ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ጋዘጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ
ሳልሳይ ክፋል
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ጋዘጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ
ሳልሳይ ክፋል
ሕቶ፡- ምስዚ ክትዝርዝሮ ዝጸናሕካ እዚ ብሃገራዊ ድሕነት ዝጽዋዕ ንዙፋን ኢሳያስ ዝሕሉ ጸጥታዊ ትካል፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እንታይ ተጽዕኖ ይገብር?
ኣማኒኤል፡- ሃገራዊ ድሕነት ማለት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝተሰለፈ ትካል ማለትዩ። እዚ ግን እቲ ስም ንዕኡ ዝግባእ ኣይኮነን። እቶም ኣብኡ ተኣኻኺቦም ዘለው ግን ቅንጣብውን ትኹን ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሎም ኣእዳዎም ብደም ዝተጨማለቑ ሰባትዮም። ስለዚ ሃገራዊ ድሕነት ዝብል መጸውዒ ነዚ ትካልዚ ዝግባእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንዕኡ ዝበቅዕ ስለዘይኮነ። ስለዚ እቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃል ትካል ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እንታይ ተጽዕኖ ይገብር ዘይኮነ፡ ሚኒስትሪ ዜና ካልእ ገጽ ናይ ሃገራዊ ድሕነትዩ። ምኽንያቱ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ናይ ኣባላቱ ብጸጥታዊ ዓይኒ ዝከታተል እንተኾይኑኮ ንሱዩ። ንህዝቢ ናይ ምድንጋር ተልእኾ መን ድዩ ሂብዎ፡ ነቲ ዙፋን ዝሕሉ ትካል እኳዩ ሂብዎ። ሃገራዊ ድሕነት ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘቋምቱ ዜጋታት ዝሃድን ዝኣስር ዝፈትሕዩ። ሚኒስትሪ ዜና ከኣ፡ ንኣእምሮ ናይ ህዝቢ ዝኣስርዩ። እቲ ሓደ ንኣምሮ ህዝቢ ይኣስር፡ እቲ ካልእ ድማ ንኣካላት ይኣስር። ዋላኳ ነንበይኖም ኣቃውማ ተጸዋዕነትን ምምሕዳራዊ ቅርጻን እንተለዎም፡ ከይዶም ከይዶም ግን ሕልናዊ ማእሰርትን ኣካላዊ ማእሰርትን ዘካይዱ ተመላላእቲ ትካላትዮም። ስለዚ ከኣ ኣብ መንጎዞም ክልተ ትካላት እዚኣቶም ዝኾነ ይኹን ፍልልይ የለን። ንኣብነት ናይ ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝበሃል ኣሃዱ ኣሎ። ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝቐንዐ ፕሮፖጋንዳ ዝስራሓሉ ትካል። እዚ ትካልዚ ካብ ብሚኒስትሪ ዜና ዝእዘዞ ብሃገራዊ ድሕነት ዝእዘዞ ይበዝሕ። ኣብ ዞባና ስልኳታት እንዳገበሩ ዝህውኹ ዝተፈላለዩ ጸረ-ሰላም ሓይልታት ኣለው ዑቑባ ዝተዋህቦም። ነዞም ሓይልታት እዚኣቶም ናይ ኣየር ግዜ ዝህብ ሚኒስትሪ ዜናዩ። ክህብ እንከሎ ግን ምስቲ ሃገራዊ ድሕነት ብምውህሃድዩ። ነዚ ሓደ ካብ ጨናፍር ሚኒስትሪ ዜና ዝኾነ ክፍሊ ኣገልግሎት ወጻኢ በዓል ኮለነል መቐለ፡ ኮለነል ፍጹም እኳዮም ብቐጥታ ዘመሓድርዎ። ንሳቶም ንዝሰደድዎ ናይ ፈጠራ ዜና እኳ ኢኻ ዜና ገይርካ ኣብቲ ናይ ወጻኢ ኣገልግሎት ትፍኑ። ምኽንያቱ መሳርሒ ናይቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃልዩ ሚኒስትሪ ዜና። እቲ ተልእኾ ከይድካ ከይድካ ነቲ መንግስታዊ ጉጅለ ምሕላውዩ ንህዝቢ ብኣእምሮን ብኣካል ከም ዝእሰር ምግባርዩ ካልእ ዕማም የብሉን።
ሕቶ፡- ብቐጻሊ ኣብ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቲቬ ኤረ ዘቃልሕዎ ምልክታ መደባትና ብዝያዳ ነስፈሖን ነማዕብሎን ኣለና ብዝለዓለ ወጻኢታት እንዳበሉ ይገልጹዮም እቲ ምምሕያሻት ብኸመይ ክንበብ ይከኣል?
ኣማኒኤል፡- ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ምምሕያሻት ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነ ናይ ነገራዊ ምምሕያሻትዩ። ብሓሳብ እቲ ትካል ተሳዒሩዩ። ምኽንያቱ ሓይሊ ሓሳብ ከይህልዎ ሓቂ የብሉን። ሓቂ ከይሓዘ ከኣ ሓይሊ ሓሳብ ክህልዎ ኣይክእልን። ማተርያል ወይ መሳርሒታት ግን፡ ብናይ ግራፊክ ቴክኖሎጂ ክትዓቢ ትእኽእል ብገንዘብ ሸሚትካ ዝመጽእዩ። ጸሓፍቲ ኣቀነባበርቲ ክኢልታት ናይ ካሜራ፡ ተክኒሻናት ናይ ስቱዲዮ ብገንዘብ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ሓሳብ ግን ብገንዘብ ገዚእካ ከተምጸኦ ኣይከኣልንዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተመዝጊቡ ዝበሃል ዕቤት ናይ ሓሳብ ዕቤት ዘይኮነ ናይ ነገራዊ ትሕዝቶ ዕቤትዩ። ምኽንያቱ ብሓሳብ ተሳዒሩዩ። እቲ ሚዲያ ንህዝቢ ከእምን ኣብዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ሓቂ ከይሓዘ ንህዝቢ ዝጸሓፈ እንተጸሓፈ ከእምኖ ኣይክእልን። እቲ ትካል ከም ትካል ክህሉ ስለዘለዎ ዝስራሕ ዘሎምበር፡ ሂወት ዘለዎ ትካል ኣይኮነን። ቤት ጽሕፈት ስለዝሰራሕካ፡ ዘብለጭልጭ ተክኖሎጂታት ስለዘተኣታተኻ፡ ማሽነሪታት ስለዘምጻእካ፡ ፍሉያት ካሜራታት ስለዝዓደካ ናይ ትሕዝቶ ዕድጊ ክትገብር ኣይከኣልንዩ። ንኤረ-ቲቪ ዋላ ክሳብቲ ዝረሓቐ ዝበሃል ኣመሪካን ኣውስትራሊያን እንተብጻሕካያ፡ እንታይ ሒዝካ ኢኻ ተብጸሐ? እቲ ዝኸይድኮ እቲ ተክኖሎጂ ዘይኮነ እቲ ሓሳብዩ ክከይድ ዘለዎ ናብኡ። ስለዚ እቲ ትካል ፈነወዩ ክሸይጥ ክኢሉ ዘሎ ምበር ሓሳብ ክሸይጥ ወይ ከሰጋገር ክጸሉ ኣይከኣለን ኣሎ። ብሓጺሩ ኣብቲ ትካል ናይ ኣቑሑት ናይ ተክኖሎጂ ዕቤትዩ መጺኡ ዘሎ። ናይ ሓሳብ ዕቤት ግን ከረጋግጽ ኣይከኣለን ክረጋገጽውን ኣይክእልንዩ ንኽረጋገጽ ዘኽእል ባይታውን የለን።
ሎሚ ዕድመ ን21 ክ/ዘመን ብካልእ መዳይ ናይዚ ክ/ዘመን/ዚ ትውልዲ ምዃን ትዕድልቲዩ። ስለምንታይ እንተኢልካ መማረጺ ሚዲያ ስለትረክብ። ንኣብነት ደምበ ተቓውሞ ዘይከምቲ ዝሓለፈ እዋናት ንተግባራት ናይቲ መንግስቲ ኣብ ምቅላዕ ዘካይድዎ ዘለው ስራሕ፡ ብዝያዳ ዝሰሰነሉን ዝዓበየሉን ብህዝቢ ተቐባልነት ኣብ ዝመጻሉን ከም መማረጺ ሚዲያ ክረአየሉ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታትዩ ዘሎ። እቲ ቀደም ድምጺ ሓፋሽ ኢላቶ ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ ጽውጽዋይ ኮይኑ ኣሎ። ሚኒስትሪ ዜና እንድዩ ኢልዎ፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ እንድዩ ወጺኡ፡ ኣብ ኤረ ቲቪ እንድዩ ተራእዩ ዝበሃል ነገራት እናሞተዩ ዝኸይድ ዘሎ ሎሚ። ምኽንያት ብሓይሊ ሓሳብ ዝተሳዕረ ናይ ሚዲያ ትካል ብዝተጨበጠ ህላውነቱ ከረጋግጽ ኣይክእልንዩ። ስለዚ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ኣመዝጊበዮ ዝብሎ ዘሎ ዕቤት ናይቲ ረቂቕ ናይ ሓሳባት ዕቤት ዘይኮነ፡ ናይ ነገራት ዕቤት ጥራሕዩ ዘለዎ።
ሕቶ፡- ሕራይ ኣማኒኤል እግረ መንገድኻ እናገለጽካዮ መጺእካ ኢኻ ግን ዝያዳ ንምብርሁ ዝኣክል፡ ንድምጺ ሓፋሽ ኮነ ንቲቪ ኤረ ህዝቢ ጽቡቕዩ ዝከታተለን ሰዓታት ፈነወ ኣየሕልፍንዩ ሳላ ከምኡ ዝተገብረ ከኣ ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ይመሃሩ ይልወጡ ኣለው ክብል ይስማዕዩ። እዚ ኣብ ነገራዊ ትሕዝቶ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝኸይድ ኣመለኻኽታዚ ንቐጻሊ እንታይ ሓደጋ ይፈጥር ኢልካ ትርኢ?
ኣማኒኤል፡ ኣነ ባዕለይ እንድየ ኣብኡ ነይረ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሚዲያታት ህግደፍ ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን። እቲ ትካል ብዘይ ዝኾነ ኣማራጺ ተወዳዳሪ ኣንጻራዊ ሚዲያ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰረተ ስለዝኾነ ሓደ ሓደ ግዜ ምድንጋራት ይፍጠርዩ። ነቲ ዝተፈጥረ ሰረት ንከተዕኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ሚዲያ ክትከታተል ኣለካ። ግዜን ጻዕርንውን ይሓትትዩ። ብዘይካልኣዊ ሚዲያ ብቐጻሊ ንትካላት ሚዲያ ህግደፍ ጥራሕ ክከታተል ዝጸንሐ ሰብ፡ ኣብ ከምኡ ዓይነት ምድንጋራት እንተኣተወውን ብዙሕ ዝተሓዘሉ ነገር ኣይኮነን ባህሪያዊ ነገርዩ። ክልወጥ እንተደኣ ኮይኑ መማረጺ ሚዲያ ዝህቦ ኣካል ክረክብ ኣለዎ። ከም ኣብነት ንምንታይዮም ናይ ወጻኢ ሚዲያታት ወኪላት ክህልው ዘይተደልየ። ቢቢሲ፣ ሮይቶርስ፣ ኣልጀዚራ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ወዘተ ክህልው ዘይተደልየሉ ምኽንያት፡ እዞም ትካላት እዚኣቶም ካብቲ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ዘቃልሓኦ ፍልይ ዝበለ፡ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምስቲ ክውንነት ዝከይድ ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝቢ ዓለም ክምግቡ ስለ ዝኽእሉ ካብዚ ተበጊሱ ድማ እቲ ኤርትራ እንታይ ደኣ ዝብል ኣቓልቦ ክገብር ስለዝጅምር ካልእ ተወዳዳሪ ሚዲያ ክህሉ ኣይደልዩ ህግደፋውያን። ድምጺ ሓፋሽ ከምቲ ኣበረኻ እንከላ ከይመመኻ ዝጉሰም ዝነበረ እምነት ብከምኣ ክትቅጽልዩ ዝድለ፡ ሎሚ ግን ከምኡ የለን። ምኽንያቱ ምርኣይ ምእማንዩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብዓይኒኻ እንዳረኣኻ፡ ድምጺ ሓፋሽን ቲቪ ኤረን ዝበላኦ ሰሚዕካ ክትኣምን ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ መንግስቲ ናይ ወጻኢ ሚዲያታት ወካይል ክይህልው ዝኸልከለውን ብመደብዩ። እዚ ኣብ ዲያስ-ፖራ ዘሎ ኤርትራዊ ምስ ዘለዎ ናይ ኣቀማምጣ ርሕቀት ኣብቲ ኤርትራዊ ክውንነት ኣብ ምንባብ ምድንጋራት ክፈጥር ኣይክእልን ክበሃል ኣይከኣልን። ገለ ከኣ ዓመት ዓመት ናብ ሃገር እንዳተመላለሰ፡ ኮነ ኢሉ ንቤተሰቡ እንዳሓተተ ምስቲ መንግስቲ ዘለዎ ዝምድና ከይበትኽ ዝገብሮ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእልዩ። ምስቲ መንግስቲ ዘይተባተኸ ሰብ ድማ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ዋጋ ዘይብለን ናይ ሓሶት ትካላት ምዃነን ክዛረብ ኣይኽእልን። ሓቂ ክዛረብ እንተኾይኑ ምስቲ መንግስቲ ክባተኽ ኣለዎ።
ህግደፍ ከኣ ብዝተፈላለያ ሜላታትዩ ዝሕዞም። ዝሞተ ሰብ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ከይቕበር ይኽልክል፣ ኣብ ዓዲ ከይድካ ምስ ስድራ ቤትካ ከይትራኸብ ይጻባኣካ፣ ወፍሪ ክትገብር፣ ገለ ትካላት ከተጣይስ ይኽልክለካ፣ ነዚአን መጻወዲያታት እዚኣተን ክሓልፉ ክብሉ ምስቲ መንግስቲ ዝደናገጹ ሰባት ኣለው። ስለዚ ምስቲ መንግስቲ መሊኡ ክሳብ ዘይተባተኸ ሓቀኛ ምስሊ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ክነግረካ ኣይትጸበ። ገለ ገለ ሰባት ድማ ኣለው፡ ንኤርትራ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ብዓይኒ መስኮት ቲቪ ኤረ ዝሪእዋ ኣለው። በተን ኣብ መስኮት ቲቪ ኤረ ዝሪእወን ንሳ ትመስሎም እታ ቅንዕቲ ኤርትራ። ኤርትራ ግን ንሳ ኣይኮነትን። ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ እታ ንፈልጣ ኤርትራ፡ እታ ኣባይታ ዘለያ። ኣብ ኤረ ቲቪን ኣብ ድምጺ ሓፈሽን ዘላ ኤርትራ ኣይኮነትን። ኣብ ኤረ ቲቪ ድምጺ ሓፋሽን ዘላ ኤርትራ ካልእ ኤርትራያ፡ ብመደብ ከኣዩ ከምኡ ክኸውን ተቐሪጹ። ስለዚ ምድንጋራት ሕጂውን ኣሎ። ግን ብመንጽርቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ እንተመዚናዮ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ተቐባልነተን ተሰማዕነተን ከም ቀደሙ ኣሎ ኢልካ ክትሓስብ ኣይከኣልን።
ኣነ ጋዜጠኛ ሰራሕተኛ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍየ ነይረ። ቃለ-ማሕተት ክገብር ኣብ ብዙሕ ቦታት ዑደት ገይረየ። ማይክሮፎንን ቴፕ ሪከርደርን ሒዝና ናብ ሰባት ክንቀርብ እንከለና ዝጸርፉና ሰባት ነይሮም። ብፍላይ ከም መዓልቲ ሰማዕታት 20 ሰነ ንስድራ ቤት ኣሕዋትን ኣሓትን ስውኣት ቃለ-ማሕትት ክትገብር እንከለኻ፡ ንስኹምሲ ብመስዋእቲ ደቅና ኣያታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትሕበኑ ዲኹም ኣይትሕበኑን ኢልኩም ክትሓቱና ኢሎም ብእምኒ ክሃርሙና ዝደናደኑ ብዙሓትዮም። ስለዚ ሚዛናዊ ብዝኾነ መንገዲ ክትግለጾ እንከለኻ ሰብ ፍጊዕ ኢልዎዩ። ኣብ ሓንቲ ዓዲ ንስሙ ዲጋ ወይ ራህያ ትስራሕ፡ ብዛዕባኣ መንግስቲ ኮፍ ዘበሎ ኣመሓዳሪ ወይ ፍሉይ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባትዮም መብርሂ ዝቡኻ። ነቲ ኣመሓዳሪ እንታይ ኮንኩም ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይተረጋገጹ እንተኢልካዮ፡ መንግስቲ ውራይ በጺሕዎ፡ ተጻባኦ ናይ ማሕበረ ሰብ ዓለም ድማ ስለዘለዎ ገፊሕዎ ምበር ረሲዑና ኣይኮነን ይብለካ። ንቕድሚት ከምዚ ክገብረልና ድማ ተስፋ ንገብር ይብለካ። እዚ ቃል ኣመሓዳሪዩ። ኣብ ቅድሚ ማይክሮፍን ዝብለካን ብድሕሪኡ ዝብለካን ከኣ በበይኑዩ። ኣብቲ ተራ ህዝቢ እንተወሪድካ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃንደፍ ኢሉ ቃለ-ማሕተት ዝገብረልና ሰብ የለን። እንዳለመንካዩ። ክሳብ ገለ ሰባት ዘረባ እንዳኸኣሉ እንከለው ኮነ ኢሎም ነቲ ዘረባ የበላሽውዎ። ሽዑ ማይክሮፎን ኣጥፊእካ ባዕልኻ ዘረባ ሰሪዕካ ከምዚኣ በል እንዳበልካዩ ዝካየድ። ክሳብ ሕጂ እቲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ሰረት መሊኡ ዝጠፍአ ኣይኮነን። ከም ቀዳሙ ከም ዘየለ ዓቢ ለውጢውን ከም ዘሎ ግን ኣነ ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይነ ከረጋገጸልካ የደሊ።
ሕቶ፡- ኣማኒኤል ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ሚኒስተራት ህግደፍ ብዛዕባቲ ንሳቶም ዝመርሕዎ ትካል ኣመልኪቶም ኣብተን ማዕከናት ዜና ቃለ-ማሕተት ከግብሩ ኣይረኣዩን፣ ከምኡውን ካብ ደገ ንዝመጹ መዘናታቶም ከዛራርቡ ኣይረኣዩን፡ ኣብ ኩሉ ዝቐርብን ዝውድእን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራሕዩ። ገለ ኣፍልጦ እንተለካ ስለምንታዩ ከምኡ ዝግበር እቶም ሚኒስተራት ከ ብዛዕባዚ እንታይ ይብሉ?
ኣማኒኤል፡- ሓደ ተልእኾ ናይቲ ሚዲያ፡ ነቲ እኮ መራሒ ከም ኩለንተናዊ ሰብ ኣምሲልካ ምቕራብዩ። ኣብ ኩለንተናዊ ዓውድታት፡ ኣብ ፖለቲካ፣ ኣብ ሕርሻ፣ ኣብ ምህንድስና፣ ኣብ ቁጠባ ንኹሉ ዘመልእ ልቂነት ዘለዎ ፍጡር ጌርካ ናይ ምቕራብ ተልእኾ ዘለዎ ትካልዩ ሚኒስትሪ ዜና። ነዚ ተልእኾዚ ክፍጽም እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ንምስሊ ናይ ኢሳያስ ዝወዳደር ካልእ ምስሊ ክትፈጥር የብልካን። ንኣብነት ንልምዓት ዝምልከት ሚኒስተር ሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓት እንዳሃለወ፡ ኢሳያስ መጺኡ ይዛረብ። ናይ ሕርሻ ሚኒስተር እንዳሃለወ ኢሳያስ መብርሂ ይህብ። ንህንጻዊ ስራሓት ዝምልከት ኣብቲ ቦታ ኮይኖም ዝመርሖ ሞያተኛታት እንዳሃለው፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ዝወዓለ ኢሳያስ ፖለቲካዊ መምርሕን ውሳነ ዘይኮነ ሞያዊ መምርሒ ክህብ ትዕዘብ። ዋላ ዜና ክስራሕ እንከሎ ፕረዝደንት ኢሳያስ ኣብ ክስቶ ዑደት ገይሩ መምርሒ ስራሒ ድማ ሂቡ ኢልካ ተሕልፍ። ፕረዝደትን ኢሳያስሲ ንሓደ እንጂኔር ክኢላ ሕርሻ ሞያዊ መምርሒ ክህቦም ኣይኽእልንዩ። ንሕና ግን ከምኡ እንዳበልና ዜና ንሰርሕ። ምኽንያቱ መሃንዲስ ይኸውን፣ ሃናጻይ ይኸውን ሓረስታይ ይኸውን ኣብ ኩሉ ኩለንተናዊ ሰብ ኮይኑ ስለዝቐርብ፡፡
ኣብታ ሃገር እቲ ህዝቢ ከም ናቱ ፓብሊክ ፊገርስ ገይሩ ዝጥምቶም፡ ኣዝዮም ብሞያኦም ብቑዓት ሰባት ኣለው። ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ገለ ሓበሬታ ደሊኻ ናብ መን ትኸይድ ትፈልጥ ኢኻ፡ ግን ናብኦም ኣይተኸይድን። ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ክነግረካ ናብ ኢሳያስ ትኸይድ። ኤርትራ ከመይ ከምዘለ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብ ዘይኮነ፡ ኢሳያስ ክነግረካ ትደሊ። ቁጠባዊ ህንጻዊ ልምዓውታዊ ኮነ ታሪኻዊ ኩነታት ኤርትራ ብኸምቲ ኢሳያስ ክቐርጸካ ዝደሊ ክቐርጽዩ ዝድለ። ብዘይክኡ ካልእ ክኢላ የብልናን። ንሱ ሃለወ ንነብር፡ ንሱ የለን ኣይንነብርን ዝዓይነቱ መልእኽቲ ንምምሕልላፍዩ እቲ ቀንዲ ተልእኾ።
ኣብ ውሽጢ ህግደፍኮ ክንደይ ምሁራት ክኢልታት ደሞክራስያውያን ባእታታት ኣለው። ንሳቶም ግን ቦታ የብሎምን። ቀንዲ ተልእኾ ናይቲ ሚዲያ ነዚ ሰባኣይዚ ከም መራሒ ጥራሕ ዘይኮነ ከም ኩለንተናዊ ሰብ ገይርካ ምቕራጽያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ሓደ ካብ ደገ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝምልከት ሰብ እንተደኣ መጺኡ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣይኮነን ዘዘራርቦ። ኢሳያስዩ ዝረኽቦ። ሓደ ኣባል ባይቶ ናይ ሓንቲ ሃገር እንተደኣ መጺኡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሰጊሩ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ይኸይድ ኢሳያስ ይረኽቦ። ኢሳያስ ረኺብዎ ኢሳያስ ኣዘራሪብዎ ይበሃል። ኢሳያስ ስለምንታይ ምክትል ክህልዎ ዘይተገበረ፡ ብሂወቱ እንከሎ ተካኢኡ ክርኢ ዝደሊ ሰብ ኣይኮነን። ብሂወቱ እንከሎ ሰብ ክትከኦ ዘይደሊ ሰብ ድማ ኣብቲ ኣነየ ዝፈልጦ ዝብሎ ቦታ ካልእ ክኢላ ኣምጺእካ ቃለ-ማሕተት ከተገብር ኣይከኣልን። ክንደይ ክኢልታት ኣለውኮ ካብቲ ሚዲያ ብመደብ ዝተኣገዱ ሰባት። ኣነ ኣስማቶም ምጥቃስ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዘይስመዓኒ ኣስማቶም ኣይጠቅስንየ ግን ዓበይቲ ሰበስልጣን ኣለው ኣብቲ ሚዲያ ከይቐርቡ ዝተኣገዱ። ዋላ ንሳቶምውን እጉዳት ምዃኖም ይፈልጡዮም። ሓደ ጋዜጠኛ ብገርሁ ንቃለ-ማሕተት እንክሓቶም፡ ነዚ ስለዘየፈለጠ ድዩ ወይስ ክፍትሸኒዩ መጺኡ ኢሎም ዝጠራጠሩኻ ሰባት ኣለው። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እንዳሰርሐ ኣነ እጉድ ምዃናይ እንታይ ኮይኑ ዘይፈልጥ ክፍትሸኒዩ መጺኡ ኢሎም ካብ ቤት ጽሕፈቶም ከም ከልቢ ዘሳጎጉዎም ሰባት ኣለው። እቲ ጋዜጠኛውን ንባዕሉ ብሰንኪ ኣካይዳ ናይቲ ትካል ክንዳይ መሰነኽላት እንዳሓለፈ እኮዩ ሓበሬታ ዝእክብ። ሓደ ሓደ ግዜ ዝእከብ ሓበሬታ ምስ ሰኣንካ ኣብ ሓበሬታ ምፍጣር ትኣቱ። ከም ሓደ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሰማያዊ ትእዛዝ ኢሳያስ ዝበሎ እንዳበልካ ትሰርሕ። ከም ካልእ መማረጺ ሓሳብ ንጹግ ዝኾነ እንዳገበርካ ኢኻ ኣብቲ ሚዲያ ትቐርጾ ነቲ ሰብኣይ። ስለዚ እቲ ሚዲያ ብኸምዚ ነቲ ሰብኣይ ስለዝቐብኦ ብዙሕ ምድንጋራት ተፈጢሩ። ሎሚ ግን እቲ ምድንጋራትቲ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ኢልካ ክትሕሳብ ኣይከኣልንዩ።
ሓደ ካብቲ ተልእኾ ናይቲ ሚኒስትሪ ምስሊ ናይ ኢሰያስ ኮሊዕካ ምርኣይ እዩ። ምስሊ ናይ ኢሰያስ ክትስራሕ እንከላ ካብታ ስሙ እያ ትጅምር። ኢሰያስ ከሎ ሽሙ ክትጽሓፍ እንከላ ግን ኢሳይያስ ተባሂላ እያ ትጽሓፍ፣ ኢሳይያስ ንነቢ ኢሳይያስ ዝተዋህበት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትርከብ ኣጸሓሕፋ እያ። ስለምንታይ እዩ ግን ኣብ ጋዜጣ ቴሌቪዥን ኢሳይያስ ተባሂሉ ዝጽሓፍ፡ ኢሰያስ ከምቶም ካልኦት ኤርትራውያን ኢሰያስ ኣይኮነን ፍልይ ዝበለ ካብ ንተራ ሰባት ናብ ነቢ ኢሳይያስ ዝቐረበ ሰብ እዩ ንምባል ተባሂሉ እዩ። ሓንቲ ከም ፍልይቲ ኣብነት ክነግረካ መራሒ ሰሜን ኮርያ መይቱ፡ ምስ ሞተ ህዝቡ ሆ ኢሉ ወጺኡ ቀቢርዎ። ኣብታ ሃገር ዓቢ ህዝባዊ ሓዘን እዩ ተፈጢሩ ነዚኣ ንመዝምዛ ተባሂሉ ኣብቲ ሚኒስትሪ፣ ብኸመይ ንመዝምዛ ተባሂሉ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኩሉ ግዜ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣይቃዶንዩ ከም ጸረ-ደሞክራሲ ጸረ-ሰላም ምርጫ ዘየፍቅድ ገይሮም ዮም ዝገልጽዎ። ንመራሒ ህግደፍ ውን ብኸምኡ ዮም ዝገልጽዎ። ስለዚ ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ ድኣ ብኸመይ እዩ ህዝቡ ሓዚኑ ኢልና ብተዘዋዋሪዩ ክሓልፍ ተደልዩ እቲ መልእኽቲ። ክሳብ ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ዝሰርሖ ናይ ፈጠራ ዜና ከም ዘለዎ ናብ ትግርኛ ተተርጉሙ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ ዕለት 25 ታሕሳስ 2011 ወጺኡ። ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ህዝቢ በኽዩሉ ድዩ ኣይበኸየሉን ንፈልጦ ነገር የብልናን ብጀካቲ መደበር ዜና ሰሜን ኮርያ ዝሃበቶ ሓበሬታ። ግን ድማ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ኩነታት ምስ ናይ ኤርትራ ኩነታት ዝቃረብ ኣይኮነን። ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ዝዘርግሖ ናይ ፈጠራ ዜና ሓደ ዓቢ መራሒ ከም ዝመውት ዘመላኽት ምልክታት ተራእዩ፣ ኣብ መቓብር ኣብኡ ረጋቢት ዘምብየን፣ ኣብታ ሃገር ዝወርድ ዝነበረ ውርጪ ሃንደበት ደው ኢሉ ብምባል ካብ ሰብ ኣውጺኦም ናብ መለኮታዊ ሓይሊ ከምስልዎ ዮም ፈቲኖም። እዚ ከምዚ ዓይነት ዜና ብትግርኛ ተርጒምካ ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋር እንታይ ማለት እዩ? እቲ መልእኽቲ ንኢሰያስ ከም ሓደ ጻድቅ ጌርካ ኣብ ልቢ ህዝቢ ንምስራጽ እዩ።
ሓደ ግዜ ወዳሕ ከንፈር ዝበሃል ናይ ኣልጀዚራ ኔትዎርክ ሓላፊ ኣብ ኤርትራ ዑደት ክገብር ከሎ ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣኼባ ገይሩልና። ኣብቲ ግዜቲ ብዙሕ ነገር ተወርዩ በቲ ምስ መንግስቲ ቀጠር ዘለና ዝምድና ጌርና ምስ ተሌቪዥን ኣልጀዚራ ጽቡቕ ዝምድና ክንምስርት ኢና ተባሂሉ። ኣልጀዚራ ዝምድና ዝጸልእ ትካል ኣይኮነን ዝምድና ዘቐድም ትካል እዩ። ግን ንሓቂ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእትዩ ምስ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝመሓዞ ትካል ኣይኮነን። ወዳሕ ከንፈር ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ሓደ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራ ዝገልጽ ዓቢ ዶክሜንታሪ ፊልም ተፈንዩ። እቲ ዶክሜንታሪ ፊልም ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ዝብል እዩ። ኣብቲ ግዜቲ ክንደይ ጫውጫው ተባሂሉ ንዓና ብኸመይ ምስ ሰሜን ኮርያ የመሳስሉና ብዝብል ብዙሕ ዘረባ ነይሩ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ምስ ሞተ ድኣ ብኸመይ ምስ ነብሶም ከመዓራርይዋ ደልዮም? ብኸመይ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ኢል ጆም ምስ ሞተ ምስ ኢሰያስ ከመዓራርይዎ ደልዮም? እቲ ሓቂ ግን ኤርትራ ናይ ብሓቂ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ እያ። ዕጽውቲ ሃገር፣ ዝተነጸለ መንግስቲ፣ ዝተነጸለ ሕብረተሰብዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ። ስለዚ በዛ ጉዳይ እዚኣ ንሰሜን ኮርያ ንቀራረብ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓልፎም ከማን ከይንኸውን ይጠራጠር እየ ኣነ። እቲ ሚድያ ግን ክሳብ ክንድዚዩ በታ ዘይተኸንሸበትን ዘይትመውትን መልሓስ ጌሩ ህዝቢ ከእምን ከይደቐሰ ዝሓድር።
ብዛዕባ ምስሊ ኢሰያስ ንምስራሕ ዝግበር ነገራት ክንዛረብ እንከለና፣ ሓደ ግዜ ኣብ 2009 ኣማተር ጋዜጠኛታት ኣምጺእካ ዝተገብረ ነገራት ኣሎ። ነዞም ጋዜጠኛታት ዘይተኣደነ ገንዘብ እናኸፈልካ፣ ናብ ኤርትራ ክመጹን ክኸዱን ከለዉ ናይ ኣየር ትኬት እናኸፈልካ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ ናይ ሆቴልን ናይ መግብን ከፊልካ፣ ናይቲ ምስ ኢሰያስ ቃለ-መጠይቕ ዝገበርሉ ክፍሊት ከፊልካ ካብ ዓረባዊ ሃገር፡ ካብ ርሑቕ ምብራቕ፡ ካብ ላቲን ኣሜሪካ፡ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ተዓዲሞም መጺኦም። እቲ ዕላማ ኣሜሪካ ተጋግያ ነዚ ስርዓትዚ ነዚ ሰብኣይዚ ተጸልሞ ዘላ፡ ምሉእ ሚድያታት ናይ ዓለም ዓይኑ ኣውዲቐናሉ ዘለዋ፡ ርኣይዎ እንዶ ብምኽን