ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ
نشر من قبل omaal في 07:41 مساء - 11 06 1432 هـ (14 05 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 16 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 16 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ክስዕስዑ ንናይ 20 ዓመት ባርነት ክወቕዑ ኮቦሮ፡

ህግደፋዊያን ጀሚሮም ነስመራ ንቕሎ

ኤረትራዊ ሓሲምዎ ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ኮሎ

ህግደፋዊያን ያኣክል ንኢሰያስ ደስ ይበሎ

ህዝቢ ይዕዘበኩም ኣሎ ለብዘበን ሓዲኡሎ።

እቲ ንህዝብና ኮይንዎ ዘሎ ሕማም ዓሶ

ንእንባገነን ስርዓት ህግደፍ ክነፍርሶ

ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኩሉ ይተሓወሶ።

                     

                    ዘይከምዚ ምስ ረኸበዩ፡

ንህዝቢ ኤረትራ ምስ መረሮ ከም ዕረ እዩ ብሱሳታት ሰውራ ዝጀመረ፡ ገለ ብሜዳ ገለ ብውሽጢ ምስ ገዛእቲ ብብረት ክቃለስ ዝተገደደ፡ ተማሃራይ ሸቃላይ ሓረስታይ ሙሁር ብማዕረ ሓቢሩዩ ንመግዛእቲ ዝሳዓረ፡ ሞ ሕጂ ውን ከም ቀደምና ጸረ ቲ ናጽነትና ዘጸልመተ:: ንሓርነት ንደሞክራሲ እንቢ ንምኪ ኢልና ንላዓል ደቂ ኤረ።

ብኡኩባት ሰብ ብረት ተዋሪድና

ስለምንታይ ጥፍኣት ዝምነይዩልና

ብረቶም ዘቕንዕዎ ናብ ህዝብና

ንመክቶምዶ ንጥፋእ ትም ኢልና

ትም ያኣክል ንዕጠቆ ዝናርና።

ዲል ኣይንሃቦም ንመክቶም

ብደገን ብውሽጥን ንግጠሞም

ብገጠርን ብከተማን ንህጀሞም

ከየጽነቱና ንበታትኖም

ኤረትራዊ ደም እንተዝህልዎም

ከሙኡ ኣይምገበሩን ነሮም።

ብህግደፍ የሎን ዘይተበደለ

ሕጂዩ ምውህሃድ ዝድለ

በቲ ንሱ ዛኣምኖ ምግጣሙ ዝቐለለ

ጭፍራ ህግደፍ ብሓይሊ ይታኣለ።

                           ኣብ ሰብዓታት ከ፡

ኣብ ሰብዓታት ከ እንታይ ተባሂሉ ይዝመረ ነበረ፡ ላሎየ ላሎየ ኣንጭዋ በሊዓቶ ጃኖሆየ። ሕጂ ኸ ኣብ ዘበን ዋርሳይ እንታይ ይባሃል ኣሎ:: ላሎ ላሎ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ንንቀሎ ንሱ ኣይነበረን ሕድሪ ሰማእታትና       ይባሃል ኣሎ።

ድሕሪ ኣቦኻ ሞት ግደኻ

ድሕሪ ይሕዋትካ እንታይ ክመጻካ

ዘይትቃለሶም ንዝጨወዩ ናጽነትካ

ተኾርሚኻ ፍታሕ ኣይትረክብን ኢኻ

ኤርትራዊ ተላዓል ንመሰልካ

ክሳብ ማዓስ ክፈስስ ደምካ።

ኤረትራዊ ንሃጸይ ዝሳዓረ

ንጸላእቱ ዘይልከፍ ከም ዕረ

ኤረትራዊ ንስርዓት ደርጊ ዘባረረ

ዓጋቲ የብሉን ኤረትራዊ ምስ ነደረ

ንህግደፍ ክገብሮዩ ነበረያ ነበረ።

ተረሲዑ እቲ ጅግና ተረሲዓ ታረባዕ

ንዲክተተር ከሕጉሱ ክንድዚ ዋዕዋዕ

ወይለኺ መጣቕዒት ወይለኻ ክዳዕ።

ንደም ዝሰቲ ከም ድራኩላ

ምሱኡ ክስዕስዓ ክዘላ ክዕልላ

ናይ 20 ዓመት ባርነት ከብዕላ

ነፋሪት ህግደፍ ትቃረረብ ኣላ

ነተን ደም ዘይብለ ሓዚላ

ምስኤን እኒ ደንጎላ።

ዕምሪ ዲክተተር ዘናዉሑ፡

ክሳብ ማዓስ ደምና ክዛሪ

ተሰኢኑዶ ዝንድር ብቀትሪ

ንህግደፍ ዝገጥሞም ብግብሪ

ሕነ ህዝቢ ዝፈዲ ብነድሪ።

ኣብ ስደት ውን ካብ ህግደፍ ፈሪሆም

ተባህለ ይብሉ ተኾርሚዮም

ሃየባ ንመንእሰያት ንንገር ወጽዖኦም

እንቢ ንምልኪ ንበል ክንድኦም።

              ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘንበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳህግደፍን ዓንገልቶምን