እወ ንሃገራዊ ዋዕላ ብቒዕና ኢናን&#492
نشر من قبل omaal في 23-04-2010

እወ ንሃገራዊ ዋዕላ ብቒዕና ኢና

ንጸረ ሲኒት ዕድል ከይሃብና

ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሓደራ ኣሎና ዓዲ ጀጋኑ ክንሕልዋ

ሃገርና ተጻባእቲ ካብ በዝሕዋ

ቅንጂት  ስየ ካብ ተጣማመትዋ

ንሓልዋ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ እዩ ተኸፊልዋ።

ኤረትራዊያን ኣብ ስደት ዘለኹም

ንደሞክራስያዊ ለውጢ ትዕደሙ ኣለኹም

ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክትህቡ ሪኢቶኹም።

ንሓልዋ ጃንዳ ህግደፍ ኣሕሊፎም ከይህብዋ

ብሕልፊ ኣታ ተጋዳላይ ዝነበርካ

ንስኻ ውን ዶ ምስ ህግደፍ ውጊንካ

ሕድሪ ስዋአት ብጾትካ ረሲዕካዮ ዲኻ

ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዘይተበርክት ጊደኻ።

ቅንጂት ዓሰብ እንዳ በሉ ጀሚሮም ፈኸራ

ስየን ሰልፉን ብዓሰብ  ጀሚሩ ጭደራ

ኣብ ጀነቭ ዝዋዓልኩም ደቂ ኤረትራ

ገዛ ከይጠፍኣኩም ኣብ ኣስመራ

ብሰንክኹም ዓዲ ትሸዓተ ቢሄራት ቆሪራ

ዓዲ ሾሞንተ ኣውራጃ ተደፊራ።

ንሓልዋ ጃንዳ ህግደፍ ኣሕሊፎም ከይህብዋ

ሰሚዕኩም ዶ ኣብ ዒራዒሮ እንታይ ከምተገብረ

ጀጋኑ ጠፊኦም ብዘይ መላስ ወረ

ነዚ ሰሚዑ መን ኣሎ ዘይሓረረ

ደም ዘንብዕ ህግደፍ ምልሓሶም ዕረ።

ቢኢድ ኢሰያስ ጀጋኑ ምስ ሓቐቑ

ጅግንነት ኤረትራዊያን ተናዒቑ

ዓዲ ጀጋኑ ኣብ ኢድ ከዳዓት ወዲቑ

ጽባሕ ትሕተቱ እቶም ምስ ህግደፍ ትስሕቑ።

ንሓልዋ ጃንዳ ህግደፍ ኣሕሊፎም ከይህብዋ

እዚ ኩሉ ጅግንነት ናይ ደቀባት መስዋእቲ

ብሰንኪ ጃንዳ ህግደፍ በዚሖም ተጃሃርቲ

ስየ ምስ ቅንጂት ካብ ጀመሩ ትምክሕቲ

ንድሕነት ሃገር ንጠርነፍ ኣብ ሓንቲ

ምፍልላይ ገዲፍና ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዘቲ።

ብንጽህና ንበገስ ካብ ገዛና

ክንዛተ ከምቲ ኣቦሓጎታትና ዘውረሱና

አብ ትሕቲ ጽላል ዳዕሮ ኮፍ ኢልና

ሰላም ክረክብ ክቀስን ህዝብና

ብንጽህና እንተ ዘቲና

ሪኢቶ ሕድሕድ ተኻባቢርና

ንጸረ ሲኒት ዕድል ከይሃብና

ብቅዓት አሎና ክንፈትሖ ሽግርና።

ንሓልዋ ጃንዳ ህግደፍ ኣሕሊፎም ከይህብዋ

እዚ ምስ ንገብር የብቅዕ ስደት

ሹዑ ይራጋገጽ ሃገራዊ ሓርነት

አብ መጨረሻ ህግደፍ ይሳዓር ህዝቢ ይዕወት።

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋዓትና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

17.ሚያዝያ