ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 49 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 49 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ኣይረሳዕናዮን ግፍዕታት ናይ ዖና
ብኣልማም ዝተጨፍጨፈላ ህዝብና
በታ ናተይ ንእሽቶይ ዓቕሚ
ንሰማእታትና ትኸውን ዝበልክዋ ግጥሚ
ክዝክሮ ንጅግና ስዉእ ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ
ናይ ቃልስና ተላሚ..
ንስውኣትና ንብሎም ኣባይኩም
ኤህ ነቶም ሕድሪ ዝጠለምኩም
ጭፍራ ህግደፍ ወይለኹም…
ትርጉም ዕስራ ሰነ ጠፊኡና
ንገርና ኤረትራ ታሪኽ ጀጋኑና
ንገሪ ታሪኽ ኣለም መስፍን ዋዕሮና
ንገሪ ታሪኽ እስራኤል ምስግና
ምስ ብጻያ ንሓድነት ክትዝቲ እያ ሓሊፋ
ተዛረቢ ዓጋመት ንገሪ ታሪኽ ወዲ ዓፋ
ናቱ ሃገራውነትስ ነርዎ ሓለፋ…
ተዛረቢ ኣስመራ
ንገሪ ታሪኽ ወዲ ዓንደመስቀል ጅግና
ተሳኢኑ ዶ ሓደ ሓርበኛ
ንኢሰያስ ሸለው ዘብለልና
ካብ ስርዓት ማፍያ ክጋላገል ህዝብና…
ኤረትራ ንገሪ ታሪኽ ጀጋኑኺ
ንገሪ መንዩ በዓል ደሙ ንህዝብኺ
ተዛረቢ ባድመ መንዩ ኣሕሊፉ ሂቡኪ
ዳግማይ ኣሻሓት መንእሰያት ዝበላዕኪ…
ዕስራ ሰነ እንታይ ዩ ትርጉማ
ወላዲት ቶም ጀጋኑ ኣብ ዕስራ ሰነ
ሽምዓ ምውላዕ ኮይኑ ናቶም ግርማ
ሃገርና ብጉጅለ ኢሰያስ ተጠሊማ
ንኤረትራ ብጭፍራ ህግደፍ ተጨውዩ ሕልማ…
ተዛረቡ ጎላጉል ኣዶሓ ምስ ኩርባ
ተዛረቡ እንባታት ሰሕል ምስ ሩባ
ተዛረቢ ዓዲ ያቆብ ወክድባ
ተዛረቢ ማይ ዓይኒ ንገርናባ
ተዛረብ ደንከል ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ ዝቐለባ
ኤረትራ መሬታ እንበር ነጻ ኣይወጸን ህዝባ…
እንታይ ተላብዮም ሰማእታትና
እንባታትን ስንጭሮታትን እስከ ንገሩና
እንታይ ተላበወት እታ ዋዕሮ ሓውትና
ናብ ታንኪ ጠኒኖም ዝኣተዉ ጀጋኑና
ጭፍራ ህግደፍ ካብ ጨወይዎ ነጻነትና
ግን ኣለና ሕድርኹም ዘይጠለምና…
እንባታት ሃገርና ተዛረቡ
ንተቃለስቲ ዘጽለሉ ዘዕቆቡ
ኩሉዩ ተቃሊሱ እንተላይ ግረቡ
ግን
ዘይፍትሓዊ ውግኣት እንዳ ተዳራረቡ
ብህግደፍ በሪሶም ዳግማይ ከይግርቡ…
እቶም ዝጠለሙ ሕድሪ ሰማእታትና
ጭፍራ ሕጂ ኸ እንታይ ክደግሙና…
ህዝቢ ደንከል ተዛረብ
ህዝቢ ሰምሃር ተዛረብ
ህዝቢ ሳሕል ተዛረብ
ህዝቢ ሰንሒት ተዛረብ
ህዝቢ ጋሽ ባርካ ተዛረብ
ህዝቢ ሓማስየን ተዛረብ
ህዝቢ ሰራየ ተዛረብ
ህዝቢ ኣከለጉዛይ ተዛረብ
ህዝቢ ኤረትራ ተዛረብ…
ኣስላምና ክስታና ሐደዩ በደልና
ወይሉኡ ዝኣቱ ኣብ ሞንጎና
ይኣክል ይኣክል ንበል ሓቢርና
ብጀካ ኢሰያስን ጭፍሩኡን
ጸላእቲ የብሉን ህዝብና…
ዕስራ ሰነ እንታይ ትርጉማ
ወላዲት ቶም ጀጋኑ ርእሳ ተደርሚማ
ኤረትራዊት ኣደ ጨሪሹ ነይጠዓማ
ኣብ ዕስራ ሰነ ትነብዕ ኣላ ሽምዓ ተሸኪማ
ህግደፍ ሸፊቶም ኣብ ማእከል ከተማ
ጠሊሞም ናይ ሰማእታትና ዕላማ…
ሰማእታትና ብድሕረኹም
ነጊሶም ናይ ሳሕል ኣትማን
ብንሕናን ዕላማናን ኣይቀሰናን
ብድሕረኹም ህዝብና ኣይጠዓሞን…
ሕጂ ግን ቅሰኑ ሰማእታትና
ደለይቲ ንፍትሒ ሰሲና
ብደገን ብውሽጥን ሰሚርና
ሕድሪኹም ክነተግብሮ ኢና
ታሪኽኩም ተሰኒዱ ኣሎ ኣብ ነብስወከፍና
ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኤረትራዊያን ኩልና…
ድምጽና ሓወልቲ ይኹንኩም
ንሰማእታትና ንኹልኹም
ንህግደፍ ኣሊና ምስ ደገፍቶም
ክሳብ ዕንበባ ነንብረሎም
ንሱዩ ፍረ መስዋእትኹም…
ብዓወት ንሓፋሽ ንህዝቢ ኣዘንጊዑ
ሓኽሊ ድሙ
ሕድሪ ስዉኣትና ጠሊሙ
ኣብ ዕስራ ሰነ ሽምዓ ወልዑ ንሽሙ…
እንታይ ምበልት እታ ዋዕሮ
ህግደፍ ክይኖሞ ንህዝብና መንሽሮ
ኣቦ ስዉእ ሲኢኑ ዝጥውሮ…
ጅግንነትኩም መግለጺ ሲኢነሉ
ብድሕረኹም ነጊሶም ተዃሉ
21 ዓመት ኮይኑ
ንደቀባት ክቕንጽሉ
ሕጂ ግን ግዚኡ ኣኺሉ
ህግደፍ ካብ ሱሩ ዝምሓውሉ
ዓቢ ምስ ንእዝቶ ተላዒሉ …
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን