ናይ ሓዘን መግለጺ
نشر من قبل omaal في 06:27 صباحا - 11 06 1432 هـ (14 05 2011 م)

ናይ ሓዘን መግለጺ
ብ.ጴጥሮስ ተኽሉ (ሓላዪ)

ኣብ ምዓልቲ ዝኽሩ ቶሮንቶ

08/05/2011
 


تفاصيل الخبر

ናይ ሓዘን መግለጺ
ብ.ጴጥሮስ ተኽሉ (ሓላዪ) 08/05/2011
ኣብ ምዓልቲ ዝኽሩ ቶሮንቶ


 ጅግና ሓላፊ ወትሃደራዊ ምሕደራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር
ንሓርበኛ ስዉእ ተጋዳላይ ዓብደላ ኢድሪስ መሓመድ ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ


ንትምክሕቲ ዓመጽቲ ብግቡእ መኪቱ
ነቶም ዓማ ክትሓቅቅያ ኢሎም ዝመጎቱ
ተሓኤ ወይ ሞት ዝበለ ድርብ ዝሓሞቱ
ብጽንዓት ወዲኡዋ ክሳብ ጊዜ ሞቱ፡
    እወ! ሕድሪ ማለት ጽንዓት
    ዕላማ ማለት ሓበን ኩርዓት
    ኣውሊዕ ባንዴራና ኣጽኒዑ ዝሓዘ
    ንጅግና ክብሪ’በር ኣየድልዮን ትካዜ፡
ተጋዳላይ ይስዋእ ቃልሱግን ቀጻሊ
ጅግና ሓርባኛዊ ከይዱና ትማሊ
ኣቦ መንበር ተሓኤ ሰማያዊት ዕላምኡ
ተቓሊሱ ዘቃለሰ ይዘከር ዝንኡ፡
    ክብሪን ዝኽሪን ንዓኻ ብጻይ ዓብደላ
    ሰንደቕ ዕላማና ፍርቂ ተሰቒላ ውዒላ
    መንግስተ ሰማይ የዋርስካ ብኽብሪ ሰላምታ
    ነባሪ ታሪኽካ ተገሊጹ ንቀጻሊ ዛንታ፡
ተባዕ ሓርበኛ ወትሃደራዊ ሓላፊ
ንነጻነት ሃገር ዝዓጠቕካ ቁልፊ
ኩለን ከተማታት ብተሓኤ ነጻ ዝወጻ
ብናትካ ምሕደራ ኔረን ዝተሓንጸጻ፡
    መደባት ኣውጼካ ኣብ መኣዲ ሑጻ
    ዳግማይ ኣማዕቢልካ ናይ ካርታታት ቅርጻ
    ሃገር ነጻ ወጽያስ እግርኻ ከይረገጻ
    ህዝቢ ትነብር ኣላ ተዓሚጻ ተጓዕጺጻ፡
ዘልዓለማዊ ዝኽሪ ክብሪን ንዓኻ
ናይ ግድን ክቕጽልዩ ቃልሲ ብድሕሬኻ
ኣላህ የርሕምካ ያኣላሰድ ኣልሰውራ
ሰውራ፣ ቃልሲ፣ ዓወት! ኣርማና ይዝክራ፡
    ሰውራ፣ ንዳል፣ ነስር!
    ዝብል ወትሃደራዊ ጭርሖ ዘሰራስር
    ተባዕ መራሒ ኣንበሳ ብረኻ
    ቆራጽነትካ! መን ይውረሶ ድሕሪኻ፧
ክብሪን ዝኽሪን ንኹሎም ስዉኣትና
ኤርትራ ተኸቢራ ብነጻነት ትንበር።