህግደፍ ንምፍራሱ

ክንዲ ዝተባብዑ ዝምጐሱ

ኣምዕትኩም ትቅረጹ ኣብ ክንዲ ትሕጐሱ

ብቤት ጽሕፈት ህግደፍ ተሃንዲሱ

በቶም በሃልቱ ተከሊሱ።

ዓገብ ንመርበብ ደቀባት

ቅሩብ እባ ሕነኹ ኣቱም ሰባት

ኤረትራ ኮ ናይ ኤረትራዊያ ንያ ኣይኮነትን ናይ ዉሱናት

ብኻልኦት ክትዋራዘዩ እንዳበልኩም ጫሓማት

መንዩ መንገደኛ መን ከ ወደባት?

መንድዩ ኤረትራ ውይ ሞት ኢሉ ሴፍ ዝመዘዘ

መንድዩ ምስ ኣደና ኢትዮጵያ ኢሉ ዝተጎዝጎዘ

መንድዩ ንዕርፊ ኣጽኒዑ ዝሓዘ

መንድዩ ብማሕበር ኣንድነት ዝተወገዘ

ኣብ ልዕሊቶም ኤረትራ ዝበሉ ክስታን ኣስላም እንታይ ዘይተማህዘ።

(ሕጂ ውን ዓገብ ንመርበብ ደቀባት)

ብ.ኣውራጃ ተፈቲኑ ሰማዒ ስኢንኩም

ንኻልኦት ኣውራጃታትና እንዳ ነአኣስኩም

ጃህረኛታት ወደስቲ ነብስኹም

ንሃማኖትና ክተናቑቱ ብዙሕኩም ጺሕፍኩም

ንውድባት ተቓወምቲ ብክሕደት ከሲስኩም

ዋዕላ ከይዕወት ሓሶታት ጐስጕስኩም

ብ.ኣስላም ዝተዓብለለዩ እንዳበልኩም

ብኹሉ ሰማዒ ስኢንኩም ምስ ፈሸልኩም

ሕጂ ካኣ ጸረ ጉባኤ ጸረ ለውጢ ተዓጢቕኹም?

ምስ ብዓል መስከረም ነት ስድሪ ሰሪዕክምዋ ነብስኹም

ህዝቢ ፎእ ኢልኹምዩ ክዕብኩም

ካብ ማሕበር ኣንድነት እንታይ ፍልልይኩም

ገደብ ግበርሉ እዚ መርዛም ቃልላትኩም ጽሕፋትኩም

ብ.ኣኻትኩም ዝታለል የለን ከም ቀደም ከይመስለኩም።

ከምቲ ነፍስሄር ኣቦና ስናባራ ዝበሉና

ደቂ ሓንቲ ላምን ምህርቲ ሓንቲ ግራትን ኢና

ኣስላምና ከርስትያና

እቶም ጀበርቲ ጀበርትና

እቶም ኩናማ ኩናማና

እቶም ዓፋር ዓፋርና

እቶም ሰንሒት ሰንሒትና

እቶም ሓማሴየን ሓማሴየና

እቶም ሰራየ ሰራየና

እቶም ኣከለጉዛይ ኣከለጉዛይና

እቶም ሕዳረብ ሕዳረብና

እቶም ናራ ናራና

እቶም ሳሆ ሳሆና

እቶም ብለን ብለና

እቶም ሰምሃር ሰምሃርና

እቶም ባርካ ባርካና

እቶም ሳሕል ሳሕልና

እቶም ራሻይዳ ራሻይዳና

ከከምታ ኣማጻጻኣና ኣሳጋግማና

ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ካብ ኣቦሓጎታትና

ኣብታ ብርክቲ ቅድስቲ መረትና

ምስቲ ጭዋ ባህልና ልምድና

ታሪክ እንተኰነ ውን ንስዩ ዝምህረና።

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ሞት ንስርዓት ህግደፍን ውሻላቱን