ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማሕደረ ዘካየደቶ ቃለ-ማሕተት
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማሕደረ ዘካየደቶ ቃለ-ማሕተት ብድምጺ ብተኸታታሊ ኣብ 11 ክፋላት ምቅላሕና ዝዝከርዩ። ኣገዳስነት ናይቲ መልእኽቲ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ድማ እነሆ ናብ ጽሑፍ ገሊብጥና ናብ መርበብ ሓበሬታት ንዝርገሖ ኣለና። ሰናይ ንባብ!
ዕዱም ጋሻና ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳያት ዘለካ ርእይቶ ንከተካፍለና ንዘቕረብናልካ ዕድመ ፍቓደኛ ኮይንካ ብምምጻእካ፡ ብስም ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ክቡራት ሰማዕትናን ኣመስግነካ፡ ቅድሚ ናብ ዘዳለኽዎ ዝርዝር ሕቶታት ምእታውና መንነትካ ማለት፡ ምሉእ ስምካ ደረጃ ትምህርትንኻን ዝነበረካ ስራሕን ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?
ኣማኒኤል፡- ስመይ ኣማኒኤል ማህደረ ይበሃል። ኣብ ከተማ ዓሰብየ ተወሊደ ዓብየ። ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣብ ዘሎ ግዝያት ድማ፡ ኣብ ዩኒቨሪሲቲ ኣስመራ፡ ናይ ጆርናሊዝምን ማስ ኮሚኔኬሽንን ትምህርቲ ተኸታቲለ። ብኡ መሰረት ድማ፡ ኣብ 2006 ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተመዲበ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ከምኡንውን ኣብ ክፍሊ ተለቬዥን ብሞያ ጋዜጠኝነት እሰርሕ ነይረ።
ሕቶ፡- ሕራይ ኣማኒኤል ማሕደረ ብዛዕባ ውሽጣዊ ነጻነትን ኣሰራርሓን ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ኣስፍሕ ኣቢልካዶ ምገለጽካልና?
ኣማኒኤል፣ ብዛዕባ ምሕደራን ኣተሓሓዛን ሚኒስትሪ ዜና እንተልዒልና፡ ብዙሕን ዝርዝራውን ነገራት ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ሓደ ሚኒስትሪ ዜና ከም ትካል ብ4 ክፍሊታትን 49 ጨናፍር ኣሃዱታትን ዝቖመ ትካልዩ። ኣብ ኣሰራርሕኡ እንተደኣ መጺእካ ነቲ ወግዓዊ ሰንሰለት ተኸቲሉ ዝኸይድ ኣሰራርሓ የብሉን። ሓለፍቲ ክፍሊ ኩሎም ለሚሶምዮም። ሓለፍቲ ክፍሊ ማሕዮታት ዓሊ ዓብዱ ንዝኾኑ ሓለፈቲ ጨናፍር እንዳፈርሑ ክኸዱ ኢኻ ትርኢ። ስለዚ፡ ሚኒስትሪ ዜና ዝኽተሎ ኣካይዳ ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስክዎ ነቲ ወግዓዊ ቅርጻ ዝኽተል ኣሰራርሓ የብሉን። ኣብ ውሽጢቲ ሚኒስትሪ ብቐጥታ ተጸዋዕነቶም ናብቲ ሚኒስተር ዝኾኑ፡ ብስበሻል እንተረስት ግሩብ ወይ ድማ ብሰብ ፍሉይ ረብሓ ክንገልጾም ንኽእል፡ ፍሉያት ብረብሓን ጽምኢ ስልጣንን ዝተኣሳሰሩ ሰባት ኣለው። ካልእ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ኣተሓሕዛ፡ ኩሉ ግዜ ናይ ግበር ኣይትግበርዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ብምኽንያት ጽንብል ነጻነት ኣርቲስት ሚኪኤል ኣዶናይ ብዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ቃለ-መጠቕይ ይግበረሉ ነይሩ፡ ኣብቲ እዋንቲ ናይ ሎሚ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንኣርቲስት ሚኪኤል ኣዶናይ ቃለ-መጠቕይ እንዳገበረሉ እንከሎ ማለትዩ ኮነ ኢልካ ክቱኽትኾም ፕሮቮክ ክገብሮምዩ መደብ ተዋሂብዎ። ስለዚ ኮነ ኢሉ ፕሮቦክ ክገብሮ እንከሎ፡ ሚኪኤል ኣዶናይ እንታይ ገይረካ ትርብሸኒ ዘለኻ ኣሰራርሓ ናይዚ ገዛ ትፈልጦ እንዲኻ፡ ኣነኮ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ተዋሂበናኒየ ዝሓተካ ዘለኹ ኢልዎ። ስለዚ ኣብ ውሽጢዚ ብነድሪ ዝተመልኣ ዘረባ እንታይ ኢኻ ትርኢ፡ ኣሰራርሓ ናይ ሚኒስትሪ ዜና፡ ክሳብ ክንደይ ብግበር ኣይትግበር ዝሰርሕ ከም ዝኾነ፡ ሕቶታት ተዋሂቡካ ትሓታት ምዃንኻ፡ በዚ ሕጂ ሓንቲ ንጽርቲ መንገዲ ክንረክብ ንኽእል ኢና ማለትዩ።
ካልእ ውልቃዊ ኣመለኻኽታ ናይቲ ሰራሕተኛ እንታይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ብዓይኒ ጸጥታ ምክትታል ይግበረሉ። ዋላ ጽቡቕ እንዳሰራሕካ ብምሉእ ዓቕምኻ እንዳበርከትካውን መን እንታይ ይሓስብ፡ እንታይ ይብል ክፍለጥ ይድለ። ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ወይ ኣመለኽኽታ ንምፍላጥ ድማ ኣኼባታት ይውድቡ። ኣብ ነብስ ወከፍ ኣሃዱ ሰሙናዊ ዝግበር ኣኼባታት ኣሎ። ኣብቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኣጀንዳ ይስራዕዩ። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ግን ብመሰረቱ እቲ ሰራሕተኛ ብነጻነት ርእይቶኡ ሂቡ፡ ንዝዕረ ኣዐርዩ፡ ንድኹም ጎኒታቱ መዚኑ፡ ንሓያል ጎኒታቱ ከኣ ንኢዱ ከመይ ገይርካ ብዝጸፈፈ ኣገባብ ስራሕካ ትቕጽል ዘይኮነ፡ ነብስ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ይዛረብ ንምፍላጥዩ። ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ይገበር ይመስለካ፡ ኣባላት ናይ ሓንቲ ኣሃዱ ኣኼባ እንተደኣ ገይሮም፡ ጸብጻብ ተጻሒፉ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ክኸይድ እንከሎ፡ ኣኼባ ኣካይድና ኣብዝን ኣብዘን ዛዕባታት ተዘራሪብና፡ ንሓያል ጎኒና መዚና ንድኹም ጎኒታትናውን ኣረሚና፡ ኣብቲ ኣኼባ ድማ ከምዚ ዝብል ሓሳባት ተንጸባሪቑ ወይ ወሪዱ ነይሩ ኢልካ ጸብጻብ ናይቲ ኣኼባ ኣይኮንካን ትሰድድ። እንታይ ደኣ፡ ሓደ ኣኼባኛ ርእይቶ እንተደኣ ሂቡ ምሉእ ስሙ ይጸሓፍሞ ነቲ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ይጸሓፍ። ብመሰረቱ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ መን እንታይ ኢሉ ወይ እንታይ ርእይቶ ኣለዎ ንምጽናዕ ስለ ዝኾነ ከምኡ ይገብሩ።
ካልእ ሚኒስትሪ ዜና ከም ትካል ብዙሕ ናይ ፊልድ ስራሕ ዘለዎ ትካልዩ። ፊልድ ክትወጽእ እንከለኻ ሓደ ሓደ ግዜ ንመዓልታት ገለ ግዜ ድማ ንሰሙናት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ኣብቲ ጉዕዞ ወይ ፊልድ ዘድልዮም ቴፕ ሪከርደራት ሒዞም ወይ ካሜራ ማን ኮይኖም ምሳኻ ዝወፍሩ ካልእ ተልእኾ ዘለዎም ሰባት ኣለው። ምኽንያቱ ንመዓልታት ንሰሙናት ፊድል ወጺእካ፡ ኣብ ዞባታት ድዩ ንኡሳን ዞባታት ክትቅኒ እንከለኻ፡ ስራሕካ ሓደ፡ መግብኻ ሓደ፡ መደቀሲኻ ሓደ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዕላላት ዝመጽእ ነገራት ኣሎ። ነዘን ዕላላት እዚአን ጠርኒፉ ናብቲ ሚኒስተር ዘብጽሕ ሰብ ይገበረልካዩ። ናይቲ ንስኻ ትፈልጦን ትፈርሖን ጠርናፊኻ ጸብጻብ ዘይኮነ ዝቕበል፡ ናይቲ ንስኻ ዘይትፈልጦ ግን ከኣ ፍሉይ ተልእኾ ተዋሂብዎ ምስኻ ዝወፈረ ሰብ ዘቕርቦ ጸብጻብዩ ተኣማኒ ኮይኑ ንኣመለኽኽታኻ ከም መዕቀኒ ዝውሰድ ማለትዩ።
ሕቶ፡- እቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝበልካዮም ብዝያዳ ምስቲ ስርዓት ተጣቢቖም ዝኸዱ ሰባት፡ ብዓይኒቲ ኣብዘሓ ሓፋሽ ሰራሕተኛ ከመይዮም ዝረኣዩ?
ኣማኒኤል፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ምናልባት ኣብቲ ዝርዝር ኣስማት ምእታው ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይመስለንን። ግን ሚኒስትሪ ዜና ከም ቁጽሪ ክሳብ 1200 ዝኸውን ሰራሕተኛ ዝሓዘ ትካልዩ። ሚኒስትሪ ዜና ግን ናይቶም 1200 ሰራሕተኛታት ኣይኮነን። ናይዞም ብጥቕሚ ብሽመት ዝተኣሳሰሩ ዝበልኩኻ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝኾኑ ካብ 20 ክሳብ 30 ዘይበዝሑ ሰባትያ። ሕጂ እዞም ሰባት ምእንቲ ጠቕሚ ምእንቲ ስልጣን ክብሉ ምስቲ ሚኒስተር ዝገብርዎ ምትእስሳር፡ ናይ ግድንዩ ነቲ ሓፋሽ ሰራሕተኛ ከሳቕይዎዮም። ዘድልን ዘየድልን ሓበሬታ እንዳመሓላለፉ ንህላዌኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ከውድቕዎ ይኽእሉዮም። ክሳብ ናብ ማእሰርቲ ከብጽሖ ዝኽእል ዘይድሊ ጸብጻባት ከሕልፍሉ ይኽእሉዮም። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ርክቦም ነቲ ሚኒስተር ኣድላይነቶምውን ነቲ ሚኒስተር ምበር ነቲ ኣባል ኣይኮነን። እቲ ሰራሕተኛ ድማ ነዚ ኩሉ ይፈልጦዩ።
እቲ ዝገርም ግን እዞም ከምኡ ዝገብሩ ሰባት ተራ ሰባት ዘይምዃኖምዩ። ብደረጃ ሓለፍቲ ጨናፍራት ተመዲቦም ዝሰርሑ ሰባትዮም። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ድማ ሓላፊኻ፡ ሓላፊኻ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ ጸጥታ ሓላዊኻዩ። ሓላፊኻ እንዳመሰለ ሓላዊኻ ኮይኑ ከም ዝጸንሕ ኣብ ዝተፈላለያ ኣጋጣሚታት ትረኽቦ ኢኻ። ዝኾነ ሓላፊ ኣሃዱ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብታ ኣሃዱ ዘለው ሰራሕታኛታት ብዓይኒ ጸጥታ ናይ ምሕላው ቀዳማይ ስርሑዩ። ናይ ነብስ ወከፍ ኣባል ኣርኣእያ፡ ወይ ዝህቦ ርእይቶ፡ ብመልክዕ ጆክ ወይ ዕላላት ዝወጽእ በጫቕታታት ከይተረፈ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሚኒስተር ምብጻሕዩ። ክሳብ ሰብ እንተሰኺሩስ እንታይኮን የምሉቕ ንምፍላጥ ናይ መስተን ምዝንጋዕን መደባት እንዳወደብካዩ መጽናዕትን ምክትታልን ዝግበር።
ሕቶ፡- ምናልባት ከምቲ ዝበልካዮ ኣስማቶም ምጥቃስ ዘይከድሊ ይኽእልዩ ግን፡ ጋዜጠኛታት ክንሶም፡ ቦታ ናይ ካድራት ተኪኦም ዝሰርሑ ሰባት ኣለውዮም፡ እዚኦም ናብቲ ትካል ክኣትው እንከለው ብናይ ጋዜጠኝነት ሞያ ድዮም ኣትየሞ ወይስ ካድራት ኮይኖም በቲ መንግስቲ ዝተመደቡዮም?
ኣማኒኤል፡- ብመጀመርያ ነገር ኣብዚኣ ንጽርቲ ክትከውን ዘለዋ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ወይ ዝነበረ ሰብ ንዓይውን ሓዊስኻ፡ ጋዜጠኛዩ ወይ ነይሩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይከኣልንዩ። ምኽንያቱ፡ ጋዜጠኛ ማለት፡ ህዝቢ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ኣገባብ ተጠቒሙ ንህዝቢ ሓበሬታ ዘስንቕ ሰብ ማለትዩ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝስራሕ ስራሕ ግን ከምኡ ክሳብ ዘይኮነ፡ ዋላቲ ናይ ጋዜጠኝነት ስራሕ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ፡ ጋዜጠኛዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልንዩ። ኣብ ቦታ ናይ ካድረ ደኣምበር ኣብ ቦታ ጋዜጠኛ ኮይንካ ኣይኮንካን ነቲ ህዝቢ ተገልግሎ ዘለኻ። ሚዲያ ኣገልግሎቱ ንህዝቢ ደኣምበር ንመንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብቲ ትካልቲ ዘሎ ጋዜጠኛ ግን ዝዛረቦ፣ ዝጽሕፎ፣ ዘዳልዎ መደባት፣ ዘቕርቦ ትንታናታት፡ ብምልኡ ከመይ እቲ መንግስቲ ነቲ ህዝቢ ከም ዝኸስቦ፡ ብኡ ዝተቓነየ መደባት ስለተዳሉ ሕጂውን ኣገልግሎቱ ንመንግስቲ ደኣምበር ንህዝቢ ኣይኮነን። እዚ ክሳብ ዝኾነ ኣይኮነንዶ ሓለፍትስ እቶም ተራ ኣባላትውን ጋዜጠኛታትዮም ኢልካ ክትሓስብ ዝከኣል ኣይኮነን ንዓይውን ሓዊስሲ ከም ስራሕ። ምኽንያቱ ባህሪ ናይቲ ሞያ ክትመሃሮ እንከለኻን ኣብ ግብሪ ክትሰርሓሉ እንከለኻን በበይኑዩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መሬት ዘየለ ነገር ኣብ መስኮት ናይ ኤረ ቴቪ ክፍጠር ይድለ። ኣብ ባይታ ንዘየለ ነገር ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ከተምጽኦ ይድለ። ኣብ ባይታ ንዘየለ ነገር ኣብ ጋዜጣ ሓዳሽ ኤርትራ ኣምጺእካ ሰብ ከተእምን ይድለ። ስለዚ እታ ናይ ብሓቂ ንምነያ እታ ናይ ብሓቂ ክንሪኣ ንደሊ ፍትሓዊት ኤርትራ ኣብ መሬት የላን። ኣብ እንዳ ዜና ጥራሕያ ዘላ። ኣብ ጽሑፍያ ዘላ። ኣብ ሙዚቃዊ ድራማ ኣብ ተዋስኦያ ዘላ። ስለዚ ኣብ ሚዲያ ኮፍ ኢሉ ነቲ መንግስቲ ጥራሕ ዘገልግል ሰብ ናይ ህዝቢ ጋዜጠኛ ኣይኮነን ካድርዩ። በቲ መንግስቲ ካድርነት ደኣምበር ጋዜጠኝነት ስለዘይድለ፡ ሞያዊ ብቕዓትካ ኣብ ቅድሚት ኣይመጽእንዩ። ንመንግስቲ ዘለካ ተኣማንነትዩ ከም ቀዳማይ ረቛሒ ክመጽእ ዝድለ። ካብ ንህዝቢ እሙን ክትከውን ነቲ መንግስቲ እሙን ክትከውን ኢኻ ብቐዳምነት ትሕተት። ንሳያ እታ ቀዳማይ ቦታ ዘለዋ። ሞያውነትሞ ሳልሳይ ራብዓይ ደረጃዩ ዝሕዝ። ክሳብ ክንደይ ጋዜጠኛ ናይ ምዃን ዝምባለ ኣለካ፡ ንጋዜጠኝነት ከም ሞያኸ ብሂግካዮ ትፈልጥ ዲኻ ኣይትፈልጥን ኣብ መጽናዕቲ ክኣቱ ኣይድለንዩ። እታ ቀዳመይቲ ትድለ ንኣካይዳ ናይቲ መንግስቲ ኣሚንካ ተቐቢልካዮ፡ ክሳብ ክንደይ ከ ነቲ መንግስቲ ምስቲ ህዝቢ ከተተዓርቖ ሕልናዊ ቁሩብነት ኣለካ እዚዩ እቲ ከም ቀዳማይ መዕቀኒ ዝኣቱ። ስለዚ ኣይኮነንዶ ብደረጃ ሓላፍነት ተመዲቡ ዝሰርሕ ሰብ፡ እቶም ኣቐዲመ ሓለፍትና ንብሎ ሓለውትና ዝበልኩኻ፡ እቲ ተራ ኣባልውን ኣመለኻኽትኡዩ ዝጽናዕ።
ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ከም ቁጽሪ 1200 ሰራሕተኛታት ኣለው። ካብዚ ክንድዚ ዝኣክል ሰብ ክንደዩ ብኣካዳሚያዊ፡ ብተመክሮ ስራሕ፡ ብዝምባለውን ነቲ ሞያቲ ዝበቕዖ እንተደኣ ኢልካ፡ ካብ 300 ክሳብ 400 ሰብ ኣይበዝሕንዩ። እዚ ክንድዚ ዝኣክል ቁጽሪ ሰብ ደኣ እንታይ ይገብር ኣሎ ኣብቲ ትካል እንተደኣ ኢልካኒ፡ ብመሰረቱ ናይቲ ሚኒስትሪ ዜና ሽግር ጥራሕ ዘይክኸውን ይክእልዩ። ናይቲ መንግስቲ ኣካይዳዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ናይ ዓቕሚ ሰብ ፖሊሲ፡ መንእሰያት ኣብ ክንዲ ነቲ መንግስቲ ራሕሪኦም ካብ ሃገር ዝወጹ፡ ኣብ ውሽጢቲ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስቪላውን ወተሃደራውን ትካላት፡ ብስመ ሰራሕተኛታት ኮፍ ከም ዝብሉ ገይርካ፡ ኲናት ኣብ ዝጽሕትረሉ እዋን ኣብ ቅድመ ግንባር ከይዱ ዝሞተሉ ሰብ መታን ክረክብ ኢሉ ዝጥቀመሉ ሜላዩ። ስለዚ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እቲ ኣካይዳታት ክትሪኦ እንከለኻ ናይ ግበር ኣይትግበር ኣካይዳዩ። ማዕረ ክንደይ ሞያተኛ ኢኻ። ማዕረ ክንደይ ነቲ ሞያ ብትምህርትን ብግብርን ትፈልጦ ኣይኮነ እቲ ዘገድስ። ኣብ ኣኼባታት ዝቐርብ ጸብጻባት፡ ኣብ እዋን መገሻ ምሳኻ ዝለኣኹ ተኸታተልቲ ኣለው። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ከኣ ዝተመስረታ ኮሚቴታት ኣለዋ። ናይ ዲስፕሊን ኮሚቴዩ ስሞም፡ ስም ክወሃብ እንከሎ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ስምዩ ዝወሃብ እቲ ሽፋን። እቲ ቀንዲ ተልኾ ናይቲ ብኮሚቴ ዝቐውም ትካላት ግን፡ ውልቀ ሰባት እንታይ ይብሉ እንዳተከታተልካ ጸብጻብ ምምሕልላፍዩ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኩሉ ግዜ ሕማቕ ኣብነት ናይ ጽቡቕ ኣብነት ይቀንጸል ዝብል መምርሒ ኣሎ። ሕማቕ ኣብነት ናይ ጽቡቕ ኣብነት። ሓንቲ ኣሃዱ ክመርሓልካ ኢልካ ኮፍ ዘበልካዮ ሓላፊ፡ ምስ መሳርሕቱ ጽቡቕ ዝምድና እንተሃልይዎ፡ ስምረትን ስኒት እንተደኣ ሃልይዎ በቲ ትካል ከም ስግኣትዩ ዝረአ። ብኣባላቱ ፍትው ዝኾነ ሓላፊ ኣይድለንዩ ኩሉ ግዜ። ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሕድሕድ ስምምዕ ክህሉ ኣይድለንዩ።
ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ናይ ኣተሓሳስባ መስመር እንተደኣ ኣሊኻ ኮይንካ፡ ከም ሓደ ኣካል ኮይንካ ኢኻ ክትሓስብ ትጅመር። ከም ሓደ ኣካል ኮይኑ ዝሓስብ ድማ ኣስጋኢዩ። ዋላ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ኣባል ፋሕፋሕ ከም ዝብል ይግበር። ንሓንቲ ኣሃዱ ኣብ ሰለስተ ኣርባዕተ ጉጅለታት መቓቒልካ፡ በበይኖም ዘዕልሉ በበይኖም ሻሂ ዝሰትዩ፡ ዝተሓማመዩ፡ ንሓላፊኦም ዘይፈትው፡ ንሓላፊኦም ከም ሓላፊኦም ዘይኮነ ከም ዋርድያ ዝጥምቱ፡ ከምዚ ዓይነት ብትንትን ዝበለ ቅርጺ ዘለዎ ኣባል ክህሉዩ ዝድለ ኣብ ውሽጢቲ ሚኒስትሪ ዜና።
ስለዚ ከኣ ምስ ኣሃዱኡ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎ ሓላፊ እንተሃልዩ ካብታ ኣሃዱ ክእለዩ ዝግበር። ቅንጸላ ክብለካ እንከለኹ ሕጂ ቅንጸላ ናይ መንነትዩ። ንፉዕ ኣባል እንዳሃለኻ ከም ሕማቕ ኣባል፡ ህርኩት ኣባል እንከለኻ ከም ህኩይ ኣባል፡ ኣድማዕን ውጽኢታውን እንከለኻ ከም ዘይተድምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣባላትን ሓለፍትን ናይ መንነት ቅንጸላ፡ ስም ምጥፍእ፡ ጸለሎ ምቕባእ ዘይስሙ ምሃብ ከም ዕላማ ተታሒዙ ይስረሓሉ። ኣብተን ዘለውወን ኣሃዱ ኣዝዮም ንፉዓት ወሰንቲ ዝኾኑ ሰባት ኣለው። ግን ወሳንነቶም ፈሊጦም መታን ሓበን ከይስመዖም፡ ናይ ሞራል ውድቀት ናይ መንፈስ ምድኻም ኣብ ውሽጦም ከም ዝሓድር ምግባርዩ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝካየድ። ሞራሉ ሓያል ዝኾነ ዝተሰመዖ ዝዛረብ ኣመለኻኽትኡ ብትኽክል ዝገልጽ ሰብ ኣይድለን እዩ። ጋዜጠኛ ነዘን ነገራት ክዓጥቕ የብሉን። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ጋዜጠኛ ክዓጥቖ ዝደለ፡ ዓይኑ ዓሚቱ ነቲ ስርዓት ምድጋፍ፡ ዝረኣኻዮ ኣይረኣኹን ዝሰማዕካዮ ኣይሰማዕኩን ከምዚ ትንፈር እምበር ጤልያ ዝዓይነቱ ኣመለኻኽታ ዘለካ ክትከውን እዩ ዝድለ።
ሓደ ግዜ ዝተገብረ ከም ኣብነት ክጠቕሰልካ፡ መቸም 03 ዝበሃል ትካል ኣብ ኤርትራ እቲ ዘይድህሰስ፡ ዘይጭበጥ፡ ቤት ጽሕፈት ዘይብሉ፡ ግን ዓቢ ትካል እዩ ኣብ ኤርትራ። ብመንገዲ 03 /ባዶ ሰለስተ/ ጌርካ ዝፍጸም ጉዳያት ብዙሕ እዩ። ስለዚ ነፍስ ወከፍ ትካል ነናታ ኣሃዱ 03 ኣለዋ ክበሃል ይከኣል እዩ፡ ወላኳ ብደረጃ ኣሃዱ ኮፍ ዝበለ ኣይኹን። ሓደ ግዜ ኣብዚ ናይ ኣመለኻኽታ ጉዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ኣባል ዳርጋ ኩሉ ነገር ዝኣኸሎ ዝወደአ ምዃኑ ስለዝተፈልጠ፡ ካብቲ ነቲ ስርዓት ይድግፍ እዩ ዝበሃል፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ሓቢእዎ እዩ እምበር ኣንጻር እዚ ስርዓት እዩ ዝበሃል ከም ቁጽሪ ብዙሕ እዩ ስለዝተባህለ፡ ብመንገዲ 03 መጽናዕቲ ክግበር ተወሲኑ። ዝተወሰኑ ማሕዮታት ጌርካ 03 ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ወረ ተፈኒዩ። እቲ ወረ ዓሊ ዓብዱ ካብዚ ትካል ተቐይሩ ኣምባሳደር ባዱሪ ክትክኦ እዩ ተባሂሉ። ሕጂ ኩሉ ግዜ ብሰንኪ ጨቋኒ ኣተሓሕዛ ናይቲ ትካል ዒፍ ዝበሎ ኣባል ስለዝበዝሐ፡ ዓሊ ዓብዱ ክቕየርዩ እንተተባሂሉስ እቲ ኣባል ሽዑ ንሽዑ ውሽጣዊ ስምዒቱ ክገልጽዩ ስለዝተባህለ፡ እዛ 03 ንከባቢ ክልተ ሰሙን ከም ትኸይድ ተገይሩ። መወዳእትኡ ከኣ፡ ረቡዕ ረቡዕ ብስም ፖለቲካ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ሜዲያ ነካይዶ ትምህርቲ ውን ስለዘሎ ቆጸራ ጌሮምልና። ጽባሕ ረቡዕ ንኹሉ ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ዝምልከት ፍሉይን ኣገዳስን ጉዳይ ስለዘሎ፡ ዝኾነ ሰብ ከይተርፍ ምትራፍ ኣይፍቀድን እዩ ተባሂሉ። ንከባቢ ክልተ ሰሙን እታ ወረ ክትከይድ ስለዝቐነየት ኦ እታ ነገር መዕለቢ ተገይሩላ ማለት እዩ፡ ብወግዒ ክነግሩናዮም ተባሂሉ ሰብ ተኣኪቡ ከይዱ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ግን ሰብ በብወገኑ ዝተፈላለየ ዘረባዩ ዝዛረብ ነይሩ። ማዕረ ማዕሪኡ ውን ነቲ ዘረባ ዝቐድሑ ሰባት ነይሮም። መወዳእትኡ ግን እቲ ዘረባ ሓሶት ምዃኑ ንሎሚ ዝመደብናዮ ኣጀንዳ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ንካልእ መዓልቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ፡ ስለኮፍ ዘበልናኩም ስለዝደንጎናኩም ይቕሬታ ተባሂሉ እቲ ኣኼባ ተበቲኑ ማለት እዩ። ክንደይ በቲ ትካል ዘማረረ ሰብ ኣሎ ግን በስማትን ብቑጽርን ተፈሊጡ። ሕጂ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ኣሎ። እቲ ምኒስትሪ ዜና እምበርከ ስቪላዊ ትካል ድዩ ዘብል ኣቋውማ እዩ ዘለዎ። ኣብ ሓደ ዘይደሞክራስያዊ ስርዓት ዘሎ ወተሃደራዊ ትካል እዩ ሓደ ሰብ ወሲዱ ዝኣስረካ ወይ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ዝቐጽዓካ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝኾነ ሓላፊ ክኣስረካ ይኽእል እዩ፡ ዓሊ ዓብዱ ክኣስረካ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ኣብ ከባቢ ወርሒ ጥቕምቲ 2007 ዝተኣስሩ ኣባላት ነይሮምና። ከም ብዓል ኣሕመድ ባህጃ፡ ሰናይት ተስፋይ፡ ጳውሎስ ኪዳነ፡ ዳኒኤል ሙሴ፡ ተመስገን ኣባይ፡ ኣሕመድ ዑመር ሼኽ፡ የማነ ሃይለ፡ ፍትሕያ ኻልድ፡ ኣሚር ኣሕመድ፡ .ወዘተ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዘይ ዝኾነ መጽናዕቲ ስቕ ኢሎም ስግኣት እዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ስለዝነበሮም ወሲዶም ንከባቢ 45 መዓልታት ኣሲሮሞም። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተው እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ዝተሓተትዋ ናይ E-mail ኣድራሻ ID password ኣረክቡ ተባሂሎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኢ-ሜይሎም እንታይ ከይገብሩ ስለዝተፈርሐ እዩ? ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይኮነን ንሰብ ንጽላለቶም ይኣምኑዮም ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ንዝኾነ ኣመለኻኽትኡ ደስ ዘይበሎም ሰብ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም መርምሩልና ኢሎም ንዘይተወሰነ መዓልቲ ከም ድላዮም ክኣስሩ ይኽእሉ እዮም።
ምስ ኣባላት ሬድዮ ባና ዝተኣስሩ ኣባላት ኣለውና፡ ከም ብዓል ኢሳቕ ኣብርሃም፡ ግርማይ ኣብርሃም፡ ምሉብርሃን ሃብተገብርኤል፡ ሃብተማርያም ነጋሲ ዝኣመሰሉ ጋዜጠኛታት ኣለው። ንኣብነት እታ ናይ ሃብተማርያም ነጋሲ ከም ፍልይቲ ክነግረካ፡ ሃብተማርያም ነጋሲ ማለት ናይ ኤሪ-ቲቪ ቋንቋ እንግሊዝ ዴስክ ሓላፊ ማለት እዩ። እቲ ንሳቶም ዝሰርሕዎ መደባት ኩሉ ብእንግሊዘኛ ዩ። እቶም ንሳቶም ቃለ-መጠይቕ ዝገብርሎም ሰብት ድማ ጸዓዱ ክኾኑ ባህርያዊ እዩ። ምስ ጸዓዱ ምርኻቡ ከም ሕማቕ ስለዝተወስደ ጥራሕ እዩ እዚ ሰብ ተኣሲሩ። ካልእ ግዜውን እዮብ ከሰተ ናብ ኢትዮጵያ ክኸይድ ደልዩ ተባሂሉ ተኣሲሩ። እዮብ ከሰተ ሕጂ ኣበይ ከም ዘሎ ደሊኻ ኣይትረኾን ኢኻ ሽታማይ ኮይኑ። ብተመሳሳሊ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም። ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ ውን ስግረ ዶብ ሓሲብካ ተባሂሉ፡ ሓሲብካ ዲኻ ኣይሓሰብካን ብጀካኻ ዝፈልጣ ዘየለ ክነሱ፡ ወላ ውን ሓሲብካ ተባሂልካ ኢኻ ትእሰር። ከምኡውን ሃይሰም መብራህቱ፡ ኩሉ ግዜ ራዕድን ሽበራን እዩ። መዓስ ዮም ዝመጹኻ መዓስ ዮም ዝኣስሩኻ ከመይዮም ዝርእዩኻ ዘለው ኣይትፈልጥን ኢኻ። ኩሉ ግዜ ኣብ ስግኣት ክትነብር ዮም ዝደልዩ። ኩሉ ግዜ ኣብ ስግኣት እንተድኣ ሃሊኻ ንሳቶም ከምዚ ደኾን ይደልዩ ይኾኑ ከምዚ ደኾን ይፈትው ይኾኑ እናበልካ እቲ ዝበለጸ ኣገልጋሊ ክትከውን ስለዝደልዩኻ እዩ።
ሚኒስትሪ ዜና ከም ትካል ካብዚ ውሽጢ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2009 ክሳብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2012 ጥራይ፡ ክልተ ዓመት ኣብዘይመልአ ግዜ ምሳይ ወሲኽኻ 26 ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ካብ ሃገር ክወጹ ዝገበረ ትካል እዩ። ኣስማቶም ክጠቕሰልካ፡ ኢንጅነር ሚኪኤል ሓላፊ ጨንፈር ኣገልግሎት ዜና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ፣ ብዓልፋን ተስፋይ ዋና ኣሰናዳዊ ሻባይት ዶት ኮም፣ በየነ ገብረዮሃንስ፣ ሚኪኤል ባህታ፣