ህዝባዊ ኣኼባ
ኤርትራዊ ሃገራዊ
ኮምሽን ንደመክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ቤይ ኤርያ - ካሊፎርንያ ኣብ ሳን ሆዘን ኣብ ኦክላንድን ተኸታተሊ ህዝባዊ ኣኼባ ከካይድ
መዲቡ'ሎ። እዚ ኣኼባ'ዚ ነቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ክሳብ ሕጂ ዘሳላሰሎ ስራሕን ፤ ንዝመጽእ ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ዘካይዶ
ንዘሎ ጻዕሪ ምስ ሕዝቢ ተሓባቢሩ ናይ ምስራሕ ዘለዎ ድልየትን ቁሩብነትን ንምምይያጥ ክኸውን እንከሎ ፤ ንገለ ካባና ከኣ ብዛዕባ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ኩነታት ብሩህ ዘይኮነልና ነገራት ክህሉ ስለዝክእል ፤ ነዚ ብሕቶን መልስን መልክዕ ንምምላሱ ተቐሪብና
ስለ ዘሎና ኩሉኹም ብጉዳይ ሃገርኩም እትግደሱ አርትራዊያን ሕቶኹምን ርእይቶኹምን ሒዝኩም ኣብዚ ኣኼባ እዚ ንኽትሳተፉ ደጊምና
ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታን ዕለትን
ኣብ ሳን ሆዘ - San Jose
ኦክላንድ
- Oakland
April 30, 2011 at 3:00PM May 7, 2011 at 3:00PM
2500 El-Camino Real 610 55th Street
Santa Clara, Ca 95051 Oakland, Ca 94609
(El-Camino and San Tomas Expway)
(Shattack and 51st Ave)
ኣኼባ ልክዕ ኣብቲ እተጠቕሰ ስዓት ስለዝጅመር ኣብ ሰዓትና ንኽንርከብ ብትሕትና ነተሓሳስብ።
ብደሓን
ምጽኡ
|