ንመክቶ ንህግደፍ ሕጊ ኣልቦ
نشر من قبل omaal في 07:08 صباحا - 05 09 1432 هـ (04 08 2011 م)

ንመክቶ ንህግደፍ ሕጊ ኣልቦ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ንመክቶ ንህግደፍ ሕጊ ኣልቦ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ሕጊ ዘይፈልጥ)

ብሕጊ እንታይ ኣዛረቦ

ዓሊ ዓብዱ ናይ ሓስት ጊባቦ

ሎምስ ጠፊእዎ ዝዛረቦ

ክሕሱ መረት ዝዓረቦ።

ሕጊ እንተዝህሉዶ

ህዝቢ ምረኸበጋዶ

ኣቃሊሶም ዘቃለሱዶ

ምጸነቱ ኣብ ዒራዒሮ።

(ሓሶት)

ካብ ሜዳ ጀሚሩ

ብዙሕ ኣዳናጊሩ

ዝገበረ ገሩ

ኲናት ወርዊሩ

ሓዊ ኣሳዊሩ

ይብል መን ከምኡ ገሩ

ፈንጂ ቀቢሩ

ይነብር ወትሩ

ምስ ኮራኹሩ

ንፍትሓዊያን ኣብ ሳሕል ቀቢሩ

ናብ ስልጣን ሓኼሩ።

ሓቲትካዮ መልሱ ኣይፈልጥን

ቀቲሉ ዝብል ኣሉ ቀጣን

ብዘይ ምግናን

ስርሑ ስራሕ ሰጣን

ውሑድ ኣይደመናን

ኪኢላ ናይ ምብትታን

ብደገን ብውሽጥን

ቅሳነት ኣይረኸብናን

ብሓሶት ብሽሕጣን

ይነብር ኣብ ስልጣን

ሕጂስ ኤረትራዊየን

ያኣክል ርእስኻ ምድናን።

ያኣክል ዝደመናዮ

ዝነባዕናዮ

ብምሔ ንመምዮ

ክርዳድ ካብ እኽሊ ንፍለዮ

ሕዮ ዶ እዝግዮ

ፍርሒ ኣብዚሕናዮ

ክሳብ ማዓስ ንጽበዮ

ሓሕ ኢልና ንእለዮ።

ሕጊ ኣልቦ ምሕድራ

ገዲዱ ካብ ኣምሓራ

ሓሪዱና ብበሊሕ ካራ

ጋና ኣይወጻናን ሓራ

ደምና ይፈስስ ኣሎ ብስርዓት ኣስመራ።

ኤረትራ ደም ይነብዕ ኣሎ ህዝባ

ደም ደቃ እንበር ማዓስ ተሓሊባ

ጸባ

ጸጊምዎ ኮሎ ይብልዋ ጸጊባ

ጽጋብ ይሰምይዎ ነቲ ዓጸባ

ግርም እባ

ዋህዮታት ግደፉባ

ድራማ ብ.ዘረባ።

(ህግደፋዊያን)

ማዓስ ክትልብማ

ንሳም ኣለዎም ዕላማ

ሓሶት ትደጋግማ

ንባንዳ ክተህብትማ

እንዳ ሰምዓ ዝጸመማ

ከይደቀሳ ዝሓለማ

ክንዲ ባንዳ ዝሓማ

ደቂ ማማ

ናይ ባንዳ ቃርማ

ለብማ ለብማ።

እንዳ ፈረሰ ሳኣን ዝጉኑጾ

የጽንተናሎ ዓንጽዓንጾ

ተሎ ኢልና ነቃብጾ

ደብተር ማፍያ ክዕጾ።

ዘሕለፈቶምሞኽባዕቲ

ነቶም ዓለቕቲ

ጽሩይ ማይ ከይንሰቲ

በላሕቲ

ንህዝቢ ሓለይቲ

ቀያሕቲ ምስ ጸለምቲ

ሓሊፎም ክወግሕቲ

ከውታ ለይቲ

ተሪቶም ዓመጽቲ

ተሓቢኦም ትሕቲ ባዓቲ

ሞኽባዕቲ

እቶም ዊንታና መዝመዝቲ

ክንሰምዮም ዶ ሰለይቲ

ኣተግበርቲ

ናይ ኣታለልቲ

ሞክባዕቲ

ኣትሪፍኪ ካሓቲ

ዝመስሉ ተቃለስቲ

ስኒት ዘረግቲ 

(ደጊም)

የሎን ዕንደራ

ኣዕዋፍ ብረራ

ንህዝቢ ኣበስራ

ኢልክን ስርዓት ኣስመራ

ሕጊ ኣልቦ ጭፍራ

ምስ ኮራኹራ

ካሓጽርዩ ዕምራ

ኢልክን ንገራ

ኣውራ

ንመንእሰይ ኤረትራ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን