ሰፊሕን ኣገዳሲን ሰላማዊ ሰልፊ
ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
ሰፊሕን ኣገዳሲን ሰላማዊ ሰልፊ
ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
ብጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽን ተኣፋፊን ምዕብልናታት ማለት፡ ኣብ በረኻታት ሲናይን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ንምቅላሕን ምዅናን፡ ነቲ ነዞም ግህሰታት እዚኣቶም ንክወርድ ዝገበረ ዲክታቶር ብዝምልከት ንእዋናዊ ኩነታትና ብንጹር ዝገልጽ ሓባራዊ ሰፊሕን ኣገዳሲን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንሓሙስ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2015 ንምክያድ ተመዲቡ ኣሎ።
ገለ ካብቶም እዋናውያን ጥርዓናትን ጠለባትን ነዚኦም ይመስሉ
1. ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ምድጋፍ፣
2. ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዕሉላት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ክልተ ግዜ ዘመሓላለፎ እገዳ ክተርርን ክትግበርን ምድጋፍ፣
3. ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ምዃኑ፡ ስለዚ ከኣ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ክኽበር፣
4. ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ምስ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተደጋጊፉ ክሰርሕ፡ ወዘተ።
ነዚ ዝሕግዝ መደብ ኣብ ዝተፈላልያ ወብሳይታት ናይ ጥርዓን ጽሑፍ (Petition) ተዳልዩ ኣሎ። ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ኣብ ሓጸረ ጊዜ ብዘለዎ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ነትዎርክ ተጠቒሙ መሊኡ ክልእኮ ይሕተት
https://www.change.org/p/ban-ki-moon-a-call-for-action-to-stop-human-rights-abuses-in-eritrea#petition-letter
ንስለ መሰል ህዝብና
ምስ ሕቡራት መንግስታት ኮይና
ተቓሊስና ክንዕወት ኢና !
ገረገር ወብሳይት ኣዳለውቲ
ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ንፍትሒ ተቓለስቲ