ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ
نشر من قبل omaal في 08:55 صباحا - 04 06 1432 هـ (07 05 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 15 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 15 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ፓይሎታቱስ ፈሊጥና ምዃኖም አምሓሩ

እቶም ኮማንዶ ኸ ንህዝቢ ኤረትራ ዘሸቑረሩ

ስለምንታይ ከይበሉ ትእዛዙ ዘኽብሩ

ዝኣስሩ ዝቀትሎ ዝምሕሩ

ከም ቶም ፓይሎቱ ከይኮኑ ኣምሓሩ

እስከ ሕተትዎም መንነቶም እንተነገሩ።

ኣብ ዓዲ ቶም ጀጋኑ

ጅግና ተሳኢኑ

ብጃንዳ ሽፋቱ ኩሉ ርእሱ ደኒኑ

ሃየባ ኪዳን ህዝቢ ኣድሕኑ።

ሱሳን ሓሙሽተን ሽሕ ሰማእታት ጥራይ ዲና ከፊልና?

ዓዲ ቶም 65 ሽሕ ስዉኣት ጀጋኑና

ወይ ብደገ ወይ ብውሽጢ ተሳኢኑ ሓደ ጅግና

ንጃንዳ ህግደፍ ፋሕብትን ዘብለልና

እታ ሓዊ ትታኣጎድ  ክንስሕና ሓቢርና

ናይ ሓርነት ሽግ ክበርሆ ሃገርና

ክነቕስኖም ንሰማእታትና፡፡

ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ጸላም ማኣልቲ፡

መንእሰያት ብኣልማማ ተረሽኖም

ኣስመራን ከባቢኣን ሰሚዖም

ከምዘይ ሰምዑ ትም ሪዒዶም

ድሕሪ ቅንጸላ ደቆም

እንታይ ከይመጾም

ንህግደፍ ምምካት ሲኢኖም

ደቆም እንዳ ሞቱ ካብ ሞት ፈሪሖም።

ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ፡

ኣብ ብት መኻእ መኪተን ኣንስቲ

ንርስተን ክብላ ኣትየን ኣብ ማእሰርቲ

መረት ደቀባት ህግደፍ መንጠልቲ

መንዚዖም ሽየጥቲ ለውጥቲ

ኩሉ ፈሪሑ ተሳኢኑ ተባዕ መካቲ።

ሕጂ ውን ይድገም እኖሆለይ፡

ቁዱስ ሚኪኤል ሰገነይቲ

ዘይትካላኸለሎም ንኣመንቲ

ዘይትስይፎ ንህግደፍ ኣጋንንቲ

ዓገብ እንተበሉ ዓበይቲ

ሽማግለ ሰብኣይ ሰበይቲ

ክንዲ ትስእቦም ዓዲ ምልእቲ

ዉሑዳት ተዘኒቦም ከም ከብቲ።

እዛ ሃገር የብላንዶ ጅግና ዝሳበር

ዝብል ታኣኪብና ገለንግበር

ከም ባህታ ሰገነይቲ ኣባጥመር።

ተሳኢኑዶ ንስለያ ህግደፍ ዝስጉዶም

ሓደ ተባዕ ወዲ ማይ ሞጉዶም

ጀጋኑና ተወዲኦም ድዮም

ህግደፍ መሊሶም ሰዊዶም።

ህዝቢ ኤረትራ እንታይ ጉድካ

ትሸዓተ ቢሄራት ርእስኻ ኣድኒንካ

ብህግደፍ ይምንጠል ርስትኻ

ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተዛቲኻ

ተሳማሚዕካ እንቢ እንተ ኢልካ

ህግደፍ ይፈርስ ይፍታሕ ጸገምካ።

ሓንቲ ማዓልቲ ታኣኪብካ እንቢ

እወ ብትብዓት እንቢ ንምኪ

ሕልሚ ኢሰያስ ክበንን ከም ትኪ።

ሕጂ ንመክት ካብ መምስኮነ ኣውያት

ተቓውሞና ንቐጽሎ ብትብዓት

ትንፋስ ኣይንሃቦ ንፍሽሽታዊ ስርዓት

ይቐጽል ቲ ተቓውሞ ኣብ ሉሉ ኩርንኣት

                ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን