ዘስደምም መግለጺ ስድሪ
نشر من قبل omaal في 07:26 صباحا - 02 08 1432 هـ (03 07 2011 م)

ዘስደምም መግለጺ ስድሪ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ዘስደምም መግለጺ ስድሪ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ስድሪ ከምስሉ ደለይቲ ፍትሒ አብ ጉባኤ ዕግርግር ከይፍጠር አሎና ፍርሒ ወዘተ ይብሉ፣

ስድሪ ቲ ፍርሒ ዳአ ከህልዎ ሸርሒ። 

(ዝተማህረ ይቕተልካ ዝብል ምስላ)

ከም ስድሪ እንተኾይኖምስ ይትረፈና

ናይ ኤረትራ ሙሁራት ተዓዚብናዮም ኣሎና

ንሕና እንተዘይ መሪሕና

ይብሉ ጉባኤኹም ይትረፈና።

ድሕሪ ሕጂ ትም እንታይ ኣበለና

ንእኒ መዘንግዕ ክነጋልጾም ኣሎና

ክፈልጦም ህዝብና

ቶም ንዓመታት ኮለል ዘበሉና።

ካብታ ዝብድሉኻ

ሕማቕ ዝምሁሩኻ

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ያላኻ።

ናይ ኤረትራ ሙሁራት ኢና

ህዝቢ ይጸንት ሰላማዊዩ ቃልስና

ጽንሕ ኢልና ገለ ክንሰምዒና

ገሪሙና

ሕማቅ ትምኒት ናይ ዋዕላ ከይኣኽለና

ሕጂ ውን ሕማቅ ይምነዩ ንጉባኤ ገና

ዕላማ ሙሁራት ኢና ባሃልቲ  ጠፊኡና

(ዝገደደ ካኣ)

ክትመስሉ ደለይቲ ፍትሒ

ዕግርግር ከይፍጠር ትብሉ ኣሎና ፍግሒ

ሓልዮት ድዩ ጉርሒ

መንዩ ኸ ናይቲ ዕግርግር መራሒ?

(ገሪሙናሎ)

ዓሚ ውን ተመኒኹም ከምኡ

ኣይተመሃርኩምዶ ብድሕሪኡ

ጸለመ ምስ ወግሔ ከቢድዩ ዋጉኡ

ንዕግበት ብዙሓት ኣይትጻቡኡ።

ክንዲ ጸረ ገበቲ ንሳማማዕ

ናይ ኤረትራ ግራት ግን በዚሕዋ ሳዓዕ

ሙሁራት ባሀልቲ ካብ ይፈጥሩ ነቓዕ

ሃሶው ይብሉ ነጥቢ ዘየሳማማዕ።

መመሊሶም ፍልልያት የዕብዩ

ምርዳእ ኣብዩና ሓሳቦም እንታይዩ

ህዝቢ ኤረትራ ሓሲምዎ እንዳራኣዩ

ክንዳ ጽቡቕ ሕማቕ ትምነዩ

ብዘይ ባኣኹም ዋዕላ ታዓዊቱዩ

ብዘይ ባኣኹም ጉባኤ ውን ክዕወትዩ

ብዘይ ባኣኹም ለውጢ ክመጽእዩ

ብዘይ ባኣኹም ቲ ጸልማት ክቕንጠጥዩ።

(ድሕሪ ሕጂ ሓደ ሰልፊ ይኹን ውድብ)

ኣብ ኤረትራ ክመርሕ ዘበት

ቶም ጸረ ሓድነት

ጽባሕ ትሽከሙ ሕፍረት።

አሉታ

ኣብ መደምደምታ

እዛ ሃገር እዝጊ ኣድሒንዋ ኮታ

ንስኹም ጥራይ ዘይምዃንም ሙሁራታ።

ቀላቲ ኪዳነ ዶ ቀለታ ኪዳነ

ሽምካ ቀይርካ ጉድ ኮነ

ዘለፋ ጀሚርካ ግናይ ቅነ።

(ሰናይ ቅነ ኣብ ቀጻሊ የራኽበና)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን