Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ
أخبار

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

4.ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ብዘይ ፍቓድ ህዝበይ

ዝኾንኩም መንግስተይ

ያኣክል ሕጂስ ኪዱለይ

ያኣኽለኒ ዝሓለፈ ስቓይ

ንዓመታት ዝተፈለዩ ደቀይ

እንቢ ንምልኪ ኢሎም መሰለይ

ብምቅዋም  ንህግደፍ ጣልማይ

ሕጂ ውጻእ መጺኦም ስድራይ።

ንናጽነቱ ዝተቓለሰ

ደሙ እንዳ ኣፍሰሰ

ዓጽሙ እንዳ ከስከሰ

እንባ እንዳ ኣፍረሰ

ድሕሪ ነጻነት ዘይተካሕሰ

ብጭፍራ መሰሉ ተጋህሰ

ኢሰያስ ሕጊ እንዳባ ዘፍረሰ

እፎይታ የሎን ከይተደምሰሰ።

የጉረምርም ኣሎ መንእሰይ

ጸልማት ክቅንጠጥ ክበርቕ ጻሓይ

ይነፍስ ኣሎ ጡዑም ዳሃይ

ዕምሩ ካሓጽ ናይ ኤረትራ ኣባይ

ይባሃል ኣሎ ጎቦዝ ናዓናይ

ንጃንዳ ህግደፍ ንምእላይ።

ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ

ህግደፍ ዘመድ የብሉን ብጀካ ነብሱ

ብዙሓት ኣለዉ ንምልኪ ይውድሱ

ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ የባእሱ

ዑሱባት ደም መንእሰያት ዘፍሰሱ

ሕጂ ሕሰቡ ጽባሕ ከይትጣዓሱ።

ንሓና እወ ንሕና ክንዲ ሽሕ ኢና

ከም ማል ኣይንኹብኮን ትም ኢልና

ስለ ንፈልጥ እንታይ የዋጻኣና

ዓገብ ንብል ኣፍና መሊእና

እንቢ ንምልኪ እንዳ ኣድመጽና

ንጃንዳ ህግደፍ ድቃስ ዝኸላእና

ንልሳኑ ዝተሎጎመ ልሳን ዝኾና

ኣብ መሰል ዝሕልዉ ሃገራት ተቐሚጥና

ክሳብ ውድቀት ህግደፍ ክንቃወም ኢና

ክንምክቶም ንሕድሪ ዝጠለሙና

ጭፍራ ክይተሳዕሩ ኣይዕጸፍን ልሳና።

ንምልኪ ዝቃለስ ናይ ግድን ክወግሓሉ

ወይለኦም እቶም ንዲክተተር ዘገልግሉ

መልሓሶም ክነኽሱ ብሓሶት ዝምሕሉ

እቶም ዓዲ ጽቡቕ ኣሎ ዝብሉ

ናይ ውሪ መቃባበልቲ ተዃሉ።

ምስ ወግሔ ጽባሕ

ምስ ኮነ ቀባሕባሕ

ሓሳዊ ኣበይ ክሕባእ።

ባህሪያት ቃልሲ እንተ ፈሊጥና

ዝተቃለሰ ይዕወት እንዳ በልና

ህዝቢ ይብል ወጊሑልና

ህግደፍ ይብሉ ጠፋእና

ንዲክተተር ምስ ሳዓርና

ስርዓተ ሕጊ ተኺልና

ብቅሳነት ንነብር ኣብ ሃገርና

ደሞክራስያዊ ኤረትራ ሃኒጽና

ንሱዩ ሕድሪ ሰማእታትና።

      ይቅጽል፡

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,278,162 وقت التحميل: 0.25 ثانية