Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ተላዓል ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበ&#484
أخبار

ተላዓል ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

ንማዕበል ሓፋሽ የብሉን ዓጋቲ

ብ ገብረሚካኤል ሃብተጽየን ቆሪጀ ሃገር ጀርመን

ኤረትራውያን ብሓባር ተበገሳ ተበገሱ

ህዝብና ዘምጽኡ ነጻነት ብቃልሱ

መስዋእቲ ከፊሉ ኣዕጽምቱ ከስኪሱ

ንዝና ኢሰያስ ኣይኮነን ህዝብና ተቃሊሱ

ባህልንና ሃይማኖትና ኣራኺሱ

ንመሬትና እንዳ ሸጠ ቁሪሱ

ዞባታት ቀይርወን ኣውራጃታት ኣፍሪሱ

ንመሰሎም ዝሓተቱ ስንኩላትና ጥይት ኮይኑ መልሱ

ነቶም ጀጋኑና ተቃሊሶም ዘቃለሱ

ስሞም ኣጸሊሙ ንህዝቢ ዝሕሱ

እዚ ጠላም ክልተ መልሓሱ

በሉ ሕጀስ ያኣክለና ምባል ንሱንሕና ንሕና ንሱ።

ናይ ሓባር ጸላኢና ኢሳያስ ክነሱ

ኤረትራዊያን ብሓባር ንዑ ተቃለሱ

ነዚ ማፍያ ስርዓት ንምልጋሱ

ንኹሉ ትካላቱ ንምፍራሱ

ጨቑና ምስ ግፍዒ ንከልግሱ

መንእሰያትና ሃገር ንክውሕሱ

ስድራበት ኤረትራ ክድበሱ

ዝተሰዱ ዓዶም ንክምለሱ

ማሕበራዊ ፍትሒ ንኽንግሱ

ይኣክለካ ንበሎ ተበገሳ ተበገሱ

ባይቶ ዓደቦና ኣብ ንቡሮም ክምለሱ

ንህዝቢ ኣድሕኑ ንሃገር ኣውሕሱ

ከም ቱንዝያ ምስሪ ዓወታት ክትሕፍሱ

ኩሉ ኤረትራዊ ይሕተታ ንነብሱ

ነዞም ስርዓት ኣልቦ ባዕላቶም ዝነገሱ

ዘይዘር እዎ ዝደልዩ ክሓፍሱ

ንዘኾለሶም ህዝብና ኣጻብዕቱ ዝነኽሱ

ውግኣት ዝጽሕትሩ ተንኮሎት ዝፍሕሱ

ዝተጣላቐዩ ዝተርከሱ

ሎሚ ዓመት ጽቡቅዩ ንፋሱ

ሕብስቲ ዓወትኩም ሓቢርኩም ክትቁርሱ

ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሮም ክምንቁሱ።

ትቃራረብያ ዘላ ናይ ዓወትና መዓልቲ

ንማዕበል ሓፋሽ የብሉን ዓጋቲ

ዲክታቶራት ፈራሓትዮም ጀርቋት ባህረርቲ

ናይ በዓል ቱንዝያ ምስሪ ይኹነና ትምርቲ

ተበገስ ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

ንመድረክኽ ንጠቐመሉ ሕጂዩ እቲ ወቕቲ።

ኤረትራዊያን ክነስና ጭቁናት ካብ ኩሉ

ንህግደፍ ንምልጋስ ኢደይ ኢድካ ተባሃሃሉ

ህዝብና ከተንፍስ ክሕደስ ሞራሉ

ከምቲ ዝሓለፈ ከይትህመሉ

ዘሽካዕለሎ ያኣክሎ ኣታሊሉ

ካብ ሑሉፍ ንማሃር ከይንግራሃሉ

ብትንትን ክኣትዎ መንግስቲ ዓዋሉ

ክብሪ ዝሰኣኑ ውርደት ዝተዓደሉ

ንሓላል ህዝብና ዘሳቕዩ ዝብድሉ

ጸረ ሰላም ንዓለም ዘሻቅሉ

መጋበሪያ ግብረ ሽበራ ሚልዮናት ዝኽፈሉ

እንቢ እንተበለ ረመጽ ንኽዓወሉ

ናይ ግድንዩ ብህዝባዊ ባርዕ ክንቀሉ።

ብህግደፍውያን ሃገር ተሓሚሳ

እታ ግራት ቃዲራ ሲኢኑ ዝሓርሳ

ቀባሪ ተሳኢኑ ተሰካሚ ሬሳ

ኣብ ድፋዕ ኣሲፍርዎም ተማሃራይ ጓሳ

ጀጋኑና ተመቁሖም ዘይብሎም ኣበሳ

ኣደስኪልዎም ቀንጺልዎም ንባዓል ጥሕሻ

ወኻሩ ይውጭጩ ኣብ ሸላ ኣንበሳ

ተኪኢዎም ብበዓል ማንከይ ብበዓል ሓጎስ ክሻ።

ዓወት ንህዝብና

ዝክርን ክብርን ንስዉኣትና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

        ይቅጽል

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,291,714 وقت التحميل: 0.05 ثانية