Sheffield Eritrean Community Organisation (SECO)
نشر من قبل omaal في 07:43 صباحا - 04 09 1432 هـ (03 08 2011 م)

 Sheffield Eritrean Community Organisation (SECO)

ሓበሬታ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ


تفاصيل الخبر

 Sheffield Eritrean Community Organisation (SECO)

SADACCA Building, 48 Wicker, Sheffield S2 5AE

Tel: 01142763300 Mobile 07946400958

Email: secocommunity@yahoo.co.uk

ሓበሬታ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ

ከም ዝፍለጥ ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2011 ብሰንኪ ሽርሒታትን ውዲታትን ማሕበረ ሰብ ኤርትራውያን ንግዚኡ ተዓጽዩ ከም ዝነበረ ይዝከር። ሕጂ

 ግን ብሰንኪ ሓያል ጻዕሪ ኣባላት ምምሕዳር ሽማግለ ኮሚኒቲ ካብ ዓርቢ 22/07/2011 ጀሚሩ ተኸፊቱ፣ ግቡእ ስርሓቱ እናካየደ ልሙድ ኣገልግሎታት ንተቐማጦ

 ሸፊልድ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒቲ ኣብ ምሃብ ከም ዝርከብ ነዘኻኽር።

ኣባላት ምምሕዳር ሽማግለ ኮሚኒቲ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ከተማ ሸፊልድ (SECO) በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ማዕረ ማዕሬና ስለ ሓቅን ፍትሕን ክትብሉ ምሳና ደው

 ዝበልኩምን ዝደኸምኩምን ኤርትራውያንን ወጻእተኛታት ፈተውቲ ኤርትራን ምስጋናና ነቕርብ።

ሕጂ ‘ውን ቃልስና ኣንጻር ምትንዃላትን ውዲታትን ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎን፣ ደጊምና መኸተና ቀጻሊ ምዃኑን ነረጋግጽ!

ምምሕዳር ሽማግለ

ኮሚኒቲ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ሸፊልድ (SECO)

02/08/2011