ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ
ካልኣይ ክፋል
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ
ካልኣይ ክፋል
ሕቶ፡- ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ንህዝቢ ካብ ዘደናግረሉ ሜላታት ገለ እንተትገልጸልና?
ኣማኑኤል፡- ሚኒስትሪ ዜና ዝኽተሎ ናይ ምድንጋር ስትራተጂ ኣሎ። ዝኾነ ትካል ዝምርሓሉ ስትራተጂ ኣለዎ እንድዩ፡ ሚኒስትሪ ዜና ድማ ከም ትካል ናቱ ንባህርያቱን ኣካይዳታቱን ዝውክል ስትራተጂ ኣለዎ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ከም ቀንዲ ናይ ምድንጋር ስትራተጂ ዝመጽእ እንታይ እዩ፡ ሚኒስትሪ ዜና ናይ ልምዓታዊ ሜድያዩ ዝብልዩ። ብመሰረቱ ንልምዓት ዘንቀደ ፖሊሲ ምስ ዝህልወካ ልምዓት ይህልወካ፡ ልምዓት ምስ ሃለወካ ድማ ልምዓታዊ ሜድያ ይህሉ። ናይ ልምዓት ፖሊሲኸ ኣሎ ድዩ? እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ናይ ልምዓት ፖሊሲ ንኽተል ኢና ተባሂሉ ዝቃላሕ ከምኡ ድዩ ልምዓት? ንኣብነት ውሕስነት መግቢ ዝብሃል ጭርሖ ኣሎ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ወረቓቕቲ ክሳብ ዝውዳእ ዝጽሓፈሉ ዓንቀር ክሳብ ዝልሕልሕ ዝልፍለፈሉ። ውሕስነት መግቢ ኣብ ኤርትራ ክሳብዚ ስርዓትዚ ዝሃለወ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ንዛረበሉ ደረጃ ኣይበጻሕናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣሰር ናይ ውሕስነት መግቢውን የብልናን። ካብ ተጸባይነት ዝናብ ክንገላገል፡ ብመግቢ ርእስና ክንክእል ዝብል ስቕ ኢልካ ብግብሪ ዘይስርሓሉ ፕሮፖጋንዳ ምንዛሕ፣ ናይ ልምዓት መንግስቲ ኢና ነልምዕ ኢና ዘለና እናበልካ ንህዝቢ ምድንጋር፣ ንሃልኪ ሚድያ ዝኸውን ቀንጠ መንጢ እናሰራሕካ፡ ኣብ ሚድያ ልምዓታዊ መንግስቲ ክትመስል ዝግበር ኣሎ። ንኣብነት ውሕስነት መግቢ እንተድኣ ኢልካ ሕርሻ ማለት እዩ። ንሕርሻ ዝምልከትቀዳማይ ተጸዋዒ ከኣ ሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ። መብዛሕቲኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕርሻዊ ትሕተ ቕርጺ ግን ምምሕዳሩ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ዩ። ትራክተርስ ሓደ ኮለኔል እንታይ እዩ ክገብራ፡ ናብ ታንኪ ድዩ ክቕይራ ሚሳይል ድዩ ክገብራ እንታይ እዩ ክገብራ ዝኽእል? ትራክተር ንክኢላ ሕርሻ እያ ትምልከት፡ ምምሕዳራን ተጸዋዕነታን ንሚኒስትሪ ሕርሻ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ትሕተ ቕርጺ ናይ ሕርሻ ግን ብወልዱ ባርያ ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ጋራጃትዩ ዝመሓደር። ዝኾነ እንዶ ናይ ሕርሻ ዘይብሎም ኣመሓደርቲ ሕርሻ ኮይኖም ኣለው። ክኢላታት ከበሳጭዉ ክኢላታት ካብታ ሃገር ነፊጾም ክወጹ ዝገብሩ ዘለው፡ ሃገር ብሕጽረት ክኢላታት ከም ትሳቐ ዝገብሩ ዘለውዮም። ሎሚ ሕርሻ ኣብ ሃገርና ኣይኮነንዶ ከምቲ ብሚድያ ዝግለጽ ተዋስኦ ብዘመናውነት ክምራሕ፡ እታ ናይ ኣቦታትና ያታዊት ሕርሻ ክንስእና ቁሩብ እዩ ተሪፉና ዘሎ። ስለዚ እቲ ኩነታት ሕርሻ ናይ ሃገርና ከምዚ እናሃለወ እንከሎ፡ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ክትዛረብ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ሚድያ ግን ባህርያቱ ኣብ ባይታ ዘየሎ ነገር ኣብ ኣእምሮ ምፍጣር ስለዝኾነ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ክዛረብ ትሰምዕ።
ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝበሃል ድማ ኣብ ኤርትራ ክረምታዊ ማእቶት ካብ 1994 ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ፡ 94 ሚሊዮን ፈልስታት ገረብ ተተኺሉሎ። መዓልቦ ናይቲ ፈልስታት ግን ኣይፍለጥን እዩ። ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምኽንያት 20 ዓመት በዓል ነጻነት ናይ 20 ዓመት ጉዕዞ ጽላት ሕርሻ ክግምግም እየ ኢሎ ሲምፖዝዮም ክገብር እንከሎ፡ 94 ሚሊዮን ፈልስታት ገረብ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ተኺልና ኢሎም፡ ክንደይ ጸዲቐን ክንደይ ሓሪረን ትፈልጡዶ መጽናዕቲ ኣለኩምዶ ተባሂሎም እንድዒ። ስለዚ ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክትዛረብ እንከለኻ ብዛዕባ ገረብ ኢኻ ትዛረብ። ምግራብ ዝበሃል ኣብ ዘይብሉ ቦታ ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክትዛረብ ኣይከኣልን እዩ። ሃገርና ብምድረበዳነት እናተጠቕዐትያ ትኸይድ ዘላ። ዝርካቡ መሬትና ፍርያምነቱ እናጎደለዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ካብኡ ናብኡ ውን እቲ ሕርሻ ካብቲ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ካብ ያታውነት ተገላጊሉ ናብ ዘመናውነት ክሰጋገር ኣይከኣለን። ብመሰረቱ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ውን ስለዘየለ። ስለዚ ልምዓት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ልምዓታዊ ሜዲያ ክህልወካ ኣይክእልን እዩ።
ሕቶ፡- ካብዚ ከይወጻና ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ብዙሕ ክብል ይስማዕ እዩ፡ እዚ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝኸይድ ኣበሃህላ ድዩ?
ኣማኑኤል፡- ርእሰ ምርኮሳ ዝበሃል ብቐጻሊ ኣብቲ ሜድያ ዝመጽእ ናይ ትምክሕቲ መደብ ኣሎ። ርእሰ ምርኮሳ ማለት ኣብ ነብስኻ ምምርካስ ማለት እዩ። እዚ ክትገብር ድማ ናይ ሰላም ደሞክራሲ ናይ ልምዓት ፖሊሲን ዓቕሚ ሰብ ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። ኤርትራ ዕድመ ንጭቆና ዕድመ ንግፍዕን ኣተሓሕዛን ዓቕሚ ሰብ ዝብሃል የብላን። ሞያዊ፡ ምሁር ዝብሃል የብላን። ብዓቕሚ ሰብ ተሳቐያ ዘላ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰብ እዩ ዝወጽእ ዘሎ። ስለዚ ዓቕሚ ሰባ ብስደት እናተጸንቀቐ እናማህመነ ዝመጽእ ዘሎ ሃገር ብዛዕባ ርእሰ ምርኮሳ ኢላ ክትጭርሕ ዝከኣል ኣይኮነን በየናይ መንገዲ። ዋላ እቶም ዝርካቦም ኣብ ኮለጅ ዝመሃሩ ተማሃሮ ከም ዕቑር ናይ ልምዓት ሓይሊ ዘይኮነስ፡ ከም ስግኣት ንስልጣንዮም ዝጥምትዎም። ከምኡ ስለዝኾነዩ ድማ ኮለኔላት ንኮለጃት ዘመሓድርወን ዘለው። ኮረለኔል ኣብ መዓስከር ኮፍ ይብል እምበር፡ ኣብ ኮለጅ እንታይ ክገብር ይኣቱ? ካልእ ውን ብዛዕባ ዓንዲ ማእከል ስርዓተ ፍትሒ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ፍትሒ ዝብሃል ኣብ ኤርትራ የለን። ዝኾነት ሃገር ዓንዲ ማእከል ስርዓተ ፍትሒ ክህልዋ እንተኾይኑ፡ ሕገ-መንግስቲ ክህልዋ ክኽእል ኣለዎ። ሕገ-መንግስቲ ዘይብላ ኣብ ዓለም ብጀካ ኤርትራኮ ኣብዚ ሕጂ እዋን የላን። ፍትሒ ዝበሃል ነገር የለን። ሰባት ብፍትሒ ኣይዳነዩን ዮም። ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ብብዝሒ ቤት ማእሰርቲ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብ ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ቤት ማእሰርቲ ንምህናጽ ዝያዳ ዝተወፈየ መንግስቲ እዩ ዘሎ ኣብ ሃገርና። ፍትሒ፡ ልምዓት፡ ትምህርቲ የለን።
ስርዓተ ትምህርቲ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ ብመሰረቱ መይቱዩ ዘሎ። ክልተ ሰለስተ ዩኒቨሪሲቲ ኣብ ክንዲ ዝገብሩ፡ ነታ ዝነበረት ሓንቲ ዪኒቨሪሲቲ ኣስመራ ንፖለቲካዊ ስልጣን ኣስጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ትምልምል ትካል እያ ተባሂላ ተዓጽያ። ኣብ ክንድኣ ድማ ኮለኔላት ዘመሓድርወን ኮለጃት ተኸፊተን። ስለዚ እቲ ኣካይዳ ከምዚ እዩ። ነቲ ቀንዲ ኣፍራይ ሓይሊ ነቲ ቁጠባ ዓንዲ ክኾኖ ዝኽእል ቀጸላ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝኾነ መንእሰይ እንተደኣ ኣብ ምናምን ዝኾነ ነገራት ኮፍ ኢሉ፡ ወይ ኣብ ወፍሪ ባርነት ተጸሚዱ፡ ኣፍራይነቱን ፈጠራውነትን ዘዳኽም ዘምውት እንተድኣ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ቁጠባ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቁጠባ ማለት መንእሰይ እዩ! ንቑጠባ ዝቕልሶ ዝምርሖ ንሱ እዩ። ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዝመርሖን ተመሊሱ ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓተ ቁጠባ የለን። ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ድኻ መንግስቲ ድማ ሃብታም እዩ። ቁጠባዊ ፖሊሲ ናይቲ መንግስቲ ከመይ ጌርካ መንግስታዊ ርእሰ-ማል ተዕቢ ጥራሕ እዩ። ትካላት ግንባር ትካላት መንግስቲ ከመይ ጌረን ይዓብያ፣ ብዋጋ መን? ብዋጋ ሃብትን ጉልበታዊ ጸጋን ናይ ዜጋታት፤ ሕሉፍ ሓሊፎም ዶብ ጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሮም ብዋጋ ሃብትን ጸጋን ጎረባብቲ ሃገራት ክህብትሙ መንግስታዊ ርእሰ-ማሎም ከዕብዩ ሃነፍነፍ ዝብሉ ጉጅለታት ዮም ዘለው። ስለዚ ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ናይ ፈጠራ ልምዓታዊ መደባት እናምጻእካ ንህዝቢ ከመይ ጌርካ ተደናግር ዝብል ተልእኾ እዩ ዘለዎ።
ሕቶ፡- ማዕከናት ዜና ህግደፍ ኮነ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቃለ-መጠይቕ ክገብር እንከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንግዳም ዘቕነዐ እዩ ስለምንታይ? እንታይ ንምኽሳብ እዩ?
ኣማኒኤል፡- ከም ቀንዲ ተልእኾ ተዋሂብዎ ዘሎ ነቲ ትካል እንታይ እዩ፣ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኣውጺእካ ንግዳም ከም ዝግዕዝ ምግባርዩ። ኣይትጠምቱና ማለትዩ። ዓለም ከምዚ ስለዝገበረትና ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝዘርየና ዘሎ መንግስቲ እንታይ ዘይገበረ፡ እዚ ሕጂ፡ መንግስትን ህዝብን ሕቖን ከብድን ከይከውን ንምቅርራብ ድንጋጸ ህዝቢ ከም ዝኸስብ ንምግባር ዩ። ጸረ-ኣሜሪካ ዝብል ናይ ተዋስኦ መርገጺ ምምጻእ፡ መንግስቲ ህግደፍ ጸረ-ኣሜሪካ መርገጺ ከም ዘይብሉ እኮ ኩሉ ይፈልጥ ዩ። ምኽንያቱ መትከላዊ መንግስቲ ኣይኮነን። መንግስቲ ህግደፍ ግን ጸረ-ኣሜሪካ መርገጺ ከም ዘለዎ ከምስልዩ ዝፍትን። ሓደ ሓደ ግዜ መራሒ ናይቲ ስማዊ መንግስቲ ቃለ-መጠይቓት ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መልሲ ዘይረኸበ ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት እንዳሃለወ፡ ኣብ ክንዲ ውራይ ናይ ገዝኡ ዝገብር፡ ናይ ዓሰርተ ስዓት ቃለ-መጠይቕ እንተድኣ ገይሩ፡ እተን ሸውዓተ ስዓት ብዛዕባ ኣሜሪካን ምዕራባዊ ዓለምን ብዛዕባ ዘራያት እዮም ዝበሃሉን ዩ ዝዛረብ። ንምንታይ ዩ ናብዚ ዘቕንዕ ኣቓልቦ ህዝቢ ንግዳም ከም ዝጥምት ንምግባርዩ እቲ ቀንዲ መደብ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ንውሽጣዊ ጉዳያት ዝጠመተ ቃለ-መጠይቓት ክስራዕ እንተድኣ ኮይኑ ክንደይ ሕቶዩ ክምለስ? ክምልስ ውን ቅሩብነት የብሉን። ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሽግር እኮ እቲ መንግስቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዩ። ሰብ ዝሰርሖ ሽግርዩ፡ ባህርያዊ ሽግር ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ጻዕራም ህዝቢዩ፡ ሰሪሑ ክነብር ዝኽእል ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ግዜዚ ግን ክሰርሕ ኣይከኣለን። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከም ድላዩ ክንቀሳቐስ ኣይከኣለን። ኣፍራይነቱ ክዓቢ ውን ኣይተደልየን። ውሑድ እናሃብካዩ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ። ድኳናት ሕድሪ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ንሕና ኣብ ሚዲያ ክንዛረበለን እንከለና፡ ህዝቢ ካብ በለጸኛታት ነጋዶ ሓራ ክኸውን ዝብል እዩ። ንሱ ግን ኣይኮነን እቲ ተልእኾ እንታይ ደኣ፡ ንህዝቢ ብዝተዓቀነ መቑነን ሂብካ ብዛዕባ ከብዱ ጥራሕ ክሓስብ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ክዳኸም፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ኣልዒሉ ንኸይዘራረብ ዩ። ካብ ብኸብዱ ምሕሳብ ዘይተገላገለ ህዝቢ ድማ ናብ ከመይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣመት ክገብር ኣይክእልን ዩ።
ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ምርጫ ዘይካየድ ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይረክብን ዩ። ኢሰያስ እንታይዩ ዝብል ኣሜሪካ ያ ምርጫ ግበሩ ትብለና ዘላ፡ ኣሜሪካ ካብ ንዓና ግበሩ እናበለት ተወጣውጠልና ደኣ ነተን ብንጉሳዊ ቤተሰብ ዝመሓደራ መሓዙታ ከም ብዓል ቀጠር ስዑድያ ዝኣመሰላ ምርጫ ግበራ ዘይትብለን ይብል። ንዓና ብዛዕባ ስዑዲያን ቀጠርን እንታይ ይምልከተና? ኣብ ኤርትራ ንምንታይ ምርጫ ኣይግበርን እንተድኣ ተባሂልካ ናይ ኤርትራ ኢኻ ክትምልስ ዘለካ። ምኽንያቱ ኣሜሪካ ስለበለቶ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራ ምርጫ ስለዘድልዮዩ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ። ኣሜሪካ ከምዚ ትብለና ኢልካ ብዛዕባ ናይ ሰዑዲያ ናይ ቀጠር ንጉሳዊ ቤተሰብ ምምጻእ ኣየድልን። ነዚ ሕቶዚ ብቑዕ መልሲ ክህበሉ ስለዘይክእል ብቑዕ መልሲ ናይ ምሃብ ክእለት ዘይብሉ መራሒ ውን ስለዝኾነ፡ ብኸምዚ ክሓልፎ እዩ ዝደሊ። ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ምርጫ ማለት ዕግርግር፣ ዝርገተ ሰላም፣ ምምሽማሽ ሕብረተሰብ ከም ዝኾነ ገይሩዩ ዘቕርቦ። ምርጫ እንተሃልዩ ሕብረተሰብ ትኽ ክብል ኣይክእልን እዩ። ምርጫ ኣንጻር ምርግጋእ እዩ እንዳበላየን ዝጉስጉሳት ማዕከናት ዜና ህግደፍ።። ነዚ መእመኒ ዝኸውን ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ እዋን ምርጫ ዝኾነ ዕግርግር እንተተፈጢሩ ድማ፡ ነዚአን ከም ኣብነት እናምጻእኻ፣ ኣብዛ ሃገር ምርጫ እንተመጺኡ ከምዚ ትርእይዎ እዩ ከጋጥመኩም ስለዚ ምርጫ ዘይተገበረ ኣይትበሉ፡ ሕማቕኩም ኣይትጽልኡ ካብኡ ዝኸፍእ ከይመጻኩም፡ እናበልካ ንሰባት ምስባኽዩ። ክንዲ ምርጫ ዝኣክል ደሞክራስያዊ መሰል ከም ሕማቕ ጌርካ ቆናጺልካ ጸለሎ ቀቢእካ ኣብቲ ሚድያ ተቕርቦ። እዚ ሓደ ተልእኾ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ እዩ።
ኣቓልቦ ናይ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ንምውጻእ ተባሂሉ ዓመተ 2012 ክኣቱ እንከሎ፡ ኢሰያስ ቃለ-መጠይቕ ገይሩ ነይሩ፡ ቀዳመይቲ ሕቶ ዝቐረበትሉ ሩስያ /ሶብየት ሕብረት/ ክትፈርስ ምኽንያት ዝኾኑ ረቛሒታት እንታይ ነይሮም ብኸመይ ፈሪሳ ትብል እያ ነይራ። ሶብየት ሕብረት ካብ ትፈርስ 20 ዓመት ጌራላ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓቂዚ ቅድሚ 20 ዓመት እዩ ዝፈልጦ። ስለምንታይ ግን እዛ ሕቶ ቀዳመይቲ ክትከውን ተደልያ? ንምንታይ ብናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕቶ ጀሚርካ ናብ ካልእ ክኽየድ ዘይተደልየ? እዚ ናይ ህውተታ ሕቶ እዩ። ኣብ ኤርትራ ሂወት ዝበሃል ጠጠው ኢሉ እንከሎ ህዝቢ ኤርትራ ምንባር ጸሊኡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ስደት እናተሰደ እንከሎ፣ ሶብየት ሕብረት ቅድሚ 20 ዓመት ንምንታይ ፈሪሳ ንህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣጀንድኡ ድዩ ከም ሕቶ ከተምጽኦ ከለኻ፣ እዚ ግን እንታይዩ ናባና ኣይትጠምቱ፡ ዓይንኹምን ኣቓልቦኹምን ንደገ ኣግዕዝዎዩ እቲ ተልእኾ።
ሕቶ፡- እዚ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዝብል ፍልስፍናኸ ብሓቂ ኣብ ባይታ ከምኡ ስለዘሎ ድዩ?
ኣማኑኤል፡- ኣብ ውሽጢቲ ፍልስፍና እንታይ ኣሎ ህዝብን መንግስትን ሓደ እዩ፡ ዋላ ክትፈልዮ እንተደለኻ ውን ኣብ ውሽጡ ነቓዕ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብልዩ እቲ መልእኽቲ። ሎሚ ግን ነቓዕ ኣይኮነን እንድዒ ቃላት ኣይትረኽበሉን ኢኻ። ከመይ ከም ዘለናሲ፡ ኩሉ ዝፈልጦዩ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብነት ከምጽኣልካ ህዝቢ ፈንፊንዎም ከም ዘሎ ህዝቢ ኣብ ትዕዝብቲ ኣውዲቕዎም ከም ዘሎ ጽቡቕ ገይሮም ስለዝፈልጡ፡ ካድራት እናመደቡ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ንምዕቃን ኣኼባ ይውድቡ። ናይ መንእሰያት ኣኼባ ናይ ሸቃሎ ኣኼባ ናይ ሓረስቶት ኣኼባ ይገብሩ። ዛዕባታት ይፈጥሩ ሽዑ ሰብ ይዛረብ። ደረጃ ረስኒ ተቓውሞ ናይ መንእሰይ ሸቃላይ ሓረስታይ ኣብ ከመይ ከም ዝበጽሐ ይዕቅኑ። ሓደ ግዜ የማነ ገብረኣብ ንመንእሰያት ተማሃሮ ኣብ ኮለጅ ማይ-ነፊሕ ኣኼባ ይገብረሎም ነይሩ። ካብ ዛዕባ ናይቲ ኣኼባ ወጻኢ ንዕኦም ዘይምልከት ዘይድሊ ፍልስፍና ኣምጺኡ። ፍልስፍናኻ ግደፎ ኣብቲ ክውን ሓቂ ንዛረብ ኢለሞ። እክብ ኣቢልኩም ወኪልኩም ተዛረቡ ስለዝብሉ ሓደ ሓዊ ዝኾነ መንእሰይ መሪጾም። እቲ ዝተመርጸ መንእሰይ ተሲኡ ምውርራስ ትብል ኣለኻ ሙሽ ሓቀይ ኢልዎ፡ ኣብ ሚዲያ ብዛዕባ ምውርራስ ሙሽ ትዛረቡ ኣለኹም፡ ህዝባዊ ግንባር ግን ንዓና ኲናት ኢኹም ኣውሪስኩምና፡ ካልእ ዘውረስኩምና ነገር የለን። ምውርራስ ማለትኮ ኣብ ኩሉ ምውርራስ ማለትዩ። ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ክንወርስ ኣለና፡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምሕደራ ናይታ ሃገር ቀለስቲ ክንከውን ኣለና ክንትከኣኩም ክንክል ኣለና። ንሕና ግን ኲናት ጥራሕ ኢና ወሪስና። ሓንቲ ኣብነት ክበካ፡ ንሕና ቆልዑ እንከለና ዓበይቲ ኣሕዋትና ኣብ ግዜ ዮውሃንስ መስቀለ ሽግ ሒዞም ሆየ ሆየ ክብሉ እንከለው፡ ነታ ሽግ ክንሕዛ ኣዚና ንብህግ ነይርና፡ እቶም ዓበይቲ ኣሕዋትና ግን ኣይህቡናን ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን እታ ሽግ ነዲዳ ነዲዳ ምስተወደአት ኣብ ኢዶም በጺሐ ምስ ኣቃጸለቶም ይድርብይዋ። ንሕና ግን ናይ ምሓዝ ህርፋን ስለዘለና ነታ ዝደርበይዋ ክንሕዛ ንፍትንሞ ምስ ኣንደደትና ንገድፋ። እዛ ሒዝኩማ ዘለኹም ሽግ ስልጣን ከኣ ብሂወትኩም እንከለኹም ከምዘይተረክቡና ንፈልጥ ኢና፡ ምስ ኣንደደትኩም ግን ክትህቡና ኢኹም ሽዑ ግን ኣይክንቅበለኩም ኢና ኢልዎ። እዚ በጨቕታ ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ኣደራሽ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ዓው ኢልካ ዝተዘርበ ዘረባዩ። መልሲውን ክርከበሉ ኣይክእልንዩ። መንእሰይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ደረጃ ናይ ረስኒዩ በጺሑ ዘሎ። ኣብቲ ክውን ሓቂ ተዘራሪብካ ንምእራም ቅሩብነት እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ ንኣርም፡ ንምእራም ቅሩብነት ዘየለ እንተኾይኑ ግን መጺእካ ረስኒ እንዳዓቀንካ ምኻድ ኣይድልንዩ።
ሓደ ግዜ ናይ ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ /ሃኮሰኤ/ ዝተመስረተሉ መበል 30 ዓመት ኣብ ሆቴል እንተር ኮንቲነንታል ስፖዚዮም ይግበር ነይሩ። ደርቢ ሸቃላይ ኤርትራ እቲ ዝተረመሰ ደርቢዩ ኣብ ኤርትራ። ብመደብ ድማዩ ተረሚሱ። ነዚ ኮነ ኢልካ ዝረመስካዮ ደርቢ ማሕበርካ ካብ ትምስረት 30 ዓመት ስለዝገበረት ንዓ ንጸንብሎ ክትብሎ ጸርፊዩ። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቡ ግን መልሲ ዘይርከበሉ ብዙሕን ከቢድን ሕቶታት ክለዓል ምዃኑ ስለ ዝተፈልጠ፡ እቶም ወደብቲ ናይቲ ሲምፖዝዮም ንየማነ ገብረኣብ ጸዊዐሞ። ገለ ሕቶታት እንተተላዒሉስ ንሱ ክምልሰሎም፡ ካልእ ኣማራጺ የለን። እቲ ማሕበር ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ቃልሲ ኣብ ኤውሮጳ ስለዝተመስረተ እዞም ሕጂ ነቲ ስርዓት ዓይኖም ተዓሚቶም ዝድግፉ ንብሎም ዘለና፡ ናይ ብሓቂ ከኣ ገለ ክፋሎም ዝድግፉ፡ ብዝሖም ከባቢ 600 ዝኾኑዮም ነይሮም። እዞም ሰባት መዋእሎም ክድግፉ ኣይኮኑን እቲ ኣካይዳ ይሪእዎ ኣለው። በብኢዶም ሕቶ ክሓቱ ጀሚሮም ጠርኒፍኩም ሕቶኹም ኣቕርቡ ተባሂሎም። እንታይ ኢሎም ሓቲቶም፡ የማነ ኢለሞ ንሕናሲ እቲ ቀደም ዝሓብሓብናዮ ዘዕጠቕናዮ ዘስነቕናዮ ሂወትና ዝኸፈልናሉ ህዝባዊ ግንባርሲ ደሊና ስኢናዮ ኣበዩ ኣትዩ፡ ነዚ ድዩ ነይሩ እቲ መብጸዓ እዚ ድዩ ነይሩ እቲ ሕልምና፡ ኣበይዩ ጥፊኡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል ኢለሞ። እዚ ዓቢ ዘረባዩ። የማነ እንታይ መሊሱ ህዝባዊ ግንባር ማለትኮ ኣብ ኣየር ዝተንጠልጠለ ነገር ኣይኮነን ህዝባዊ ግንባር ማለት ንስኹም ኢኹም፡ ንስኹም ከም ቀደምኩም እንተሃሊኹም ህዝባዊ ግንባር ከም ቀደሙ ኣሎ። ንስኹም ከም ቀደምኩም እንተዘይሃሊኹ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ከም ቀደሙ የለን ኢልዎም። ንሕና ደኣ ከም ቀደምና ኣለናን ፈረቓንምበር። ቀደም ብቁጠባና ብንብረትና ብሂወትና ሎሚ ከኣ ኩሉ ዝሓተትኩምና ንገብር ኣለና ከም ቀደምኩም ዘየለኹም ንስኹም ኢኹም። ካብዚ እንታይ ኢና ክንወስድ ንኽእል እዞም ኣብ ዲያስ-ፖራ ንድግፈካ ኢና ኢሎም ዝዋጥይሉውን ከይተረፈ ኣመለኻኽታኦም ኣብ ዝቕይርሉ ኩነታትዩ ተበጺሑ ዘሎ። ብግልባጥ ናይዚ ሓቂዝዩ ምበኣር ኣብ ሚዲያ ናይ ህግደፍ ህዝብን መንግስትን ሓደዩ ኣይፈላለንዩ ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲምዩ እንዳተባህለ ዝግለጽ። ኣብ ባይታ ዘየለ ነገር ከተምስል እንተደለኻውን ዝከኣል ኣይኮነን።
ብዛዕባ ናይ ምውርራስ ዝብልዎ ካልእ ኣብነት ከምጸኣልካ ሓደ ግዜ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ኣብ ሳዋ ሰሚናር የካይድ ነይሩ። ሰሚናር እንዳካየደ እንከሎ፡ ህንጸት ገዛን ሃገርንሲ ዳርጋ ተመሳሳሊዩ። ሃገር ከመይ ትህነጽ ገዛኸ ከመይ ትህነጽ ኢሉ ከረድእዩ ዝፍትን ነይሩ። ሓቂ እንድሕር ዘይብልካ ኣብ ሃለውላው ኢኻ ትኣቱ፡ ኣብ ዘየድሊ ፍልስፍና ናብ ናይ ቃላት በዓቲ ኢኻ ትኸይድ። ስብሓት ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓቂ ብንጹር ቃላት ዝዛረብ ክፈላሰፍ ፈቲኑ። ገዛ ክትህነጽ እንከላ ገለኻ ነዳቓይ፡ ገለኻ ሚነዋለ፡ ገለኻ ፎርማን፡ ገለኻ ኢንጂኔር ትኸውን። ኩልኻ እንጂኔር ኣይትኸውንን ኢኻ፡ ኩልኻ ድማ ሚነዋለ ኣይትኸውንን ኢኻ ኢሉ። ስብሓት ከሕልፈልና ዝደለየ መልእኽቲ ውሑዳት መራሕቲ፡ ብዙሓት ድማ ተመራሕቲዩ ዝብለና ዘሎ። ህንጸት ገዛን ህንጸት ሃገርን ከመሳሳል እንከሎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይትጠምትዎ፡ መንእሰይ ተመራሒ ኮይኑዩ ክነብር፡ ንሕና እቶም ውሑዳት ከኣ መራሕቲ ኮይና ኢና ክነብርዩ ዝብል ዘሎ። ስለዚ መንእሰይ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ኩሉ ግዜ ኣካይድኡ እንዳተጸንዐን እንዳተመርመረንዩ ዝኸይድ።
ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኣሰካፊ ዋሕዚ ስደት እቲ መንግስቲ ብመደብ ከም ዝደልዮ ይረኣየካዩ። ኣብ ሓንቲ ናይ ሰራዊት ኣሃዱ ንነገራት ከመይ ስለምንታይ ኢሎም ዝመራመሩ ንቑሓትን ደፋራትን ሰባት እንተደኣሃልዮም፡ ከይኣስሮም ቤት ማእሰርቲውን ኣይኣኽሎን እንታይ ይገብሮም እዞም ውሑዳት ነታ ኣሃዱ ብኣሉታ ኣብ ክንዲ ዝጸልውልና ነዛ ኣሃዱ ኣብ ከባቢ ዶብ ውሰድዋ ይበሃል፡ ሽዑ እቶም ሓድሽ ኣመለኻኽታ ዘማዕበሉ ሰባት ናብ ስደት ይኸዱ። ብድሕሪኡ ነታ ኣሃዱ ናብ ማእከል ይመልስዋ። እዚ ብመደብዩ ዝስረሓሉ። ምኽንያቱ ኣሲሮም ኣሲሮም ክውድእዎ ኣይኮኑን። ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ልዕሊ መሬት ክንደይ ሰብ ተኣሲሩ ኣሎ ማእለያ የብሉን። ቀጻሊ ዝቃወሞም ቀጻሊ ዝሓትት ብንጹር መንገዲ ዝኸይድ ሰብ፡ ዕላማ ዘለዎ ብመትከል ዝግዛእ መንእሰይ ክሪኡ ኣይደልዩንዮም። ባሪያ ኮይኑ ተገዛኢ ኮይኑ ኣብ ዘእተውዎ ዝኣቱ፡ ኣብ ዘዝጻሕተርዎ ኲናት ኣትዩ ዝመውት መሐለዊ ስልጣን ክኸውን ዝኽእል መንእሰይት ጥራሕዮም ዝደልዩ። እዚዩ ኣካይዳ