ዓበይቲ ሎሚ ኣብ ክንዲ ዛዓርቁ ሓዊ &#4
نشر من قبل omaal في 29-04-2010

ዓበይቲ ሎሚ ኣብ ክንዲ ዛዓርቁ ሓዊ ያኣጉዱ

መልሲ ነኣቶ ቀለታ ኪዳነ

ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ቀለታ ኣብ እርጋንካ ጸይቁልካ ኣይግድን

ከማኻትኩም ሕልሚ ህዝቢ ኣየ ምከናን

በቛራጭ ኣስመራ ክንኣቱ ሕልሚ የብልናን

ናይ ምፍንጫል ተግባራት ኣይጠባይናን

ኣብ ሞንጎ ኣባላት ኪዳን ሓዊ  አይኣጎድናን

አባላት ተሓኤ ንጹር ዕላማ ኢና ንውንን

ንጥርናፈ እንበር ጸረ ሲኒት ኣይንሰርሕን።

መን እዮም እቶም ናይ ኣድሓርሓርት ሳዓብቲ

ንሕና ዶ እቶም ወረ መባጻጻሕቲ

ንሕና  ዶ እቶም ጽግዕ ባሃልቲ

ሕልሞም ከርዊዩ ዝብሉ ላዕሊ ታሕቲ።

ቀለታ እዝጊ ጸሊኡሉ ናዓኻ ዛኣምውነ

ሓቂ መሲሉኒ ጽሑፍካ ኣንቢበ ብዙሕ ኣሚነ

ንሎኽመኛታት ንገጋልጽ ዓቕሚ ኣሎኒ ኣነ

ንመሰረታት ተሓኤ ዝይሽሞም ክህብ ዝሃቀነ።

ትማሊ ምስ ሑሩይ  ሎሚ ምስ ዓማር ኣጸጉዑኒ

ቡዙሕ ተማጕተልካ ሓቀኛ መሲሉኒ

ለከ ንስኻ ባሃላይ ኢኻ ናዓይ ስሙዑኒ

ሓሓሊፍካ ምስ ኩሉ ድርቢኻ እምኒ

ናይ መን ሳዓባይ ኢኻ ምርዳእ ኣብዩኒ

ንኣባላት ተሓኤ ምውንጃልካ ኣስደሚሙኒ።

ሑሱር ጠባይ ግደፎ ደቂ ሓደ ሃገር ዝፈላሊ

ኣስላምን ክስታንን እንዳ በልካ መቓቓሊ

ድቃስ ዘይብካ ተሓድር ንኤረትራዊያን ክትፈላሊ

ሓደገኛ ኢኻ እንተ ረኺብካ ኢሂ ባሃሊ።

ሕድሪ ስዋኣት ከነተግብር ኢና ንቃለስ ዘለና

ከማኻ ወደስቲ ኣይኮናን  ንሕና

ኣስላም  ክስታን እናበልካ ሓዊ ኣይት እጎደልና

ተላዋዋጢ ከም ነፋሒቶ ምኻንካ ሕጂ በሪሁልና።

ከምዚ ናትካ ዕድመ ዘሎዎ ምሸምገለ መዓረቐ

ንስኻ ግን ኣብ ሞንጎ የሕዋት ሓዊ ታኣጉድ ብዝረቐቐ

ኣስላሞም ኣስታኖም ክገብሩልካ  ኣለዎ ጥንቃቐ

እንተ ቀጺልካ መልሲ ኣሎኒ ዝዓሞቐ።

ምሽምጋል ይሕሸካ ንዕርቂ

ከይደቀስካ ኣይትሕደር ክትጽሕፍ ጸይቂ

ሕደጎ ምስ ተቓለስቲ  ቆይቒ

ብጀካ ሓሶት ዘይሞልቆካ ሓቂ።

ኤረና ንለብዘበን እንበር ናዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ  ስዋአትና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

27 ሚያዝያ ይቐጽል