Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደቲ ሕነ &#47
أخبار

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደቲ ሕነ

ታሻዓይ ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ንዓሻ ጥዒምዎሎ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎሎ።

ታኣለዩ ጽባሕ ዘይኮነ  ሎሚ

ኣቲ  ጠላም ኣታ ጠላሚ

ክፍደዩ ቲ ሕነ ሎሚ ኣይኮነን ዓሚ።

ዕላማ ስዉእ ጅጋና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣይተዓወተን ሃገርና ኤረትራ ነጻነትን ሓርነትን ክትጓናጸፍ እንበር ብኢሰያስ ንክትግዛእ ጸረ መግዛእቲ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ቀዳመይቲ ጥይት ኣይቶኮሰን ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ።

እንቢ እንቢ ካብ ዓድና ዉጻኣታ ኢ+ሰ+ያስ+ ዝብኢ+

ዕላማ ስዉእ ዓዋተ ንናጽነት ንሓርነት ህዝቢ

ብኢሰያስን ጭፍሩኡን ኣይንግዛእን እንቢ

ንሱን ዑሱባቱ ዝነብሑ ከም ከልቢ

ሕድሪ ሰማእታትና ይትግበር ብህዝባዊ ናዕቢ።

እንታይ ንጽበ ዘይንምክቶ

ትፍቶ ኤረትራ ሃገርይ ትፍቶ

ወዲቕኪዶ ኣብ ኢድ ነፋሒቶ

ኣብ ጸረ ህዝቢ ኢሰያስ ካኺቶ።

የሎንዶ ዓቕሚ ዝኸውን ንህግደፍ

ዘይነጽድፎ ሕልሚ ህዝቢ ዝኾልፍ

ከም ህዝቢ ሊብያ ብረት ህግደፍ ንግድፍ

ሆኢልና ንስርዓት ኢሰያስ ክነጽድፍ።

ነዚ ኣይነበረን ናይ 30 ዓመት ቃልሲ

ክንደይ ትጭክነ ንኢሰያስ ትውድሲ

ንግፍዔኛታት እንቢ ዘይትምልሲ

ሓፍተይ ንጃንዳ ህግደፍ ክተሖጉሲ

ንሓርበኛታት ተቓወምቲ ተናኣእሲ

ህግደፍ ምስ ፈረሰ ከይትኽሰሲ

ንደም መንእስያት ዘፍስሱ ኣይትወድሲ

ተጣዒስኪ ኣብ ለውጢ ኢድኪ ሓውሲ።          

ኣሃዱታት ኪዳን ተዋሃሃኩም ስርሑ  ምስ ምክልኻል ሓይልታት ኤረትራ ህዝቢ ክድሕን ካብ ምብትታን

ንመንግስቱ ዝተከኤ ኢሰያሳዊ ኣራዊታዊ ስርዓት።

መንግስቱ ቢኢሰያስ ተተኪኡ

ተቓባቢሎምልና ደም ዝጸሙኡ

ከም ሃዳኒ ተመን ዝጻቡኡ

ሰብ ብዘይ ማሃያ ዝገዙኡ

ህዝብና ኣይረኸብን ጻሙኡ

ኣራጋጊጾም ንናጽነት ከምዘይ ወጹኡ

ንህዝቢ ደሙ መጽዮም በሊዖም ስጉኡ።

ኣደታት ክዕልላ

ምስ ተሳዕረ ስርዓት ዕዋላ

ኤረትራዊ ጓል ሃገር ተላዒላ

ዉሑዶ ብጠላማት ተታሊላ

ከም ቀደማ ሕጂ ውን ንመሰላ

ጸረ ምልኪ ክተበርክት እጃማ ንቒላ።

ገባሪ ኩፉእ ሓዊ ክልብለብ

ብ ወረ ምብጽጻሕ ዝቕለብ

ጽባሕ እንድዒ ኣበይ ከም ዝዓልብ።

ኤረትራ ክትከውን ናይ ዋናታታ

ጸልማት ክቅንጠጥ ክከውን ወጋሕታ

ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ ቶም በደልታ

ዓዲ ጀጋኑ ክሰፍኖ ሩፍታ

ንኹሉ ኣለዋ መወዳእታ።

        ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,908,834 وقت التحميل: 0.22 ثانية