ፖሎቲካዊ ሽማግለ ንፖሎቲካዊ ሰነ&#4851
نشر من قبل omaal في 09:35 صباحا - 04 08 1432 هـ (05 07 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

ፖሎቲካዊ ሽማግለ

ንፖሎቲካዊ ሰነዳት ዝምልከት ሓበሬታ

 


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg

ፖሎቲካዊ ሽማግለ

ንፖሎቲካዊ ሰነዳት ዝምልከት ሓበሬታ

 

ብቀዳምነት ፖሎቲካዊ ሽማግለ ህዝብና ኣብቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ዘርኣዮ ዓቢ ተገዳስነትን ምትሕብባርን የመስግን። ብ29/06/2011 ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንምውራድ ዝምልከት ዝተዘርግሐ ምልክታ ብምዝኽኻር፡ ጥቕሙ ንምዕማቕ ነዚ ዝስዕብ ከነረጋግጽ ንፈቱ።

1.   ቅድሚ ዝኾነ ሰነድ ምዝርግሑ ኣፈጻጽማ ጽማቕ በብሓደ ክዝራጋሕ’ዩ። ንሱ ከኣ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ  ሰነድ ሓፈሻዊ ኣንፈቱ ንምንጻርን ሓጺር ስእሊ ንምሃብን ዝሕግዝ’ዩ።

2.   ኩሉ ሰነዳት ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com ብቀዳምነት ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብድሕሪኡ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ክስዕብ’ዩ። ትዕዝብቲ ግዱሳት ዜጋታት ዝቕበለሉ ኣድራሻ ኢ-መይል ከኣ እዚ ዝስዕብ (politicalcomm10@gmail.com) ምዃኑ ነረጋግጽ።

3.   ኣብ መጀመርያ ሰነዳት ፖሎቲካዊ ቻርተርን መሪሕ ሓሳብን ክዝርጋሕ’ዩ።

4.   ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ሰነዳት ክህልዎም ዝኽእል ትዕዝብቲ ንጽሩን ኣብ ትሕዝቶ ጥራሕ ዝተሞርኮሰን ክኸውን ንምሕጸን።

5.   ንትርጉም ዝምልከት ምናልባት ገለ ጌጋታት ምስ ዘጋጥም ሃገራዊ ኮምሽን ንዕኡ ንምእራም ድልውነቱ እናረጋገጸ፡ ብቕዓትን ድልውነትን ዘለዎም ኣሕዋት ምትሕብባሮም ብልቦና ክቕበል ምዃኑ የረጋግጽ።

6.   ነፍሲ ወከፍ ሓሳብን ትዕዝብትን ክህብ ዝደሊ ዜጋ፡ ሓሳብ ወትሩ ሓላፍነትን ሓደራን ክሳብ ዝኾነ ብቀጥታ ምእንቲ ርኽብ ንምግባርን ካብ ዓቕምታቱ ንምጥቓምን ምሉእ ስሙን ንጹር ኣድራሽኡን ቁጽሪ ስልኩን  ክጽሕፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ንሕብር።

7.   ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኩሉ ዝመጾ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ብድሕሪ ምግምጋም፡ ንምምዕባል ንድፊ ሰነዳት ክጥቐመሎም ምዃኑ ይሕብር።

ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ናብ ኣድማዒ ፍታሕ ንምብጻሕ ሓቀኛ ድሌትን ባህግን ምስ ዝህሉ ወትሩ ሓሳብ ንሓሳብ ምስንናቕ  ናብ ብሱል ዓይነታዊ ትሕዝቶ ዘብጽሕን ንሃገራዊ ዕዮ ንቅድሚ ዝደፋእን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ድማ ነረጋግጽ።

 

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

ዓሊ መሓመድ ስዒድ

ኣቦ መንበር ፖሎቲካዊ ሽማግለ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

07/04/2011

www.encdc.com