መግለጺ
ብምኽንያት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
መግለጺ
ብምኽንያት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
ኣብ ተጋድሎ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም 08 መጋቢት 1910 ፍሉይ ዝኽርን ዝናን ዘለዋ ታሪኻዊት ዕለትያ፡፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘመናት ዝበጽሕ ዝነበረ ኩሉ መዳያዊ መሪር ደርባውን ጾታውን ወጽዓታት ተቐንጢጡ መሰልን ክብርን ንምርግጋጽ፡ ልዕልነት ደቂ-ተባዕትዮ ተሳዒሩ ምዕሩይ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ሓርነታት ንምውሓስ፡ ድሑር ባህላውን ያታውን ልምድታት ተማሕዪ ስልጡን ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ንምንጋስ፡ ዘይሕለል ቃልሲ ዝተካየደላ ዕለት ብምዃና ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እናተዘኸረት ክትነብር ጸኒሓ ኣላ። እቲ ብከቢድ ዋጋ መስዋእቲ ምዑታት ደቂ-ኣንስትዮ ዝተተለመ ተጋድሎ፡ ኣብ ምልክት ቃልስን ጽንዓትን ተሰንዱ፡ እነሆ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ-ዘመን ተሰጋጊሩ፡ ኣብ መላእ ዓለም ወትሩ ብዝኽሪ እናደመቐ፡ ብጽንብል ዓወታትውን እናማዕረገ 08 መጋቢት 2012 ንመበል 102 ግዚኣ ነብዕለላ ዓመት በጺሕና።
ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውን ኣብ ሙሉእ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋተን ተሰሊፈን ንሃገራዊ ነጻነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ዝተማልአ መሰልን ሓርነትን ማዕርነትን ዘካየድኦ ዘኩርዕ ተጋድሎን ቅያን ጽንዓትን ናይዚ ዓሚቕ ትርጉምዚ መቐጸልታዩ ነይሩ። ሰብ-ብርኪ ናይቲ ብደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ዝተዓተረ ረዚን ክብርታት ብምዃኑ ከኣ፡ ኣብቲ መስተንክራዊ መዝገበ-ታሪኽ ዓለም ክስነድ ዝበቕዕ ሰነደ ድርሳን-ተጋድሎ፡ ኣብ ፍሉይ ምዕራፍ ክሰፍር ዝኽእል ታሪኻዊ ጅግንነት ኣመዝጊበንየን፡፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ቃልሲ ዘመዝገብኦ ኩሉ እንተናዊ መስተንክራዊ ተጋድሎ፡ ምንጪ ሓበንናን መሰረት ኩርዓትናን ብምዃኑ ከኣ ካብ ጽላት ማዓሙቕ ልብና ክብለል ዘይኽእል ጹሩራ ኤርትራዊ ሃገራውነትናዩ፡፡
ሕማቕ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓርነታዊ ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ንዘንቀዶም መሰረታዊ ዕላማታት ብምብርዓን፡ ሕድሪ ስውኣት ረጊጹ መብጽዓታቱ ሓሺሹ፡ ፍጹም ኣግላልን በሓትን ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ ብውጽኢቱ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብከቢድ መስዋእተን፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝበረቐት ጸሓይ ብኣግኡ ክትዓርብ ገበረ። እቲ ልሉይ ታሪኻዊ ምዕራፍ ብክሕደት ተዛዚሙ፡ ኩሉቲ ብቃልሰን ዝዓተርኦ ዓወትን መኽሰባቱን ሃጒጉ፣ ዳግማይ ብኣርዑት ጭቆና ደቂ-ሃገር ተቖሪነን፡ ንካልእ ሓድሽን ዝኸፍአን መልክዕ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ወጽዓታት ክሳጥሐ ኮይነን እየን። ስለዝኾነ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኩሉቲ ብርቱዕ ፍረ ቃልሰንን ጻምአንን ተጠሊሙ፡ ሰብኣዊ ክብረን ብዘዋርድ መልክዕ፡ ዳግማይ ንመሪር ደርባውን ጾታውን ምዝመዛ ተሳጢሐን ሓሳረ-መከራ ይርእያ ምህላወን ናይዚ ዝኽሪ በዓል ካልእ መሪር ቃንዛ ምዃኑዩ።
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብዋጋ ጸረ-ህዝብን ሰላምን ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ዘሳወሮ ተደጋጋሚ ኲናት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ቅድመ-ግንባር ክስለፋን ግዳይ ናይቲ ውግእ ክኾናን ተገዲደንየን። ካብኡ ዝኸፍአውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ጊላዊ ሕ/ሰብ ዝርአ ዝነበረ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎን ኣብ ባርነታዊ ሂወት ተጸሚደን፡ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላተን ከም ሕሱም ተረጊጹን ይርገጽን ምህላዉ ካብ ማንም ስውር ክኸውን ኣይኽእልንዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ማሕዩር ወተሃደራዊ መኮንናት ካብ ምዃን ጀሚሩ ክሳብ ብኣስገዳድ መርወዪ ጾታዊ ድሌታቶም ክጥቐሙለንን ብተላብዲ ሕማም ኢች-ኣይቢ-ኤድስን ክልኸፋን ይግደዳ ኣለዋ። ካብኡ ንላዕሊውን ንኤርትራዊ ባህልታት ዘነውርን ንክብሪታት ደቂ-ኣንስትዮ ዝግህስን ካብ ፍቶተን ወጻኢ ንእንግዶት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ከም ህያብ ዝብርከታ፡ ከይፈተዋ ንብልሽውና ይኹን ንዘይተደልየ ጥንስን ሕርስን ገንሸል ዝኾና ኣሓትና ምህላወን ኣብዚ እዋንዚ ምስጢር ኣይኮነን። ብሰንኪዚ ለይቲ ምስ መዓልቲ ዝነብዓን ናብ ሰደት ክውሕዛ ዝግደዳን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ፍጹም ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ሰደት ዘጋጥመን ዝተፈላለየ ጸገማት፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከሰጋገራ ኩሊተን ዝስረቓ፡ ኣብ ፍቆዶ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ሂወተን ዝሰኣናውን ቁጽረን ቀሊል ክኸውን ኣይኽእልንዩ።
ብርግጽ እዚ መሪር ክውንነትዚ ኣብ ቦትኡ ከሎ ግን ኣብ ኤርትራ ንመሰልን ሓርነታትን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ እጣበቕየ ብዝብል ትጭድር <<ሃገራዊት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ>> ትስየም መጋበርያ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምህላዋ ዝፍለጥዩ። እዛ ማሕበርዚኣ ካብ ተመስረተትሉ እዋን ኣትሒዙ ተልእኾ ናይቲ ስርዓት ካብ ምፍጻም ወጻኢ ሓንቲ መዓልቲ ንኩሉቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝበጽሕ ኩሉ-መዳያዊ ጨካን ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ውጽዓታት ኣሽንኳይዶ ክትጣበቕ ብጩቕ ክትብልውን ኣይትስማዕንያ። ሃገራዊት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንርኡይ ግፍዕታትን ግህሰታትን ደቂ-ኣንስትዮ ፍጹም ጥብቕና ከምዘይብላ ብዙሕ ጭብጥታት ምቕራብ ይኽኣልዩ። ንሎሚ ግን እታ ኩነታት ኤርትራ ኣጽሊእዋ ብ04 ለካቲት 2012 ዶብ ክትሰግር ሽውዓተ ኣድራጋ ጥይት ኣብ ዝባና ብድሕሪ ምዕራፉ መዛረቢ ብርክት ዝበሉ መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራን ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜናን ኮይና ዝወረሐት ውጽዕቲ መንእሰይ ራሄል ቀሺ በራኺ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብኣዊ ሞራልን ሓልዮትን ክልገሰላ ከሎ ካብ ሃገራዊት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ቅንጣብ ፍቅርን መግለጽን ምስኣና እኹል ኣብነት ምዃኑ የረጋግጽ።
ብዝኾነ ነዚ ዓለም-ለኻዊ መዓልቲዚ ክንዝኽር ከለና፡ ካብቲ ዕለትቲ ጀሚሩ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ብደቂ-ኣንስትዮ ዝተካየደ ተጋድሎን ዝተረጋገጸ ዓወታትን ክንሕበን ግድነትዩ ዝኸውን። ከምኡውን በቲ ኣብ መስርሕ መሪር ነጻነታዊ ቃልሲ ብደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝተራእየ ጅግንነትን ቅያታትን ክንኮርዕ ዘይተርፍኳ እንተኾነ፡ በዚ ሕጂ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊአን ዝበጽሕ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዳግማይ ወጽዓታትን ግፍዕታትን ክንቁጣዕ ድማ ባህርያዊ ጉዳይዩ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ከም ዝቓለስ ፖሎቲካዊ ሓይሊ መጠን፡ በዚ ኣጋጣሚዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ውጽዓታትን ግህሰታትን እናኾነነ፡ ነቲ ምእንቲ መሰልን ሓርነትን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ብኣሓትና ዝግበር ዘሎ ኩሉ-እንተናዊ ተበግሶታትን ንጥፈታትን መትከላዊ ደገፉቱ ከረጋግጽ ይፈቱ። ኣብ ኤርትራ ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ምሉእ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ከምዘይኽእል ካብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ብምብጋስ ከኣ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንመሰለን ቃልሰን ከበራትዓ ይጽውዕ።
ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘለ-ኣለም ተኸቢራ ትንበር!!
ዓወት ንፍትሓውን ማዕርነታውን ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ)
08 መጋቢት 2012