ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲሕነ &#46
نشر من قبل omaal في 06:30 صباحا - 17 06 1432 هـ (20 05 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲሕነ

መበል 18 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲሕነ

መበል 18 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

መንእሰያት ናይ ኤረትረያ ሓበን

     ያኣክል ርእስኻ ምድናን

ንእለዮም ንናይ ኤረትራ ኣትማን

ንስኹም ብውሽጢ ብደገ ኪዳን።

ጅግንነት ውረሱ ኣያታትኩም

መክቱ  ንመጽነትኹም

እቶም ኣብ ስደት ዘለኹም

ኣኽፊኢኩም ኣኽፊኢኩም

ዘይትላዓሉ ንመሰልኩም።

ኣይበርሀን ኣብራሃዮ

ተዋሂቡኳሎ ናይ ገዛ ዕዮ

ህዝቢ ክቀስን ኣባይ እለዮ

ሽግ ሓርነት ሃየ ወላዓዮ።

ይካኣሎ ሞ ኣኽፊእኩም

ሕድሪ ምጥላምከይ ኣኽለኩም

ብጹሩራ ተጠቢርኩም

ሃጽ ከምዝብሉ ትገብሩ ነሕዋትኩም

ሃገር ምስ መን ክተርፍዋ ድዩ ሕልምኹም

ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶር ህዝቢ ከይሓተኩም

ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ኣድሕኑ ህዝብኹም።

ሾሞንተ ኣውራጃታትና

ሓበን ኤረትራ ሃገርና

ምእንቲ ኤረትራና

ንነጻነት መስዋእቲ ከፊልና

ኢድን ጓንትን ኮና

ብህግደፍ ተጨውዩ ሕልምና።

ኣውራጃታትና ኣፍሪሶም

ንምግዛእ ክጥዕሞም

ንደቀባት በታቲኖም፡

      ሕጂ ሞ

ታሪኽ ጥልመት ክንድምድሞ

ተዳሊና ኣሎና ክንሃጅሞ

ህግደፍ ክፈርስ ህዝብና ክጥዕሞ።

       ሓላው ወሰስ፡

መሰሰ በል ካብ ጉድጓድ ዋኻርያ

ሕነ ፍደ ኣብ ልዕሊ ናይ ህግደፍ ስለያ

ከም ቶም ጀጋኑ አያታትካ ግበር ቅያ

ኣይሰማዕካንዶ ኣደታት ተረዲኤን ክበኽያ።

ካብ ባርነት ካሃድሙ ኢሎም ከርተት

ኣብ ሳሃራ ኣብ ውቂያኖስ ዝተሳጥሑ ንሞት

እዚ እንዳ ሰማዓካ ስለምንታይ ትዕመት

ኣብ ጽርጊያ ወጺኻ ዘይትብል ኣብየት

መንእሰይ ክድሕን ካብ  ሞት ስደት።

ምሕደራ ህግደፍ ሓሲምዎ ንመንእሰይ፡

ካብ ባርነት ካሃድም ኮይኑ ቀለብ ዓሳ

ሓደ ጅግና ተሳኢኑ ኣንበሳ

ንስርዓት ሸፋቱ ዘፍርሳ

ነታ የዋህ ኣደ ዝድብሳ።

ኢዱ ዘዋጣውጥ ናብ ህዝቢ

ንሕጊ ኣልቦ ንበሎ እንቢ

ብሓደ ንበገስ ከም ንህቢ።

ህዝቢ ደቁ ገዲፉ ከምዘይ በለ ጆባ

ከምዘይ የሕለፈ ምሶኦም ዝኹሉ ጸባባ

ተቐቢልዎም ብእልልታ ብጨብጨባ

እቱው ከይበለ ኣብዚሑ ብደዔ ዘረባ

ኣብ ኤረትራ ዝፈረየ ሓው ክሻ ሌባ

ታኣኪብና ነፍርሶ ናይ ኣጋንቲ እንባ።

እዛ ሃገር ተኸፊልዋዩ ክቡር ዋጋ

      ባዕልና ንግበረሉ እገዳ

     ከይሃደመ ገዲፉልና ዕዳ።

          ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ)ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና)ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት

 ለምለም) ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን።