ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ብ/ኣረሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጥይቕ( 1)
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ብ/ኣረሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጥይቕ ( 1)
ብድምጺ ዘየተኸታተልዎ ወገናት መታን ክረክብዎን ካብ ትሕዝቶኡ ሃናጺ ሓሳባት ክረክቡን ናብ ጽሑፍ ገልቢጥና ንዝርገሖ ኣለና፡ ሰናይ ንባብ፡-
ክቡር ጋሻና ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብሓፈሻ፡ ምስ ምግባር ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣተሓሒዝና መብርሂ ክትበና ንዘቕረብናልካ ሕቶ ብኣወንታ ብምምላስካ፡ ብስም ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ሰማዕትን ኣመስግነካ፡ ከም መእተዊ መታን ክኾነና ምሉእ ስማካ፡ ሓጺር ናይ ቃልሲ ድሕረ-ባይታኻ፡ ትነብረሉ ቦታን ስራሕካን ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?
ብቐዳምነት ነዚ ዕድልዚ ስለዝሃብኩምኒ ከየመስገንክኹም ከሓልፍ ኣይደልን። ስመይ ኣርሀ ሓመድ ናካ ይበሃል። ኣብ ሽወደን ይቕመጥ። ኣብዚ ግዜዚ ከም ኣባል ባይቶ ሽወደን ተመሪጸ ካብ 2010 ብባይቶ ደረጃ ይሰርሕ ኣለኹ። ፖለቲከኛ ሽወደናዊ ኤርትራዊየ። ድሕረ ባይታይ ብዝምልከት ኣብ ከባቢ ዒላበርዕድ ተወሊደ፡ ወዲ 15 ዓመት እንከለኹ ኣብ 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ /ጀብሃ/ ኣብ ካልኣይቲ ክፍሊ ተሰሊፈ። ኣብ መድረኽ ነጻነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ 1977 ጸኒሐ። ድሕሪኡ ግን ናብ ስደት ከይደ። ኣብ ስደት ከይደውን ብረት ምውራደይ እንተዘይኮይኑ ኣብቲ ነጻነታዊ ቃልሲ ብዝተፈላለየ መልከዓት እጃመይ እንዳበርከትየ መጺአ። ሕጂውን ኣብቲ ህዝባዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ህዝቢ ንምርጋግጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣባል ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኮይነ ይቕጽል ኣለኹ። ኣነ ካብቶም መስረቲ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ሓደውንየ።
ሕቶ፡ ዝኸበርካ ኣርሀ ንስኻ ኤርትራዊ ኢኻ፡ ኣባል ባይቶ ናይ ሽወደን ኮይንካ ድማ ትሰርሕ ኣለኻ። ንሕና ከም ኤርትራውያን ካብዚ እንታይ ንመሃር ኢልካ ትርኢ?
ኣረሀ? ብቐዳምነት ካብዚ ክንመሃረሉ ንኽእል ጉዳይ መሰልዩ። ኣነ ከም ኤርትራዊ ከም ኣፍሪቃዊ ሕብረይ ጸሊም፡ ካብ ሃገርና ካብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ዝረሓቐ ኣብ ኤውሮጳ፡ ካብኡ ናብኡ ድማ ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ኤውሮጳ እስካንዲኒቪያን መሰለይ ተኸቢሩለይ፡ ልክዕ ከምቶም ደቂ ሃገር ብናተይ ዓቕሚታት ኣብዚ ደረጃዚ ክበጽሕ እንከለኹ እታ ኣገዳሲት ነጥቢ ንዓይ፡ እታ መሰል ትብል ኣምርያ። ኣነ ከም ስደተኛ መጺአ ኣብቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይታ ሃገር ምብጻሐይ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዝለዓለ ስልጣን ናይታ ሃገር ባይቶዩ፡ ሓጋጊ ኣካል ስለ ዝኾነ። ኣብ ሽወደን ክትበጽሖ ትኽእል ስልጣን ኣባል ባይቶ ምዃንዩ ካብኡ ንላዕሊ ትበጽሖ የብልካን። ስለዚ ክነመሃረሉ ዝገበኣና ይመስለኒ ኣነ ንመሰልውን ንቃለስ ስለዘለና፡ ኣብ ሃገርና ዘይረኸብናዮ መሰል ኣብ ወጻኢ ክሕሎ ክኽበር እንከሎ፡ ምኽባር መሰል ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃኑዩ።
ሕቶ፡ ሕራይ፡ ብ/ኣረሀ ኤርትራ ኣብዚ መድረኽዚ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘላ ንኹላትና ንጹር ነገርዩ፡ ማዕከናት ዜና ሽወደን ብፍላይ ምስ ጋዜጠኛ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ይሳቕ ብዝተኣሳሰረ፡ ንመንግስቲ ህግደፍ ክኹንና ይስማዓየን። ኣብቲ ባይቶኸ ከመይ ይንጸባረቕ? ምስ ምኽባር ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ተታሓሒዙ ኣብ ሃገራት እስካንዲኒቪያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ሽወደን ድማ ብፍላይ ንጉዳይና ከመይ ዝሪእዎ?
ኣርሀ፡ ብቐዳምነት ከምቲ ኣቐዲመውን ዝበልክዎ፡ ዝኾነ ሰብ ካበይ መጺኡ ብዘየገድስ ከም ስደተኛ ምሉእ መሰል ኣለዎ። ብኡ ኣቢሉውን ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ክሕወስ መሰላቱ ተኸቢርሉ እንዳተማህረ፡ ማዕረቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ብሕብሩውን ዘይራኸቡ ወዲ-ታ ዓዲ መታን ክኸውን ብዙሕ ስልጠና ይካየድዩ። ብሓፈሽኡ እቲ መሰል ኣሎ። ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ግን ንሕና ነቲ ንረኽቦ መሰል ብግቡእ ንጥቀመሉ ኣለናን ንጥቀመሉ የለናን ዝብልዩ። ኣነ ነቲ ዝረኸብክዎ ናይ መሰል ዕድል ተጠቒመ ኣብቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ናይታ ሃገር በጺሐ ኣለኹ ማለትዩ።
እቲ ናይ ዳዊት ይስሓቕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ዳዊት ኢስሓቕ ሓደ መወለዱ ኤርትራዊ ዜግነቱ ኤርትራውን ሽወደንን ዘለዎ ኣብ ሽወደን ብዙሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝያዳ ዘገድሶም ሽውደናዊ ዜጋ ብምዃኑዩ። ጉዳይዩ ድማ ኣብ ቃልሲዩ ዝርከብ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሽወደንን መንግስቲ ህግደፍን። ኩሉ ግዜ፡ መንግስቲ ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛን ኣቀራርባን የብሉን። ኣብዚ ዓውዲዚ ጸማም እዝኒ ዘለዎ መንግስቲዩ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ነታ ዲፕሎማሲ እትበሃል፡ ናታ ዲክሽነሪ ስለዘይብሉ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝራኸበሉ ኣገባብ ኩሉ ግዜ ዕጹው ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝበጽሐዩ ዝመስል ክሳብ ሕጂ ዘምጸኦ ውጽኢት የብሉን።
ብዛዕባ ጉዳይና እንተደኣ ኮይኑ ግን፡ ብርግጽ ኣብቲ መጀመሪያ ብጉዳይ ዳዊት ኢስሓቕ ጥራሕዩ ዝዝረብ ነይሩ። ደሓር ግን ብሰፊሑ፡ ኩሉ ኤርትራ ልክዕ ከም ዳዊት ኢስሓቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነብር ብምዃኑ፡ ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ናብ ንእሽቶ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ስለዘላ፡ ዝተኣስረን ዘይተኣረን ኤርትራዊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነብር፡ ጋዜጠኛታት ይኹን ስቪላዊ ትካላት ሽወደን ከቃልሕዎ ጸኒሖምዮም። ስለዚ እቲ ጉዳይ ካብ ናይ ዳዊት ኢስሓቕ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ከምዘየሎ መንግስቲ ህግደፍ ካብቶም ኣብ መስርዕ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኽብሩ መንግስታት ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝስራዕ፡ ኣብ ሽወደን ብፍላይ ከኣ ብጋዜጣታት ሽወደን ከምኡውን ኣብ ባይቶ ዘለው ይኹን ካብ ባይቶ ወጻኢ ዝርከቡ ኣነ ዝፈልጦም ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ሰሙን ኣብ ወርሒ ብኣተሓሓዘ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮን ከይተጻሕፈ ኣይውዕልንዩ ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ሎሚ ኣብ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ከመይ ዓይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣሎ ዋላ ቆልዓውን ይፈልጥዩ።
ምስኣ ኣተሓሒዘ ክገልጻ ዝደሊ እቲ ቅድም ክብል ብምኽንያት ዳዊት ኢስሓቕ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ጥራሕ ተኣሳሲሩ ዝግለጽ ዝነበረ፡ ኣነ ኣብ ባይቶ ምስ ኣተኹ፡ ነቲ ዝረኸብክዎ ዕድል ተጠቒመ ኣብ ካልእ ከሰጋግሮ ፈቲነ። ጉዳይ 2% ጠጠው ንኽብል መንግስቲ ህግደፍ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለው ጥራሕ ኣይኮነን ዝውጽዕን ዝኣስርን ዘሎ እንታይ ደኣ፡ ነቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዘዘለዎ 2% ክፈል እንዳበለ ብኡ ይናበር ስለዘሎ እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስቲ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰላት ስለዘይቃዶ፡ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራውያን ድማ ናይ ሽወደን ዜግነት ስለ ዘለዎም 2% ይኹን ካልእ ንካልእ መንግስቲ ተገዲዶም ግብሪ ክኸፍሉ የብሎምን ሓደ፡ ካልኣይ ነገር፡ ካብ ሃገሮም በቲ መንግስቲ ተማሪሮም መጺኡ ኣብዚ ስዒቡ ከረኻኽበሎም የብሉን ብዝብል፡ ኣብ መድረኽ ኣቕሪበ በይቶ ክካታዓሉ፡ ስለዚ ከኣ ዳርጋ ኩለን ኣብቲ ባይቶ ዘለዋ ሰልፍታት እዚ ጉዳይዚ ጌጋ ምዃኑ ከእምን ክኢለ። ኣብቲ ውሳነ ግን፡ ቅድም ኢሎም ገለ ኤርትራውያን ንኢምባሲ ናይ ህግደፍ ኣብ ፖሊስ ከሲሰሞ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ብፖሊሲ ዝተጀመረ ክሲ ኣብ ሓደ መደምደምታ ይብጻሕ ብድሕሪኡ ኣብ ባይቶ ንሪኦ ኢሎም ግዜ ይጽበይሉ ኣለው። እዚ ዓሚ ብሰፊሑ ብማዕከናት ዜናውን ተቓሊሑ ነይሩዩ። ስለዚ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ብጉዳይ ዳዊት ኢሳሓቕ ተጀሚሩ፡ ኣነ ኣብ ባይቶ ድሕሪ ምእታወይ፡ ኣብ ባይቶ ኣቕሪበ ባይቶ ክካታዓሉ ብምግባረይ ደረጃ ብደረጃ ጉዳይና ትኹረት ክረክብ ኮይኑ ኣሎ። ሕጽር ብዝበለ ነዚ ይመስል እቲ ኩነታት።
ሕቶ፡- ናብ ካልእ ከስግረካ ብ/ኣርሀ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ካብ ዕለት 1-4 ሓምለ 2012 ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣሰላሲሉሎ። መስርሕ ጉባኤ ከመይ መጺኡ ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?
ኣርሀ፡ መስርሕ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ውድብና ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ሓንቲ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ቆይማ። እዛ ሽማግለ ነቲ ኩሉ ንጉባኤ ዘድሊ ነገራት ማለት ናይ ቀረብ ኮነ ሰነዳት ጉባኤ ናብ ጨናፍር ናይቲ ውድብ ከይዱ። ጨናፍራትን ኣሃዱታትን ተኻቲዐን ናብታ ሽማግለ ክምለስ ተገይሩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ብዘይካ ኣብ ውድብኩም ኣብ መብዛሕቲአን ውድባትና ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ልሙድ ኣይኮነን። ኣባል ኣብቲ ዝወረደ ሰነዳት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ስሩዕ መስኖታቱ ሓልዩ ድሕሪ ዝገበሮ ክተዓትን ዝሃቦ ርእይቶታትን ሃብቲሙዩ ኣብ ጉባኤ በጺሑ።
ሕቶ፡- ጉባኤ ኣድህቦ ሂቡ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት ኣብ ምንታይ ዘትኮረ ከም ዝነበረ ፈላሊኻዶ መብራህካልና?
ኣርሀ፡- ድሕሪ ክንደይ ዓመት ኢና ሳልሳይ ጉባኤ ንገብር ዘለና፡ ስለዚ ካብቲ ዝነበረ ኣገዳሲ ወረቓቕቲ ወይ ሰነዳት ሓደ፡ ናትና ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ብፍላይ ምስቲ ኣምር ፈደራሊዝም ዝብል ዓሚቕ ክትዓት ዝተኻየደሉ ነይሩ። ውድብና ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብውሑዳት ሰባት ከም ዝተበገሰ ዝፍለጥዩ። ከም ውድብ ሕጂዩ ዝሰፍሕ ዘሎ። ንመጀመርያ ግዜ ኢና ብዕድመ ብብሄራዊ ተዋጽኦ፡ ብደረጃ ትምህርቲ፡ ዕጡቓት ተጋደልትን ስቪል ኣባላትን ወኪሎም ብዝመጹ ሰፊሕ ተሳታፍነት ዘለዎ ጉባኤ ንገብር ዘለና። ስለዚ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ጉባኤና ካብ ዘሀብተሞ ሓደ ይመስለኒ። እቲ ሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ ኣረኣእያ ብሰፊሑ ዝተሳተፈሉ ብምንባሩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ዝምድናና ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብከመይ ተቐራሪብና ክንሰርሕ ንኽእል ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንፕሮግራምና ዝመስል መን ኣሎ ብኸመይ ብመትከል ስጥመት ፈጢርና ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ንኽእል፡ ካብቶም ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጉባኤኛ ዝተኻተዓሎም ነጥብታትዮም። ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትና ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብልውን ብቐዳምነት ምስተን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራትን ህዝብታትን መንግስቲ ህግደፍ ዝጠንቁ ተፈጢሩ ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድናታት ብከመይ ናብ ባህሪያዊ ቦትኡ ትመልሶ፡ ካብኡ ዝሰገረ ድማ ብፍላይ ንሕና ከም ፈደራላዊ ምሕደራ ንኣምን ውድብ መጠን፡ ምስተን ኣብ ፈደራላዊ ኣምር ዝኣምና ሃገራትን ትካላትን ናይ ዓለም፡ ሓደ ትምህርቲ መታን ክንረኽበሉሞ ሓሳባትና ዝያዳ መታን ክዓቢ፡ ብካልኣይ ዝምድናታትናውን ንምስፋሕ ከመይ ክንሰርሕ ኣለና ዝብልውን ኣካቲዑ ነይሩዩ።
ሕቶ፡- ኣብዚ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ብፍላይ ንምትኽኻእ ወይ ምውርራስ መሪሕነት ዝምልከት ሓድሽ ሓሳባት ከምዘተኣታተኹም ገለ ብጾት ሓቢሮምኒ ነይሮም። ምስኡ ተታሓሒዙ ንስኻ ካብቶም መስረቲ ሓደን ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ኣመራርሓ ዝነበርካ ኢኻ፡ ኣብዚ ሓድሽ መሪሕነት ግን የለኻንሞ ንክልቲኦም እንተተብረሃልና?
ኣርሀ፡- ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ሕቶዩ። ቅድም ኢለ ከም ዝገለጽክዎ ንሕና ውሑዳት ኢና ነይርና፡ ሕጂ ግን እቲ ውድብ ይሰፍሕ ኣሎ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ሓድሽ ወለዶ ክኣቱ ክኽእል ኣለዎ። መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ክኣትውዎ ኣለውም ንዝብል ዝጸንሐ እምነት ናይቲ ውድብ መሰረት ብምግባር፡ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብቲ ሓድሽ ትውልዲ ክኣቱዩ ተገይሩ። ኣብቲ ናይ ለውጢ እንተኾይኑ ኣነ ኮንኩ ሓው ጀላለዲን ሳልሕ ካብቶም መስረቲ ኢና ብፍላይ ኣነ ኣብ መሪሕነት ጸኒሐየ። ሕጂ ግን ንሕና ኣብ ዝለዓለ ዓለማዊ መድረኻት ንዋሳእ ስለዘለና፡ ሓደ ብግዜ ኣንጻር ኣይነርክበሉን። ብካላኣይ ደረጃ ድማ ነቲ ዝረኸብናዮ መድረኽ ተጠቒምና ብውድብ ደረጃ ጥራሕ ዘይኮነ ብሃገር ደረጃውን ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ መታን ክንክእል፡ ቦታና ንካልኦት ክንገድፍ ተማሕጺና። እዚ ትብልዎ ዘለኹም መድረኹ ኣይኮነን ሕጂ ንሳትኩም ኣብቲ ውድብ ተድልዩ ኢኹም ዝብል ርእይቶታት ናይ ብጾት ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ተራዳዲእና። ንኣብነት ኣነ ኣባል ባይቶ ሽወደን ኮይነ 24 ሰዓታት ኣብኡ ስለዝሰርሕ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ብካልእ መልክዕ ብዝያዳ ዘድመዓሉ ዕድላት ስለዘሎ ኣብኡ እንተተዋፈርኩ ይሓይሽ፡ ኣብቲ ውድብ ብገንዘበይ ድዩ ብምኽሪን ካልእን ኣለኹ፡ ግን ካብቲ መሪሕነታዊ ጽፍሒ ከልግስ ኣለኒ፡ ካልኦት ክዓብዩ ዝኽእሉ ሰባት ወይ መንእሰያት ክትክእዎ ኣለዎም ካብ ዝብል ኢና ኣነን ጀላላዲንን ዝገደፍናዮ።
ሕቶ፡- እዚ ሓሳብዚ ሓድሽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንካልኦትውን ብኣወንታ ክጸሉ ዝኽእል ይመስለኒ፡ ካብኡ ብዙሕ ከይወጻእና ግን፡ እዚ ፈደራላዊ ስርዓት ዝብል ኣምር ቦታውን ብሄራውን ዝብል ክልተ ርእይቶ ስለዘሎ ብወገንካ ከመይ ኢኻ ትሪኦ?
ኣርሀ፡- ፈደራላዊ ምሕደራ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከከም ኩነታት ናይቲ ህዝብታት ይፈላለየዩ። ንኣብነት እዘን ብፈደራላዊ ኣምር ዝመሓደራ ሃገራት፡ ኣመሪካ ከመይ ትመሓዳር፣ ጀርመን ከመይ ትመሓደር፣ ስዊዘርላንድ ከመይ ትመሓደር፡ ኢማራት ከመይ ትመሓደር ወዘተ ከከምቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ናይታ ሃገርዩ ዝውስኖ። ንሕና ኣብ መጽናዕቲ ኢና ዘለና። ኣብ ናይ ኤርትራዊ ክውንነት እንተደአ ርኢናዮ ግን፡ ኣነ ቦታውን ብሄራውን ክኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ከምኡ ዝመሰልዩ እቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ቀንድን ወሳንን ግን፡ ፈደራሊዝም ማለት ናይ መሰል ሕቶ ምምላስ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይደሊ ዝብልዩ ዝምልሶ። ንኣብነት ኩናማ ዝወረዶም ዘሎ ወጽዓ ኣብ ባይታ ዝረአ እንተደኣ ኮይኑ፡ ንሕና ብመሰረት ወጽዓና ነብስና ክኢልና ከነመሓድር ኢና ኢሎም ክገብርዎ ዘይክእልሉ ምኽንያት የለን ኢለየ ዝኣምን። ከምኡውን ዓፋር። ግን ኩሉ ከምኡ ይመስል ማለት ኣይኮነን። እቲ ኣገዳሲ እንታይዩ ደቂ-ሰባት ኣብ ክልተ ነገራትዮም ዝጋጨው፡ ኣብ ምምቕራሕ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን። ንስልጣንን ሃብትን ብማዕረ ክትመቅል እንተዘይክኢልካ ኩሉ ግዜ ወጻዕን ተወጻዕን ኣሎ። ኣብ ዓለም እንሪኦ ዘለና ከኣ ንስልጣንን ሃብትን ብማዕረ ከካፍል ዝኽእል ምሕደራ ፈደራሊዝም ጥራሕዩ። ንሱዩ እቲ ቅሳነት ዝፈጥር። ተወላዲ ሓደ ብሄር ዝኾነ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሚኒስተር ኣምጺእካ ምቕማጥ ዘይኮነ፡ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ወናኒ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ሃብቱን ገዝኡን ምስ ዝኸውን ብኡ ኣቢሉ ድማ ወከልቱ ንላዕሊ ባዕሉ ምስ ዝሰድድ፡ ርግኣት ሰላም ምዕባለ ክመጽእ ይኽእል። ስለዚ እነ ብውልቀ ርእይቶይ ብክልቲኡ ማለት ቦታውን ብሄራውን ክኸውን ይኽእልዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ከም ብሄራውያን ዝረኣያ፡ ብሓንሳብ ብባህላውን ቁጠባውን ኣነባብራአን ዝመሳሰላ ክትፈልየን ዘይትኽእል ተኣታትየን ዘለዋ፡ ብድሌተን ብሓንሳብ ክነብራ እንተደኣ ኮይነን ብቦታዊ ክነብራ ይኽእላየን ዝብል እምነትዩ ዘለኒ።
ሕቶ፡- ምስኡ ተታሓሒዙ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝኾነ መሰል ኣየፍቅድን። ህግደፍ ዝጥቀመሉ ጭርሖ፡ ግኡዝ መሬት ማእከሉ ገይሩ፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዝብልዩ። ንመሰል ናይ ህዝብታት ቀዳምነት ኣይህብን። ብተመሳሳሊ ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንዳሃለው፡ ኣብ ክንዲ መሰል ህዝቢ ቀዳምነት ሰሪዖም ንምፍዋሱ ዝቃለሱ፡ ነቲ ጸላኢ ዝጥቀመሉ ጭርሖ ዝደግሙ ወገናት ኣለው ነዚኦም ከመይ ኢኻ ትሪኦም?
ኣርሀ፡- መንግስቲ ህግደፍ እኮ ስርዓት ክትብሎውን ኣጸጋሚዩ። ሓደ ሕጊ ዘይብሉ፡ ብሕጊ ዘየመሓድር ሓይሊ ስርዓት ኢልካ ክትጽውዖ ቅኑዕ ኣይኮነን። ሸፋቱ ናብ ሽፍትነት ክኸዱ እንከለው ከመይ ክንከፋፈል ኣለና ኢሎም ስምምዕ ይገብሩዮም። ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ግን ዝኾነ ሕጋዊ ውዑልን ኣሰራርሓን የብሉን። እቲ ኣጸጋሚ እቶም ኣብ ናይ ተቓውሞ ደምበ ኣለና ዝብሉ ግን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ህዝቢ ጸገም፡ ህዝቢ ዝጠልቦ ዘሎ መሰል ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ባይታ እንዳረኣይዎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ እምነቶም ገይሮም ክቃለስሉ ዘይደልዩ፡ ጽገና ዝመስል መንገዲ ሒዞም ዝኸዱ ኣለው። እዚ ሚኢቲ ካብ ሚእቲ ከምኡ ኳ እንተዘይኮነ ተመሳሳሊ ናይቲ ህዝቢ ዘብርስ ዘሎ ጉጅለ ሒዝዎ ዘሎ ባህሪ ከንጸባርቑ ትዕዘብሞ፡ እዚኦም ስልጣን እንተሒዞም እቲ ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ መሰል ክረክብ ይኽእልዶ ዝብል ስኽፍታ ይፈጥረልካ። ገሊኡ ምልጋስ ናይ ህግደፍ /ኢሳያስ/ ጥራሕ እኹል ዝመስሎ ክህሉዩ። ገለና ግን ክኒዮ ምልጋስ ጭፍራ ህግደፍ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ተማሂርና ከመይ ኣቢልና ንነብር፡ ንመሰላት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብሕግን ብተግባር ኣኽቢርና ከመይ ብሰላም ብደሞክራሲ ብልምዓትን ብሓባር ንነብር ዝብል ርሑቕ ዝጠመተ ዛዕባ ኣለና። ገለ ከኣ ካልእ ጸገም የለን ጥራሕ ዓዲ ንእቶ ዝብል ሽነኽን ኣሎ እዚ ዘሰክፍዩ። ቃልሲ ስለዝኾነ ግን ኩሉ ግዜ እናተኻታዕና፡ እናተመያየጥና ኢና ብዘተ ብምርድዳእ ነቲ ግጉይ ርእይቶ እንብሎ ክንስዕሮ እንኽእል። ንሳቶምውን ዘእምን እንተልይዎም ክስዑራን ከምኡዩ ብስለት ዘለዎ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ። ግን እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘስክፍዩ። ምኽንያቱ ነቲ ንመሰል ዝቃለስ ወገን ኣነኣኢሶም ዝሪኡ፡ ልክዕ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት እንዳበለ ዝጥቀመሉ ቃላት ዝጥቃሙ ሓይልታት ምህላዎም ኣጸቢቑ የስገኣኒዩ።
ካልኣይ ክፋል ይቕጽል
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
E-mail address hdemocrasia@yahoo.com