ሰማእታትና ብጉቡእ ክክበሩ
نشر من قبل omaal في 06:56 صباحا - 22 07 1432 هـ (23 06 2011 م)

ሰማእታትና ብጉቡእ ክክበሩ

መራሒ ጭፍራ ምስ ኮራኹሩ ይባረሩ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ሰማእታትና ብጉቡእ ክክበሩ

መራሒ ጭፍራ ምስ ኮራኹሩ ይባረሩ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሰሚ ዕኩምዶ ብድዔ

ቃልቲ ጭፍራ ዝበልዔ

ኣብ መስከረም ዝተጸገዔ

ከምስል ብሰማእታትና ዝተቆጠዔ

ዎዮ ዑሱብ ንብዓት ሓርገጽ ዝንብዔ።

ርዝነት ዘይፈልጥዶ ይዛረብ ብረዘንቲ

ዝማጎት ክንዲቶ ሕድሮም ጠለምቲ

ይፍትን ውን ክኸውን ማዕረቶም በላሕቲ

ይማጣጠር ምስቶም ክንዲ ህዝቦም ተማጎቲ

መታን ክሕጎስሉ ቶም ብገበን ተሓተቲ

ህግደፍ ኣብ ምዕራቡ ናይ ደገ ነባሕቲ

ሕጂ ግረሩ ዕፈሩ ምስ ወግሔ ግን ሓፈርቲ

ዕጅብ ማዓስ ይብለና ዘረባ መጣቃዕዓቲ።

ዕላማና ንጹርዩ ኣይኮናን መታለልቲ

ሕድሪ ሰማእታት ክነተግብር ተቃለስቲ

ምግምጣል ኣይኣመልናን ኣይኮናን ተበለጽቲ

ኣብ እቶ እቶ ኣይኮናን ኣመንቲ

ኣይኮናን ዝነገሰ ንጉስና ባሃልቲ

ኣይኮናን ኣብ ዕሙር ዳስ ጋዓርቲ

ኣይጠለምናን ሕድሪ ትም ረዘንቲ።

ኤረትራዊያን ኢና ሰብ ፍናን

ውሒጅ ገፊዑ ኣየምጽኣናን

ንመላኺ ምድጋፍ ኣይኣመልናን

ኣንጊህና ዓገብ ኢልና ኣይተንበርከኽናን

ሞባእ ንህግደፍ ኣይንኽከፍልን

ኣብ ዳስ ዘይንጹር ዕላምኦም ኣይነኹድድን

ናዓና ክጥዕመና ውን ንቃለስ የሎናን።

እቲ መረት ምስ ተመልሰ ናብ ዋናታቱ

ይለምዕ ብማዓልቱ

ሹዑ መልሓስኩም ትነኽሱ ዑሱባቱ

እቲ ዕርዲ ከዳዓት ይፈርስ ኣብ ሳዓቱ

ሹዑ ዝወፈረ ይምለስ ንበቱ

ኣብቲ ርስቲ ኣቦሓጎታቱ

ጽግዕተኛታት ትርፈቱ

ዝበረቐ ጸሓይና ተረፍ ምንግስቱ

እወ ግዝየ ኣለዎ ንኹኩ

ንስኹም ትሕመስሉ

ሩሑቕ ኣይኮነን ህዝብና ዝሕጎሰሉ

ጃንዳ ምስ ሳዓብቶም ዝጽረግሉ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ኣንገልቶምን