ጸብጻብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ጸብጻብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሎሚ ረቡዕ 16 መጋቢት 2011 ንካልኣይ ተኸታታሊ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተም ኣዲስ ኣበባ ቀጺሉ ውዒሉ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ትማሊ ኣብ መኽፈቲ መዓልቲ ነቲ ብፈጻሚት ኣካል ኮሚሽን ተዳልዩ ዝቐረበ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ድሕሪ ዓሚቕ ክትዓትን ምትዕርራይ ምግባሩን፣ ነቲ ጸብጻብ ብምሉኡ ኣጽዲቑዎ።
ኣብ ዝሰዓበ ካልኣይ ክፍለ ግዜ ‘ውን፡ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ነቲ ብናይ ፖለቲካ ሽማግለ ዝተዳለወን ዝቐረበን ሰነዳት፣ ከም ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቻርተር ንመስጋግሪን ሓባሪ መስመርን (Road Map) መርሚሩን፡ ብህዱእ መንፈስ ንትሕዝቶ ነፍሲ-ወከፍ ድሕሪ ምምይያጥ በቢተራ ንቶም ሰነዳት ኣጽዲቑ የሕሊፍዎም፡፡ እቲ ውዕሎ ናይ ካልአይ ማዓልቲ ባዓወት ተዛዚሙ፡ ጽባሕ ኣብቲ ካልእ ኣጀንዳታቱ ክቕጽል’ዩ።
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!
ውድቀትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!
ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን - ካብ ኣዳራሽ ኣኼባ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
16 መጋቢት 2011