ናይ ሓዘን መግለጺ
መስዋእቲ ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ
ናይ ሓዘን መግለጺመስዋእቲ ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ
ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ኣብ ለንደን ንነዊሕ ዝበለ ግዚያት ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ ብዓርቢ 29 ሚያዝያ 2011 ተሰዊኡ።
ነባር ገዲም ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ ምሉእ ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ዳርጋ ናብ ከባቢ ፍርቂ ዘመን ዝኸውን ኣብ መስርሕ ጸረ-ባዕዳዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ከኣ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝቐጸለ ጸረ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሰሊፉ ዝተቓለሰ ሓርበኛ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ምሉእ ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ /ጀብሃ/ ካብ ተራ ተጋዳላይ ኣትሒዙ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ወተሃደራዊ ሓላፍነት ዝተሰከመን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 80ታት ኣብ ተ.ሓ.ኤ /ጀብሃ/ ዝተኸስተ ምፍልላያት ከኣ ንተ.ሓ.ኤ ብኣቦ-መንበርነት እናመርሐ ክሳብ ሚያዝያ 2011 ዝቐጸለ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ እዩ ነይሩ።
ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ብመስዋእቲ ጅግና ተቓላሳይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እንዳ ገለጸ፡ ንምሉኣት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ስድራቤቱን ኣዕሩኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።
ነቲ ንሱ ዝተሰውኣሉ ቅዱስ ዕላማ ናብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክቃለሱ እናተባብዐ፡ ደ.ግ.ሓ.ኤ ንዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ፡ ኣብ ጎኖም ጠጠው ኢሉ ከም ዝቃለስ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ የረጋግጽ።
ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
/ደግሓኤ/
30 ሚያዝያ 2011