መንእሰይ ተበገስ ሎሚ ውን ከም ትማ&#46
نشر من قبل omaal في 07:18 صباحا - 03 09 1432 هـ (02 08 2011 م)

መንእሰይ ተበገስ ሎሚ ውን ከም ትማሊ

ይኣኽለካ በሎ ንህግደፍ ሃላሊ

ብ.ገብረሜካኤል ሃብተጽዮን ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን)

 


تفاصيل الخبر

መንእሰይ ተበገስ ሎሚ ውን ከም ትማሊ

ይኣኽለካ በሎ ንህግደፍ ሃላሊ

ብ.ገብረሜካኤል ሃብተጽዮን ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን)

እንቢ ንበሎ ክሳብ ማዓስ ዓቅሊ

ከይንስእን ዘርኢ ከይንስእን ቡቅሊ

ህዝብና ከይጸንት ብህግደፍ ቀንጻሊ

እዚ ጸረ ሰላም ቁጥሚ መታለሊ

እዚ ጠላም መብጸዓኡ መሓሊ ጠሓሊ

ብጀካ ንስልጣኑ ንህዝቢ ዘይሓሊ

ኣብ ልዕሊ ህዝብና መሽካዕለሊ

ንዉሉድን ወላድን ዝፈላሊ

ልኡኽ ግብሪሽበራ ብረት መቃባበሊ

መንእሰይ ተበገስ ሕጂ ውን ከም ትማሊ

ከምቶም ዘሳጋገሩና ኣቦታትካ

ከምቶም ነጻነት ዘረከቡና ኣያታትካ

ሕድሮም ከይትጠልም ዝተላበዉኻ

ዓወት ናይ ግድንዩ ኢሎም ዝተፋነውኻ

እንዳ ተታካኽኡ ኣብ ነጻነት ዘብጽሑኻ

ዋላኳ ጃንዳ ህግደፍ ነጻነትካ እንተጨወዩልካ

ሕጂ ውን ከም ትማሊ ሸጥ ማዓንጣኻ

ዋልታኻ ገትሮ ወርውሮ ጭማራኻ

ጭዋዳኻ ኣትርሮ ኣልዕሎ ሻምላኻ

ተቃሊስካ ጥራሕዩ ዝብተኽ ማሕለኻ።

ህግደፍ ዕርፉ ሃምብሃምቦ ኣዳጉሩ ኰኳዓዳ

ሸንኮለል ዝፈቱ ከም ብዕራይ መኸዳ

ጃህራን ፈከራን ዘረብኡ ዘይብሉ ፋይዳ

ንውግእ ዝጽሕትር ዘሳውራ ዘንበድብዳ

ንህዝብና ዝጭፍልቅ ብሓይሊ ዘርዕዳ

ንጽልኢ ቅርሕንቲ ዘራጉዳ

ንኹሉ ሓዋዊሱ ስርናያ ክርዳዳ

ኩሉ ኣብ ሓንቲ ቁራዕ ንስገም ምስ ጉርዳ

ዓገብ ንዝበለ ንሕልፈት ዝፈርዳ

ሕማማት ዝዘርእ ብኣውራጃ እንዳ

ኣልቦ ፍትሒ ሕጊ ዘይቅይዳ

ንሓቂ ምስ ሓሶት ዘዛምዳ

ከምኡዩ ባህርያታ ከምኡዩ ቲ ልማዳ

ብዙሕ ተለሚኑ ዘይቅበል ማዕዳ

ዓለም ምስ ኣጽደቀትሉ ንእገዳ

መዔንተሪናዩ በለ ነቲ ፍርዳ

ውሻላቱ ኣንጨብጨቡ በሉ ዝኾርዒዳ

ጭርናዓቱ ዓለላ ጣቅዒት ኣንጎድጎዳ።

ሃገረይ ኤረትራ ተወጽዕኪ

ቀደም ባዕዳዊያን ሕጂ ብደቅኺ

ጥልመት ምልኪ ኣንጊሶም ኣብ ሃገርኪ

ብዙሓትዮም ዝሽቅጡ ብስምኪ

ተደፊራ እንዳበሉ ንልእላውነትኪ

ምትላል ኣመሎም ዘይስምዖም ሕንኪ

ፋሕ ጨንገራሕ ኣእቲዮምሉ ንህዝብኺ

ወላድ መኻን ገቢሮሞ ንከርስኺ

ደቅኺ ኣብ ስደት ቅንጂት ኣብ ሕቑፈኪ

ሃብቲ ክድልቡ ብዋጋ ደቅኺ።

ይቅጽል፡

ክብርን ምጎስን ንስማእቲትና

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና

ሞት ንስርዓት ህግደፍን ውሻላቱን።