ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ቶሮ&#47
نشر من قبل omaal في 12:11 مساء - 27 06 1432 هـ (30 05 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ

TORONTO MAY 2011 C.jpg


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg

ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ

 ግንቦት 24, 2011

ብናይ ህዝቢ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ  ከተማ ቶሮንቶን ከባቢኣን (ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ) ዝተዳለወ ሎሚ ሰሉስ 24 ግንቦት 2011 ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ። ሰላማዊ ሰልፊ ንግሆ ሰዓት 9፡00 ኣብ City Hall ድሕሪ ምርኻብ ናብ ኣሜሪካን ኮንስል(US Consulate ) መሪሹ ። ኣብ ኣሜሪካን ኮንስል (US Consulate )  ንፍርቂ ሰዓት ናይ ውጹዓት ድምጺ ድሕሪ ምቅላሕ ቀጺሉ ድማ ናብ Ontario Parliament Queen’s Park መሪሹ ። ክሳብ ሰዓት 1፡30 ድሕሪ ቀትሪ ድምጺ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ቛንቛታት ከስምዕ ውዒሉ ።

ሰላማዊ ሰልፊ ንዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ወጽዓን ጭፍጨፋን፡ ራዕድን ሽበራን ሕሱም ግዝኣት ስርዓት ህግደፍ የብቕዕ (ይኣክል) ኣብ ትሕቲ ዝብል ማእከላይ ጭርሖ ነቲ ካብ ናይ ባዕዲ ዝኸፍአ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝዓርፍ ዘሎ ኣቃሊሑ ። ከምኡ ድማ  ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ግፍዐኛ ጸረ-ሰላም ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ምዃኑ ገሊጹ ። ቀጺሉ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ናብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኦንትርዮን Premier Hon. Dalton McGuinty ዝለኣኾ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ፖለቲካውን ፡ ቁጠባውን ፡ ማሕበራውን መከራ ዝገልጽ ጽሑፋት ዓዲሉ ።

 ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብርክት ዝበሉ መንእሰያትን ደቂ - ኣንስትዮን ተካፊሎሞ ነይሮም ፡፡ ብምቕጻል ናብ መንግስትን ከምኡ ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ዝተላእከ ስነ - ጽሑፍ  ብንባብ ድሕሪ ምስማዕ በቲ ማእከላይ ጭርሖ ዝተሰነየ “ይኣክል ናይ ዕስራ ዓመት ጭቆና “  “ ለውጢ ሕጂ “ ዝብሉ ጭርሖታት ክጭርሑ ዊዒሎም፡፡

ኣብ መደምደምታ ከኣ 20 ዝኾኑ  ካብ  ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ  ዝተረኽብሉ  ፕረስ ኮንፈረንስ   (Conference Room) ኣብውሽጢ ቤተ መንግስቲ ተኻይዱ።  

ዓወት ንደላይ ለውጥን ደሞክራስን ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

TORONTO MAY 2011 D.jpg 

TORONTO MAY 2011A.jpg

TORONTO MAY 2011 B.jpg

TORONTO MAY 2011 C.jpg