ውድባትን ንሰልፍታትን ውልቀሰባት
نشر من قبل omaal في 06:45 صباحا - 15 08 1432 هـ (16 07 2011 م)

ውድባትን ንሰልፍታትን ውልቀሰባትን ሲቪካዊያን ማሕበራትን

ብጀካ ቶም ውሑዳት ኩሎም ተበጊሶም ንድሕነት ህዝብን ሃገርን

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ተሓኤታት)

 


تفاصيل الخبر

ውድባትን ንሰልፍታትን ውልቀሰባትን ሲቪካዊያን ማሕበራትን

ብጀካ ቶም ውሑዳት ኩሎም ተበጊሶም ንድሕነት ህዝብን ሃገርን

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ተሓኤታት)

ከም ወናኒ መስከረም

ብዶላር ማኣስ ሰዲዖም

ይቃለሱ ኣለዉ ኣይሃቡን ኢዶም

ይቃለሱ ኣለዉ ኣይጠለሙን ሕርሮም

ብግዝኣተ ሕጊ ክትማሓዳደር ሃገሮም።

ተረቲዕና ከይብሉስ ይግባይ ይብሉ

(ንመን ንምድሓዩ እዚኹሉ)

ኣይንግራህን

ዝሓለፈ ገጋ ኣይንደግምን

ጸረ ስኒት ቦታ የብሎምን።

ዝበልኩም እንተበልኩም

ንጭፍራ ዘበት ኣድሒንኩም

ሎሚ ዓሚ ከይምስለኩም

ኣደብ እንተ ዘይገበርኩም

ምስ ዲክታቶርያ ውድቀትኩም

ህዝቢ ፈሊጥኩም

መሳርሒ ጃንዳ ምዃንኩም።

ኤረትራዊያን

ኣስላም ምስ ክስታን

ዘርእና ሓደዩ ዝፈላሊ የብልናን

ሓሙሽተ ምልዮን

ክንጽዋዕ ኣይንነብርን

ንጭፍራን ሳዓብቱን

ኣሊና ግን

ክንስስን ኢና ክንስስን።

መራሕቲ ውድባት

እዮም ደቀባት

ይካላኸሉ ንልእላውነት

ኣይኮኑን ውን ዑሱባት

መሳርሒ ዲክታቶራት።

ሓድነትና ከፍርሱ

አብ ሞንጎና ሓዊ ከናኽሱ

ዝፋሓሱ እንተ ፈሓሱ

ሓድነትና ዘበት ፈሪሱ።

(ደለይቲ ሓድነት ምዃና ፈሊጦም)

ንተቃወምቲ ውድባት

ናይ ኢሰያስ ዑሱባት

ተቃሊስና ከይንዕወት

ብዘይ ፍረ ንዓመታት

አቢሎምና ከርተት።

ሕጂ ግን ብጀካ ቶም ዉሑዳት

ይስስን ኣሎ ስምረት ውድባት

ኩሉ ኣለልይዎም ነቲም ዑሱባት

ጭርሖ ኮይንሎ ሓድነት ሓድነት

ንለውጢ ተበጊሲም መንእሰያት

ዓበይቲ ዓዲ ውልቀሰባት

መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ምሁራት

ኩሉ ተበጊሱ ንህዝቢ ንሃገር ድሕነት

ከቃላጥፎ ናይ ዲክታቶር ውድቀት።

(ሕጂሞ)

ድሮኳ ንቕድሚት ሰጒምና

ኣለሊና ዓንቀፍትና

ንድሕነት ህዝቢ ተበጊስና

ኣሃዱታትና ኣዋሃሂድና

ጸረ ጭፍራ ዓጢቕና ኣሎና

ምስ ህዝቢ ማይን ጸባን ኮና

ንዘጓነፈና ክንገጥም ተዳሊና

ዝብል ጭሮሖና ሰሚዕና

ብመራሕቲ ሰራዊት ኪዳና

ተበሲርና አሎና።

(ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት)

ደሃይኩም አይተሓባአና

ደሃይኩም ሰሚዕና

ንሱዩ ነሩ ትጽቢትና

ክንጽበዮ ዝጸናሕና

ሕጂ ንፍደ ሕነ ህዝብና

ክነስተማቅሮ ናጽነትና።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን