Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣብ ስዊዘርላንድ 16 ዝኣባላታ ሽማግ&#4
أخبار

ENCD March 2011.jpg

ኣብ ስዊዘርላንድ 16 ዝኣባላታ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ቖይማ።

ሓንቲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ስዊዝ፡ በቶም ካብ ከተማታት በርን ፡ ኒው-ሻተል፡ ሶሎቱን፡ ኣራው፡ ቮ(Vaud)፡ ጀነቭ፡ ባዝል፡ ዙሪክ፡ ሉዘርን፡ ሽዋይዝ፡ ሉጋኖን ፍሪቡርግን ዝመጹ፡ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዘለዉ ኤርትራዉያን፡ ብ 27 ለካቲት 2011 ቖይማ።  ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቲ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

እቲ ኣኼባ፡ ብስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታት እዩ ተፈሊሙ። ሓው ጊላዋይ ስዒድ (Modayna Admin) ፡ ኣባል ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ዋዕላ፡ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምምሕልላፍ፡ ኣኼበኛታት ነቲ መጸዋዕታን ዕድመን ኣኽቢሮም ብምምጻኦም ኣመስጊኑ። ብድሕር’ዚ፡ ሓው የማነ ገብረማርያም፡ ተሳታፊ ሃገራዊ ዋዕላን ኣባል ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ዋዕላን፡ ብሽም እታ ሽማግለ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊቱዎ። ነቲ ኣኼባ’ቲ ተሰሪዑ ዝነበረ ዛዕባታት ድማ፡ ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

ብድሕር’ዚ፡ መድረኽ ንሓው ቢንያም የማነ፡ ተሳታፊ ሃገራዊ ዋዕላን ኣባል’ታ ሽማግለን፡ ነቲ መድረኽ ኣረኪቡ። ሓው ቢንያም፡ ካብ ኣመሰራርታን ኣገባብ ዉክልናን ሽማግለ ዋዕላ - ስዊዝ ብምብጋስ፡ ንትዕዝብትታቱ ኣብቲ ዋዕላ፡ ኣብ መጻኢ ክህልዉ ዝኽእሉ ብድሆታትን ብምዝርዛር፡ ምምስራትን ዕላማታትን ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣመልኪቱ፡ ኣፈናዊ መግለጺ ሂቡ።

ስዒቡ፡ ሓው ጎይትኦም ክፍሎም፡ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላን ተሳታፊ’ቲ ዋዕላን ነቲ መድረኽ ሒዙ። ሓው ጎይትኦም፡ ነንሕድሕድካ ምፍላጥ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምጥቓስ፡ ምልላይ ንኽግበር ፡ ንኣኼበኛታት ብዘቕረቦ ርእይቶ መሰረት፡ ኩሉ ተሳታፊ ስሙን ዝመጸሉ ካንቶን(ዞባ)ብምግላጽ ተላልዩ። ኣብዚ ሌላ እዚ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ፓልቶካት ኣመሓደርትን ተሳተፍትን፡ ከም በዓል Obama፡ Modayna፡ Dge፡ Enda Police፡ Hadish_20፡ Shabay፡ ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ ምልላይ ቐጺሉ፡ ብጥርኑፍ ንዝቓለሱ ዕድል ምስ ተዋህበ፡ ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ስዊዝ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘተን ዲሞክራሲን ይዓንብብ ፡ ምንቕስቓስ ብሄር ብሌን፡ ከምኡውን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ቲቺኖ (ሉጋኖ)፡ ምስ ህዝቢ ተላልዮም። ካብኡ ብምቕጻል ፡ ናብቲ መደብ ሕቶን መልስን ተኣትወ።

ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ዝቐረቡ ሕቶታትን ዝተዋህቡ መልስታትን

1 - ወተሃደራዊ ክንፊ ናይ ኪዳን ከመይ ኣሎ? ኣብቲ ዝተፈላለያ ዉድባት ዘሎ ሰራዊት፡ ኣድማዒ መታን ክኸውን፡ ኣብ ሓደ ማእከላይ እዚ እንተዝጥርነፍ ዶ ኣይመሓሸን? ኪዳን ኣብዚ መዳይ’ዚ እንታይ ይገብር ኣሎ?

እቲ ኣብ ዉድባት ዝጸንሐ ኣሰላልፋ፡ ምስ ናይቲ ዉድብ ወይ ሰልፊ ፈለማ ሒዝዎ ዝተበገሰ ዝተኣሳሰር’ዩ። ገለ ኣብ ሃይማኖት፡ ገለ ኣብ ብሔር፡ ገለ ኸኣ ኣብ ህብረ-ብሔር  ዝተመርኮሰ ኣገባብ ኣቓዉማ ጸኒሑ። ኪዳን ዝተወሃሃደ ጥርናፈ ንኽህሉ ይጽዕር ኣሎ።  ንኣብነት ዲሞክራሲያዊ ዉድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ብምዃን ሓባራዊ ስርሒታት ኣብ ምክያድ ይርከብ። ናይተን ካልኦት ውድባት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደ ክመጽእ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ኣብቲ በቲ ዋዕለኛታት ዝወጸ ኣዋጅ’ውን ከም መጸዋዕታ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብዚ ናህና ኣኼባ’ውን ከም ለበዋ ክጥቐስ ይኽእል’ዩ።

2 - እቲ ካናዳዊ ፕሮፈሰር ጆሰቭ ማግኔት ንምንታይ እዩ ናብቲ ዋዕላ መጺኡ? ዕድመኸ ብመን እዩ ተገይርሉ? ብኪዳን ዲዩ ወይሲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ?

እቲ ፕሮፈሰር ፍልጠቱን ተሞክሮኡን ነቲ ዋዕለኛ ንምክፋል ኢሉ እዩ መጺኡ። ደሓር ከም ዝተረዳእናዮ፡ እቲ ጠለብ ብኣብ ካናዳ ዝቕመጡ ደቂ-ብሄር ዓፋር እዩ ተበጋጊሱ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ድማ ነቲ ጠለብ ተቐቢልዎ ማለት’ዩ።  እቲ ኣገባብ ኣመጻጽኡኡ፡ ምናልባሽ ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ሚዛን ይወሃቦ ከይህሉ። እቲ ዝያዳ ዘገድስ፡ እቲ ፕሮፈሰር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ከም ኣካል ናይ ኣበርክቶ (input) ደአ’ምበር፡ ኩሉ’ቲ እሱ ዝበሎ ቕቡል ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ካብዚ ተሞክሮ’ዚ፡ ኣገባብ ተሳታፍነት ኣብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኸኣ፡ ትምህርቲ ኽኸውን ትጽቢት ኣሎ።

3 - እቲ ዋዕለኛ ነቲ ናይ ሕቶ ምንጻል ብሄራት ዓፋርን ኩናማ ብኸመይ ርእይዎ? እዚ ሕቶ እዚ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ተኣፋፊ ኩነታት ሃገር ምልዓሉ’ስ ንምንታይ ኣድለየ?  ህግደፍ’ውን ነዚኣ’ኳ ኣዝዮም እዮም ዝምዝምዝዋ።

እቲ ዋዕላ ፡ ኣብቲ ዘቃልሖ ኣዋጅ፡ ንሓደ ወይ ንኻልእ ብሔር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ብሄራት’ዩ፡ ጠመተ ገይሩ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ማዕርነትን ድልየትን ዝተሰረተ፡ ንብዙሕነት ሕብረተሰብና ዘአንግድ፡ መሰል ብሄራት፡ ኣብ ትሕቲ ሉኣላዊት ኤርትራ ዝረጋገጽ ምዃኑ ከኣ ይኣምን።

እቲ ዝተጠቕሰ ፡ ንህግደፋዊ ፈተነ ምዝመዛ ናይዛ ጉዳይ ብዝምልከት ከኣ፡ ህግደፍ ምስቶም፡ ሕልሚ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዛጊት ዘይገደፎም፡ ‘ዳር ድንበራችን ባሕራችን ነው’ ማለት ‘ዶብና ባሕርና እዩ’ ኢሎም፡ ከም ሓደ ኣካል ፖለቲካዊ ፕሮግራሞም ሒዞም ዝሰርሑሉ ምስ ዘለዉ፡ ንነብሶም ‘ቕንጅት’ ኢሎም ምስ ዝሰመዩ፡ ህላወ ሉኣላዊት ኤርትራ፡ ምስ ዘይተዋሕጠሎም ትምክሕተኛታትን ደመኛታትን ኤርትራ ዝኾኑ ዉድባት ኢዩ ተላፊኑ ዝሰርሕ ዘሎ። ስለዚ ህግደፍ ዝዛረቦን ዝትግብሮን ፈላሊኻ ምርአይ ከድሊ’ዩ።

4 - ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብቲ ዝነበሩሉ ቦታ ወጺኦም ናይ ምንቕስቓስ መሰል ኣይነበሮምን ዝብል ዘረባ ኣሎ። እዚ ማዕረ ክንደይ ሓቕነት ኣሎዎ?

ተሳተፍቲ ካብቲ ዝቕመጡሉ ወይ ዝእከቡሉ ዝነበሩ ቦታ፡ ወጽእ ኢሎም ንኽንቐሳቐሱ ዘይተገብረሉ ምኽንያት፡ ብቐንዱ ናይ ገዛእ ርእሶም ማለት ናይቶም ዋዕለኛታት ድሕነት (safety/security) ቐዳምነት ንምሃብ ስለ ዝተደልየ እዩ። እኳ ደኣ ሓደ ከም ኣዎንታ ዝርኤ ጎድኒ’ውን ነይርዎ እዩ። እሱ ድማ፡ ኣብታ ዝነበረት ናይ ዕረፍቲ ግዜ’ውን ተኾነ፡ እቲ ተሳታፊ ዋዕላ ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ሃገሩ፡ ምሉእ ኣቓልቦ ሂቡ፡ ኣእምሮኡ ብኻልእ ከይተኸፋፈለ፡ በብቲ ዝምችኦ ኣገባብ፡ ንኽዛተየሉ ተወሳኺ ዕድል ዝፈጠረ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።

5 - እቲ ዝተገብረ ዋዕላ፡ ዋዕላ ኤርትራዊ ዲዩ ነይሩ ወይሲ ጽልዋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነይርዎ እዩ?

እቲ ዋዕላ፡ ዋዕላ ኤርትራዊ ኢዩ ነይሩ። ጽልዋ ናይ ኢትዮጵያ ኣይነበሮን። ከም ጎረቤት ሃገር መጠን ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ረብሓ (interest) የብላን ማለት ግን ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ፡ ምዕባለን ልምዓትን ንምምጻእን ድኽነት ንምንካይን’ዩ ዝጽዕት ዘሎ። ነዚ ብዝሓሸ መንገድን ብዝሓጸረ ግዜ ንምስልሳል ግን ሰላም የድልዮ። ኣብ ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ዘይምህላዉ፡  ንኢትዮጵያ ብኣሉታ  ምጽላው ኣይተረፎን። ደሓር ከኣ፡ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ብረታዊ ቓልስና እጃሞም ኣበርኪቶም። ደም ከፊሎምሉ እዮም። ኤርትራ ሓራ ምስ ኮነት እውን፡ ንልኡላዊነታ ኣሚኖምላ።  ብድሕሪኡ’ውን ተኾነ፡ ኣብ ልኡላዊነታ ብምእማኖም፡ ኣብ ህዝባዊ ምርጫ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ዋጋ ከፊሎምሉ እዮም። ነቲ ዋጋ’ቲ ንዘይምኽፋል ግን፡ ‘ኣብ ልኡላዊነት ኤርትራ መትከልና ክንቅይር ኢና’ ኣይበሉን።

እቲ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ‘ውን ተኾነ፡ ኣብ ዘ ሄግ ዝርከብ፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ጠንቑ መርሚሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ነቲ ኩናት ባዕሉ ከምዝጻሕተሮ ብ2005 ኣብ ዝሃቦ ብይን ገሊጹ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ’ውን ነቲ ብይን ተቐቢልዎ እዩ። ግን እዚ ብይን እዚ ብህዝቢ ክፍለጠሉ ኣይደለየን። እሱ እዩ ከኣ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ጸገማት። ስለዚ፡ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ምርኣይን ነቲ ሓቂ ምፍላጥን ኣገዳሲ’ዩ።

6 -እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ግን ከኣ ኣብ ተግባር ዘይወዓለ ቕዋም፡  ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣይተቐበሎን ዝብሃል ዘረባታት ኣሎ። እዚ ማዕረ ክንደይ ሓቕነት ኣለዎ? ኪዳን ብድሕር ሕጂ ስልጣን የብሉን። እቲ ዝነበሮ ስልጣን ብሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተመንዚዑ እዩ ዝብሃል ዘረባታትከ?

ዛጊት ብዘሎና ርድኢት፡ እቲ ሓዲሽ ተመዚዙ ዘሎ ኮሚሽን፡ ነቲ ናይ ኣብ እዋን ፈደረሽን ዝነበረ ቕዋም 1952፡ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቕዋም፡ ብድሕሪኡ ኣብታ ሃገር ዝሰዓበ ለውጥታትን ኣብ መጻኢ ክህሉ ዝኽእል ኣንፈታት ኣብ ግምት ብምእታውን እዩ ነቲ ንድፈ መሰጋገሪ ቅዋም ክነድፎ። ኪዳን ነቲ ናይ 1997 ቕዋም ኣይተቐበሎን ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣይሰማዕናን ዘሎና።

ናይ ስልጣን ደረት ብዝምልከት፡ እቲ ብሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንኮሚሽን ንኸሰላስሎ ተዋሂብዎ ካብ ዘሎ ዕማማት ሓደ፡ ንድፊ መሰጋገሪ ቕዋም ምስንዳእ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ናይ ስራሕ ምክፍፋል እዩ ተገይሩ።  እተን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኪዳን ዘለዋ ፖለቲካዊ ሰልፍታት/ዉድባት ነናተን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣለወን። ኣብኡ ተሞርኪሰን ከኣ ምቕላሰን ይቕጽላ ። ደሓር ከኣ ቕዋም ብፖለቲካዊ ሰልፍታት ጥራሕ ዝብሓት’ውን ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ከምኡ’ውን ኪኢላታት ሕጊ ይሳተፍዎ እዮም።

ንኣካየድቲ ማሕበር ሰላምን ዲሞክራሲን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቐረበት ሕቶ፡-

7. እቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ንኽካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ መዓልቱ ተረጋጊጹ ድዩ? ሓድሽ ሓበሬታ ኣሎ ዲዩ?

ን 25 መጋቢት 2011 ንኸነካይድ ንዝምልከቶ ኣካል ጠለብ ኣቕሪብና፡ እቲ ወግዓዊ መልሲ ኣብ ኢድና እኳእንተዘይበጽሐ፡ ኣዎንታዊ መልሲ ከም ዝወሃበና ርግጸኛታት ኢና። ናይ ቕድሚ ሕጂ ተሞክሮና ዘረጋግጾ ከኣ ነዚ’ዩ። ስለዚ፡ ኩላትና እቲ ዘድሊ ምቅርራብ ምግባርና ክንቕጽሎ ኣለና።

እቲ ሕቶን መልስን ርእይቶታት ተወሲኽዎ፡ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ብዘዓሰሎ ኣገባብ ምስ ቀጸለ ድማ፡ እታ ሽማግለ ህዝቢ ንዋዕላ፡ ስርሓ ኣብቒዓ፡ ብሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ናብ እትትከኣሉ መድረኽ ተሰጋገረ። ነዚ ንምትግባር ድማ፡ መደብ ምርጫ’ታ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ተጀመረ። ኣብቲ ዓይነት ኣመራርጻ ብዝምልከት፡ 2 ኣገባባት ንአኼበኛ ቀረበ። እሳተን ከኣ፡-

1 - ሓድሽ ምርጫ ተኻይዱ፡ ካብ ኩለን ከባቢታት፡ ብቕዓትን ድልየትን ዘለዎም ሰባት ክምረጹ

2 - ኣብታ ዝነበረት ሽማግለ ህዝቢ ንዋዕላ፡ ብቕዓትን ድልየትን ዘለዎም ሰባት መሪጽካ ብምዉሳኽ፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ከምዝቐውም ምግባር

እቲ ገዛ ንኽልቲኡ ኣማራጺታት ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ኣገባብ ተሰማምዐ። ብመሰረት’ዚ፡ 16 ዝኣባላታ ሽማግለ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መሪጹ። እታ ሽማግለ፡ ምስ ኣቓውማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብዝመሳሰል ዝተወደበት ኮይና፡ 5 ኮሚተታት ዝሓቖፈት እያ። እተን ኮሚተታት ድማ፡ ንጉዳያት ህዝባዊ ስርርዕ፡ ጉዳያት ፖለቲካ፡ ጉዳያት ዜናን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስ ዝከታተላ ኣሃዱታት ኮይነን፡ ሓደ ተቖጻጻሪ ድማ ኣለወን።

ዝተመሓላለፈ ለበዋታት

1 - ህግደፍ ኣብ ስልጣኑ ከይተተንከየ ንኽጸንሕን ንተቓዋሚ ሓይሊ ንምምካንን፡ ካብ ዝጥቐመሎም ቐንዲ መሳርሒታት ሓደ፡ ፍርሒ ኣብቲ ኣእምሮ ናይቲ ህዝቢ ከምዝሰርጽ ብምግባር’ዩ። ስለዚ፡ ፍርሒ ከነወግድ ክንክእል ኣሎና። ፍርሒ ምስ እነወግድ፡ ናይ ህዝቢ ማዕበል ዝዕዓግቶ ሓይሊ ስለ ዘየሎ፡ ህግደፍ’ውን ምስቶም መሰልቱ፡ ክለግስ እዩ።

2 - ምጥርናፍ ኣገዳሲ’ዩ። ምስ እንጥርነፍ፡ ውጽኢት ዘለዎ ተቓውሞ ክንፈጥር ንኽእል። ስለዚ ጥርናፈ ብዝሓሸን ብዝጸፈፈን ኣገባብ ክቕጽል ክኽእል ኣለዎ።

3 - ብዛዕባ መንነትና ወይ መበቆልና ምዝራብ ጌጋ ወይ ገበን ኣይኮነን። ሰብ ብመንነቱ ክኾርዕ ክኽእል ኣለዎ። ፈለማ ዉልቀ-ሰብ፡ ደሓር ቤተ-ሰብ፡ ዓዲ ኣውራጃ፡ ከምኡ እንዳበልካ ድማ ሃገር ትበጽሕ። እወ፡ ኣነ ካብዚ ቦታየ ምባል እንታይ ነውሪ ኣለዎ? የብሉን።  ብሄራትና፡ ኣውራጃታትናን ሃይማኖትናን እኳ ሃብቲ ሃገርና እዮም። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ምስ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ዝጋጮ ወይ’ውን ትሕቲ-ሃገራውነት ዝእንፍት ኣይኮነን። ብግልባጡ፡ ህግደፍ ትሕቲ-ሃገራውነት’ዩ ብዝብል ካባ ዝሕባእ ክነሱ፡ ንህዝብና ብብሄር፡ ብሃይማኖት፡ ብቐቢላ፡ ብኣውራጃን ከፋፊሉ፡ ሓድሕዳዊ ምንቋት ንኽህሉ ይጽዕት ኣሎ። ስለዚ፡ ከይንህመል ነዚ ምስትብሃል ኣገዳሲ’ዩ።

4 - ኣብ ኪዳን ዘለዉ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኣብ ሓደ ክሰምሩ ክኽእሉ ኣለዎም። ዝተወሃሃደን ብሓደ ዝምእከልን ሰራዊት ተቓዉሞ ምስ ዝህሉ እዩ ስርዓት ህግደፍ ክምሖ ዝኽእል።

5 - ኣብ ኣጋ መወዳእታ ወርሒ ኣብ ጀነቭ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ተቓዋሚ ደንበ፡ ዘሎዎ ድሉዉነት ዝያዳ ክድልድልን ተወሳኺ ጎስጓስ ክካየደሉን፡ ሽፍትነት ንዝመረጸ ስርዓት ኤምባሲታት ስለ ዘየድልዮ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ፡ ጀሚርዎ ዘሎ ኣበየ ቤት ጽ/ት ኤምባሲታት ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባር መስርሕ ክቕጽል 

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቲ ተሳታፊ ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተንጸባረቐ ሰናይ መንፈስ፡ ትስፉው ሃዋህዉን ሕድሕዳዊ ምትእምማንን፡ ናህሩ ንኸዛይድ ብምልባው፡ ምስ ኩሎም ኣካላት ተቓውሞ ደንበ ርክቡ ከም ዘደልድል ብምርግጋጽን  ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ፡ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ።     

ሰማእታትና ብተግባር ይዘከሩ!!

እዋኑ፡ እምቢ ንምልኪ፡እወ ንስርዓተ-ሕጊ ዝበሃለሉ እዩ!!

ሽማግለ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ - ስዊዘርላንድ

ንርእይቶታትኩም - E-mail:

 nshmagleswiss@yahoo.com

www.ENCDC.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,273,269 وقت التحميل: 0.22 ثانية