ናይ ሓዘን መግለጺ ኤ.ሃ. ኮ.ደ.ለ ሰሜን &am
نشر من قبل omaal في 06:47 صباحا - 04 06 1432 هـ (07 05 2011 م)

ናይ ሓዘን መግለጺ

ኤ.ሃ. ኮ.ደ.ለ ሰሜን ኣሜሪካ

ግንቦት 4, 2011

 


تفاصيل الخبر

ናይ ሓዘን መግለጺ

ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት ሞት ሓው ዓብደላ እድሪስ፡ ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና: መስዋእቱ ብከንቱ  ክምዘይሓልፍን፡ ዘበገሰና ዕላማ ሓርነት ከኣ ኣብ መዓርፍኡ ንምብጻሕ ሕድሪ ከም ዘለናን ብተወሳኺ ነረጋግጽ። ሓው ዓብደላ እድሪስ ካብ ዕሸል ዕድሚኡ ጀሚሩ ክሳብ ብሕማም ዝወደቐሉ እዋን፡ ካብ ዝተሓተ ጽፍሒ ክሳብ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ውድብ፡ ክሳብ ኣብ ዝዓረፈሉ እዋን ንውድብ ተጋድሎ ሓርነት ብጅግንነት ዝመርሐ ተባዕ ተጋዳላይ ኢዩ። ኣብ ጊዜ ዕረፍቱ ነታ ብህጻነንቱ ኣትሒዙ ዝተጋደለላ ሃገሩን፡ መዳሕንቱ ዝተቐብረትላ ዓዱን ተመሊሱ ከይረኣየ ብሞት ምፍላዩ ናይ ብዙሓት ከምኡ መሬት ዓዶም ተነፊግዎም ናይ ዝሓልፉ ዘለዉ መስዋእቲ እናዘከርና ተደራብ ናይ ሓዘን ስምዒታት ዘኸትል ሞት ምዃኑ ክንገልጽ ንግደድ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ በታቲኑ ኣብ ግዳም ደርብይዎ ዘሎ ስርዓት ንምእላይ፡ ንቕሓትናን ዕጥቅናን ከነትርር እናተላቦና፡ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ ንስድራ ቤቱ ከኣ ህያው ኣምላኽ ጽንዓት ክህቦም ብጸሎት ንልምን።

ኤ.ሃ. ኮ.ደ.ለ ሰሜን ኣሜሪካ

ግንቦት 4, 2011