Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ሪፖርታዥ፡ ካልኣይ መዓልቲ - 2ይ ጉባ&#
أخبار

ሪፖርታዥ፡ ካልኣይ መዓልቲ - 2 ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ

EYGM s day two congress report 1.jpg

እቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲንቕሎ ንሓድሽ ሓርነትዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2 ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚውን ብርሱን ሃዋሁ ቀጺሉ ውዒሉ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ኣቦ መንበር ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን (EGS) ኣቶ ስዩም ተስፋይ: ምንቅስቓሳት ዝካየዱዎ መደብ ስራሕ (Movement Action Plan) ዘብል ብቢል ሞየር ዝቐረበ ክልሰ ሓሳብ ገሊጹ፡ እተን ክሕለፋ ዘለወን ሸሞንተ ምዕራፋትዚ መደባት ስራሕ ድማ ብዝርዝር ገሊጹ። እተን ሸሞንተ ምዕራፋት በብድረጅኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጹወን።

ኣብ ንቡር እዋን ዝህሉ ምዕዝምዛማት ምቅላሕ

ትካላት መንግስቲ ከምዘይሰርሑ ንሓፋሽ ከምዝርእዮ ምግባር

ምርጋእን ምብሳልን ሕቶታት

ተበግሶ / ንቕሎ ንለውጢ

ምቕሳብ መንግስቲ ንምፍላጥ ህላወ ተቓውሞ (እዚ ተፈላጥነት ብኣሉታዊ መግለጺታትውን ክኸውን ይኽእል።

ደገፍ ህዝቢ ንለውጢ

ዝሓሸ ኣማራጺታት ምድህሳስ

ቀጻልነት ለውጢ ምርጋግጽ

 ኣብዚ ሎሚ ኤርትራ ኣበየናይ ምዕራፍ ከምዘላ፡ ድማ ንተሳተፍቲ ከም ሕቶ ኣቕሪቡ፡ ቅድሚ ምምላሶም ክሓስቡ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ መጨረሻ፡ መንእሰያት ኣብ ከባቢና ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባና ዝኽሰቱ ዘለዉ ማዕበላት ለውጢ ብምክትታል፡ ናይቲ ኣብ ሃገርና ክህሉ እንደልዮ ለውጢ ኣተባባዕትን ቀለስትን ክትኮኑ ኣለኩም ክብል ምዒዱ።

ካብኡ ቀጺሉ ዶክተር ኣሰፍው ተኸስተ ተመኩሮታቱ ኣካፊሉ። ዶክተር ኣሰፋው ታሪኽ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ከምቲ ናይ ትማሊ ወለዶ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ከይተሓለለ ዝተቓለሰ፡ እዚ ናይ ሎም ወለዶውን ኣብ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ሓርነት ኤርትራ፡ ከይተሓለለ ክቃለሰ ዓቢ ዕማም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ። እዚ ዕማምዚ ብኤርትራውያን ጥራይ ክዕመም ከምዘለዎ ሰፊሕ ትንታነታት ድሕሪ ምቕራብ፡ እቲ ወሳኒ ተራ ዝጻወትን ቀጻሊን ነባሪን ሰላም ዘውሕስ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ጽኑዕ ለበዋ ኣመሓላሊፉ።

ኣብዚ መስርሕ ተሳታፍነት ኩሉ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ መንእሰያት፡ ኣብዚ ሕጂ ስርዓት ህግደፍ ተዳኺሙሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዝተፈፍላለየ ዘመናዊ መራኸቢታት ብምጥቃም ንስኻትኩም ምስቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝተፈላላየ ጽፍሒ ተዋፊሮም ዝርከቡ መንእሰያት ብምርኻብ ቀለቤት ክትፈጥሩ እንተኽኢልኩም እቲ ለውጢ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከተረጋግጹዎ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ። ኣብዚ መስርሕ ድማ ንፍልልያት ከይፈራሕኩም ብምጽውዋር ሓድነትን ከትከዱ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።

 ኣብ ምጥቕላል ዶር. ኣሰፋው፡

ንጹር ናብ ስርዓት ደሞክራሲን፡ ምምላስ ክብረት ሰባትን (to restore democracy and dignity) ዝጠመተ ራእይ ምህላው

ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው መንእሰያት ምርኻብ

ኩሉ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ደው ዝበለ ከም መሓዛ ምኻኑ ምፍላጥን ኣብ ዝክኣል ድማ ብሓንሳብ ምስራሕ

እዚ ማሕበር መንእሰያት ምስ ኤርትራውን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስቶም ኣብ ዓለምናን ዞባና ለውጢ ዘምጽኡ ዘለው ማሕበራት መንእሰያት ርክባት ምፍጣር፡

ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣትሪሩ ኣተሓሳሲቡ

ቀጺሉ መንእሰይ ተስፋልደት በላይ፡መንእሰይ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩዝበሃል፡ መንእሰይ ንለውጢ ምስ ዝሰርሕ ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ አተሓሳሲቡ። አስዒቡ እቲ መድረኽ ናትና ናይዞም ናይ ሎም መንእሰያት ስለዝኾነ፡ ንሕና ኣብ ኩሉ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብና፡ ኣብ ኩሉ ዝፍጠር መድረኻት ናብ ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን፡ ረብሓናን ንምቕያር ብንጥፈት ክንዋሳእ ኣለና ኢሉ። ቀጺሉ፡ ብዛዕባ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ መንእሰያት ተራኦም ክጻወቱ ከምዘለዎምን፡ ታሪኻዊ ግድነት ከምዝኾነ ገሊጹ።

 ድሕሪዚ መድረኽ እዚ ሰፊሕ ናይ ሕቶን መልስን ባይታ ተፈጢሩ፡ ሰፊሕ ሕቶታትን፡ ርሱን ክትዓትን ተኻይዱ።

ኣብ መደምደምታት ሕቶታትን መልስታትን፡ መድረኽ ንኣባላት ፈጻሚት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ብምርካብ ንማሕበር ዝምልከት ሕቶታትን፡ ርእይቶታን ቀሪቡ፡ መልስታትውን ተዋሂቡዎ።

ኣብ መወዳእታ፡ በቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝመጹ፡ ብሉጻትን ሰብ-ዕላማን ስነጥበባውያን ኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሙሴ በየነ (ቆርጥሚ) ሃብቶም በርሀ (በርኔንተ) ኣሮን ነጋሲ፡ ፋሲል መኮነን ኣባላት፡ ንተሳተፍቲ ብምኡዝ ቃና ዘለዎ ሙዚቃታት ንህዝቢ ከዘናግዑ ኣምስዮም።

እቲ ውዕሎ ካልኣይ ድማ መዓልቲ ብዓወት ተዛዚሙ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንኣጋይሽ እናመጎሰ፡ እቲ ዘቕረቡዎ ሰነዳትን ርእይቶታን ዝሃቡዎ መልስታትን፡ ናይ ባዕሎም ናይቶም ኣቕረብቲ ምዃኑ ይገልጽ።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,272,303 وقت التحميل: 0.31 ثانية