ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሳንታሮዛ
ብ ህዝባዊ ሽማግለ
ንጉባኤ- በይ ኤርያ
ህዝባዊ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ፡ ዘተ ንጉባኤ ብዝብል ኣርእስቲ ንዕለት 19/3/2011 ኣብ ሳንታ ሮዛ፡ ኣፈናዊ
ህዝባዊ ኣኼባ ይጽውዕ። እዚ ኣኼባ እዚ ሃገራዉን ህዝባውን ጉዳያት ንምዝታይ ዝዓለመ እዩ። ዘተ ንጉባኤ፡ ካብ ህዝቢ ዝቐርብ
ሕቶን ርእይቶን፡ ለበዋ ይኹን ተቓዉሞ ንኽቕበል ተደጋጋሚ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣብ በይ ኤርያ ከካይድ ከምዝኾነ የፍልጥ።
ከምዚ ንምግባር ከኣ፡ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ንጎድኒ ገዲፉ፡ ንምሉእ ህዝቢ ብዘይኣፋላላይ ዝዓምም ኣኼባ
ከካይድ ይዕድም ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ደጋፊ ዋዕላ ይኹን ተቓዋሚ፡ ሰማዒ ይኹን ተዓዛቢ፡ ብሓጺሩ ብምልኡ ኤርትራዊ ዜጋ ክካፈሎ
የተባብዕ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዝወዓለ ክትዓትን ዝቐርብ ሓሳባትን ቃል ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ከምዘለዎ ኣኪቡ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ
ንጉባኤ ከቕርቦ እዩ።
ስለዚ ኣባላት ህዝባዊ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ፡ ኣታሃላልዋ ሃገርናን ህዝብናን ብምርዳእ፡ ከም ህዝቢ ኮፍ ኢልና
ብልዝብ ናይ ምምይያጥ መኣዲ ፈጢርና መፍትሒ ከነናዲ፡ ናይ ምሉእ ህዝቢ ምውሳእ ከምዘድሊ ተረዲእና፡ ነዚ ህዝባዊ ኣኼባ እዚ
ብጽቡቕ መንፈስን ትምኒትን ክትካፈልዎ ንዕድመኩም።
ህዝባዊ ሽማግለ ንጉባኤ- በይ ኤርያ
ብድሓን ምጽኡ
ቦታ ኣድራሻ 3575 Mendocino Ave
ዕለት 19/3/2011 ግዜ 11:00
a.m.
|