ነጻነት ነጻነት ዘይብሉ ሓርነት
نشر من قبل omaal في 06:13 صباحا - 13 08 1432 هـ (14 07 2011 م)

ነጻነት ነጻነት ዘይብሉ ሓርነት

ፍትሒ ዝጎዶሎ ዘይብሉ መቐረት

ብገብረሚካኤል ሃብተጽዮን)ቆሪጀ)

 


تفاصيل الخبر

ነጻነት ነጻነት ዘይብሉ ሓርነት

ፍትሒ ዝጎዶሎ ዘይብሉ መቐረት

ብገብረሚካኤል ሃብተጽዮን)ቆሪጀ)

ንመራሕቲ ሃይማኖታትና ዝኣስር ንብረቶም ዝግብት

ዝበልኩኻ ፈጽም ዝብል ክይትሓትት

ካብ ዓድታቶም ዝፈናቅል ዝኸላብት

እንተደለዩ ዘደስክል እንተደለዩ ዝርፍት

ራዕዲ ምልኪ ኣንጊሱ ንህዝብና ዘንከራትት

ዘይዓጅቦ ዘይእንታዩ ጎበዝ ጎርዞ ይሙት

ልዕሊ ህዝብን መሬትን ንስልጣኑ ዘቋምት

ምስሊ ሰብ ዘለዎ በላዕ ሰብ ኣራዊት

ንመንእሰያትና ዘሳቂ ኣሲሩ ኩርንኩሪት

ንድራር እለቶምዝህግር ንሓንቲ ርቢዒት

ብዶላራት እንዳሸጠ መሬቶም ከይበልዑ ሰዊት.

ደቃቶም ንሳዋ ተጓሪቶም ዝሕዝ የለን ዕርፊ ነዊት

ክሳብ ማዓስ ክትር ዕዱ ክተንጓድጉድሉ ጣቕዒት

ክልተ ካብ ሚኢቲ ናይ ምንቲምንታይ ስሊዒት

ያኣክል በልዎ ናይ ምንቲምንታይ ድሪዒት

እዚዩ እንብኣር ረኣይዎ ናይ ነጻነት ውጺኢት

ተቐበልዎ ስምዕዎ ናይ ህዝብኹም ጻዊዒት።20

እዞም ንክልተ ደቂ እኖ ዘፋልሱ

ንዝሓብሓቦም ህዝቢ መሰሉ ዝግህሱ

ንምውቕ ሓዳራት ዝብትኑ ዘፍርሱ

ውግኣት ሽርሕታት ዝህንድሱ

ንስንኩላትና ዝርሽኑ ንኣካላቶም ዝለመሱ

ንጀጋኑና ዝኣስሩ ዝቕንጽሉ ንተቃሊሶም ዘቃለሱ

ንለባማት ዓበይቲ ዘቋሽሹ ዘናእሱ

ንሓቂ ዘዘንብዑ ሓሶታት ዝደርሱ

ንኣርብዓ ዓመታት ዝንበዩ ክነግሱ

ተሓኪሞም ዘይሓውዩ ዘይፍወሱ

ንድሑር ሕማማት ዝቅስቅሱ ዝጉስጉሱ

ኣንታ እዚኣቶምስ ይርገሙ ምበር እዚኣቶምዶ ይውደሱ

ንዑ ይኣክል በልዎ ኣብ ልብኹም ተመለሱ

ምስ ጭቁን ወገንኩም ኮንኩም ተቃለሱ

ንደንበ ህግደፍ ንምፍራሱ

ሰላም ስኒት ፍቕሪ ኣብ ሃገርና ክነግሱ

ህግደፍ ኣብቂዩ ጨሪሹ ፈሪሱ

መዓልቱዩ ዝጽቖጽር ዘሎ ክድርበ ናብ ጋህሱ

ይሻባብዩ ዘሎ ሩዑኡ ጠቅሊሉ ኣጎዝኡ ማእሱ

ሹዑዩ ነጻነትና ነስተማቅረሉ ስድራ ስውኣትና ዝድበሱ።

ኣቲ መኸተ እንዳበልኪ ወጫጪት መእወይት

ገንዘባ ከፊላ ንህዝብና መንቢዒት መድመይት

ኣቲ መቃባበሊት ዘረባ መላኺዒት

ህዝብኺ ብሕዝኑ መጣቕዒት

ንፋሽሽቲ ስርዓት መሳሰይት

ንመጨቁኒ ህዝብኺ ፈታሊት ተታዒት

ንሕናን መንግስትና እንዳበልኪ ተላሃይት

ዘይተባህለ ዘይተገበረ መውረይት

ልዕሊ ህዝቢ ክትመስሊ ሃገራ ፈታዊት

ክብሪ ኣደ ዘይትፈልጥ መውጠጠይት

ውሉድን ወላዲን ፈላላይት

ንህግደፍ ንምድሓን ተጓያይት

እንተወጨጩ)ጫ ወካርያ ጽባሓት

ጻማኹም ንኸንቱ ናይ ህግደፍ ሃዋርያት።

ዓወት ንደለይቲ ለውጢ

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ስ ዕረት ንስርዓት ህግድፍን ውሻላቱን