ህዝባዊ ሽማግለ ከተማ ኡሉም ከባቢኣን
ኣቶ ሳሚኤል ዳኒኤል ኣቦ ወንበር
ኣቶ በርሀ ዑቁባዝጊ ዋና ጻሓፊ
ኣቶ ኣብራሃም ተስፋገርጊስ
ሓላፊ ዜና
ህዝባዊ ሽማግለ ከተማ ኡሉም ከባቢኣን
ኣቶ ሳሚኤል ዳኒኤል ኣቦ ወንበር
ኣቶ በርሀ ዑቁባዝጊ ዋና ጻሓፊ
ኣቶ ኣብራሃም ተስፋገርጊስ ሓላፊ ዜና
ቅድሚ ቁሩብ ሰምንታት ንኡስ ሽማግለ ኡሉምን ከባቢኣን ምቋም ዝዝከር ኮይኑ ንመጀመርያ ስሩዕ ኣኸባ ስም ህዝቢ ኣካይዱ
ህዝቢ ኣብ ሳዓቱ ተረኺቡ ድሕሪ ናይ እንቛዕ ብዳሓን መጻእኩም ምባል ሓጺር መግለጺ ሃገራዊ ዋዕላ ከመይ ከም ዝነበረ ብኣቶ በርሀ ዑቁባዝጊ ብኣካል ስለ ዝነበረ ተገሊጹ ። ሕጂ ካኣ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ክጋባእ እዩሞ እንታይዩ ርእቶኹምን ሕቲታትኩምን ብምባል ንኣኸበና ተገደፈ።
ካብቲ ርእቶታት ሓደ ሃገረራዊ ጉባኤ ብዙሕ ጥንቃቄን ምስትውኣልን ክምዘድሊ ሓቢሮም ወኒ ህዝቢ ግን ካልእዩ ነይሩ እቲ ወኒ ካኣ ንሕና እንታይ ንጽበ ኣሎና በዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ህዝቦዊ ናዕቢ ኣብተን ክኾነና ኣለዎ ድሕሪ ምባል ካብቲ ሕጂ ክንገብሮ ዘሎና ኣብነት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ በልጅም ክምኡ ውን ሓገዝ ሕብራት ኤውሮጳ ክንሓትት ኣሎና ድሕሪ ምባል ፣ክነው፡ ነቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ መንእሰያት ተረከብቲ ሃገር ብዘርኣይዎ ጥርናፌን ምንቅስቃስን ኣመጕሱ። ኣብ ርእስኡ ብካህን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ሃገር ጥልያን ሮማ ምስ መንግስቲ ጥልያን ብምትሕብባር ናይ s.os. ነብሲ ኣድሕን ፡በቲ ልብያ ዘሎ ኩነታት ኤረትራዊያን ንዝወረዶም ዘሎ ኣሰቃቂ ኩነታት ንምድሓን ንዝወሰድዎ ቁልጡፍ ሓገዝ ክነመስግኖም ንፈቱ እሉ።
ኣኸባ ብዝኽሪ ሰማእታት ደምዲሙ
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ስዕረት ንዲክታተር ስርዓት ህግደፍ