ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ
نشر من قبل omaal في 05:24 صباحا - 28 07 1432 هـ (29 06 2011 م)

Er Na Com Jan  2011.jpg

ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ

ዕዉት ሲምፖዝዮም ኣቃኒዑ

 


تفاصيل الخبر

Er Na Com Jan  2011.jpg

ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ

ዕዉት ሲምፖዝዮም ኣቃኒዑ

ሲምፖዝዮም ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰሜን ኣሜሪካ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ኣብ ትሕቲ ‘’ጉዕዞ ኤርትራ ናብ ዲሞክራሲ፡ ዝርርብ ኣብ ቅዋማዊ ጉዳያት” ብዝብል ቴማ ካብ ቀዳም 25/06/2011 ክሳብ ሰንበት 26/05/2011 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኻይዱ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብምትሕብባር ምስ ኣባላት ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኑ ኢዩ ነዚ መደባት ወዲቡን ኣዋሃሂዱን።  

ብፈለማ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ከተማታት ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ሽወደንን ዓዲ እንግሊዝን ዝተሳተፍዎ ናይ ምይይጥ ፓነል (ሽማግለ) ኣብ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ጉዳያት ዘተኮረ ኣብ ማሪላንድ ዩኒቨርሲቲ ተኻይዱ። እዚ ብመሪሕነት ዶክተር ኣፈወርቂ ጳውሎስ ካብ ካርነጂ ሜሎን ዩኒቨርሲቲ ዝተኣልየ 6 ካልኦት ክኢላታት ፓነሊስትስ (ሽማግለታት) መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቦም። ገለ   ካብ ዝቐረቡ ንምጥቃስ፡- ምምሕዳር ብዙሕነት ኣብ ምህናጽ ሃገር ብዶክተር ኪዳነ መንግስትኣብ፡ ሃይማኖትን ቋንቋታትን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ብኣቶ ሳልሕ ቓዲ፡ ኣውራጃውነት፡ መንነትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ኤርትራ ብኣቶ ሰመረ ተስፋይ፡ መሰል ብሄራትን ቅዋማዊ ቅርጻን ብወይዘሮ ዓይሻ ጋዓዝን ከም ‘ውን ትምህርቲ ካብ ተሞክሮ ቅዋማዊ ቅርጻ ኣፍሪቃ ብዶክተር ክዋሲ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ እቶም ዝቐረቡ ወረቓቕትን መደረታትን ኣዝዮም መሃርቲ ኮይኖም ከም ዝረኸብዎም ድሕሪ ምግላጽ፡ መድረኽ ሕቶን መልስን ብሃናጺ መንገዲ ተኻይዱ።

ቀጺሉ ንጽባሒቱ ሰንበት 26/06/2011 ምሉእ መዓልቲ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ናይ ክትዕን መግለጽን ናይቲ ብኮሚሽን ዝተዳለወ 4  ንድፊ ፖለቲካዊ ሰነዳት ንጉባኤ ዝቐርቡ ብኣባላት ኮሚሽን ንህዝቢ ቀሪቡ። ኣብዚ ጉዳይ ኣዝዩ ተገዳስነት ናይ ተሳተፍቲ ዝተራእዮ ክትዓት፡ ሕቶታት፡ ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቦም።

ዕላማ ናይዚ ክካየድ ዝቐነየ መደባት ብመሰረቱ ኣብ ምስታፍን ምንቕቓሕን ህዝቢ ኣተኩርካ፡ ርእይትኡ ሰሚዕካን ወዲብካን ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ናይ ለውጢ ብመንገዲ ሃገራዊ ጉባኤ ንምርግጋጽ ኢዩ።    

ንዝርዝራዊ ጻብጻብ ቅነ ሲምፖዝዮም ካብ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰሜን ኣሜሪካ  ክቐርበልኩም ኢዩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ