ክስገርዩ ቲ ዘይስገር ዝመስል
نشر من قبل omaal في 06:19 صباحا - 24 07 1432 هـ (25 06 2011 م)

ክስገርዩ ቲ ዘይስገር ዝመስል

ህዝቢ ኤረትራ ኣይነብርን ብሸፋቱ ክእሰር  ክስቀል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ክስገርዩ ቲ ዘይስገር ዝመስል

ህዝቢ ኤረትራ ኣይነብርን ብሸፋቱ ክእሰር  ክስቀል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ዓዲ ቶም ጀጋኑ ኤረትራዊያን

ኣራግጽ ኣጥፊኦሞ ኣረማዊያን

ከም ኢሰያስ ዲክታቶራዊያን

ንድሕነት ህዝቢ ንበገስ ሃገራዊያን

ክንድምስሶም ንህግደፍ ግፍዓዊያን

ዘረባ ገዲፍና ንኹን ግብራዊያን

ኩሉ ይዕሰል ኣብ ጎኒ ኪዳን።

ሕማቕ ጓሳ ማል የጥፍእ

መፍተት ነኣዛብእ

ሕማቕ መራሒ ያኣልም ኩፉእ

ንስልጣኑ ክብል ህዝቢ የጥፍእ።

ንህግደፍ ክሳብ ማዓስ ክንጾሮ

ነቲ ጋኒን እንባ ገደም ዝሰረሮ

ክሳብ ማዓስ ከም ቆልዓ ክርሮ

ሳንቦ ሳንቦ ኢልና ዘይነባርሮ

ሽግርን ዓጸባን ክንሰግሮ።

(ኢድ ሸናሒት ጸናሒት)

ዲክታቶር ሳዓብቱ ለኪሙ ይወድቅ

ኣይረኤናን ሰብ ቀቲሉ ዝጸድቅ

ጽቡቕ ምግባርዩ ጽቡቕ

እቲ ምስ ገበነኛታት ዝስሕቕ

ምስኦም ያሓቅቕ

ህዝቢ ኣብ ሓርነት ክስሕቕ።

ኩሉሳብ ኣሎ ምእንቲ ህዝቡ ዝውፈ

እቲ ዘይጸድፍ ዝመስል ምስ ጸደፈ

ክጽወዩ ቲ ዝሓለፈ

ክወግሓሉዩ ቲ ዝተረፈ።

(እቲ ሎሚ)

ጽሩይ ኣየር ዘተንፍስ ዘሎ

ጽባሕ ትመጽእ ብተሎ

ግደኻ ይጽበየካሎ

ኣብ ግዝየኻ ፍትሒ እንተዘየሎ

ጽባሕ ግን ፍርዲሎ

ወይ ኣነ ከይኮነ ኮሎ

ሕሰብ ብተሎ።

ንብዓት ወላዲት ጸረርታ

ደም ቲ ጅግና ጥብጡብታ

መርገም ህዝቢ ኣይሰድድን ኮታ

ንኩሉ ኣለዎ ምደምደምታ።

ክስገርዩ ቲ ዘይስገር ዝመስል

ክወግሕዩ ቲ ዘይወግሕ ዝመስል

ግድን ክዕወትዩ ቲ ዘይሕለል

ጾሎቱ ይሰምረሉ ቲ ዝምህለል

ህዝቢ ኤረትራ ኣይነብርን ብሸፋቱ ክብደል።

እኒ ቆፎ ከብዶም ገንኢ

ምስ ጸብሔ ኣበይ ትሕብኡ ንርኢ

ከም ኣብ ጎልጎል ዝጸብሖ ዝብኢ

ጽባሕ ትስእኑ መሕብኢ።

መንእሰይ ርዱኡኑ እንዳበለ

ሕማቕ ርእዩ ገለ ዘይበለ

ህዝቢ እንዳ ተበደለ

ቲ ሓደ ይቃለስ ከይተሓለለ

ገለ ምስ መላኺ ይብል ተሓንበለ

 ህግደፍ ምስ ተኣለ

ወዮ ወረ ዘቃባበለ

ፍርዱ ምስ ተቐበለ

ኣብ መላእ ኤረትራ ምስ ተዓለለ

ጾሎቱ ዝሰመረሉ ይብል እንቋዕነይ ክምዚ በለ

ኤረትራዊ ይሕጎስ እንዳ ዘለለ

ፍርዱ ይቕበል ቲ ንዓመታት ዘሽካዕለለ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊትለምለምለ

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን