Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
 ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ &#47
أخبار

Er Na Com Jan  2011.jpg

 ጋዜጣዊ መግለጺ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዕለት 09 ለካቲት 2011 ክልተ ወከልቲ

 ንኣባልነት ኮምሽን ናይቲ “ዘተን ደሞክራስን ይዓንብብ” ብዝብል መድረኻዊ ጭርሖ ዝተበገሰ

 ሸነኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ምቕባሉ ንመላእ ህዝብን ሓይልታት ደሞክራስያዊ

 ለውጥን በዚ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዚይሕብር።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ

 

 ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሳዊ ለውጢ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ

 

ይፍለጥ። እዚ ኣካል’ዚ ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝርከቡ ፖሎቲካዊ

 

 ሓይልታት፡ በርጌሳዉያን ማሕበራት፡ ስደተኛታት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡

 

 መንእሰያት፡ ገዳይም ሓርበኛታትን ግዱሳት ውልቐ ሰባትን ዘካተተ ብ53 ኣባላት ዝቆመ ኣካል’ዩ።

 

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ብገዛእ ድሌቱ አብሃገራዊ ዋዕላ ተሳትፍኡ ዝነፈገ ፖሎቲካዊ

 

ሓይሊ’ኳ እንተነበረ፡ ዋዕላ ንርሑቕ ብምቁማትን ልቢብምዕባይን ብጽሒት ክልተ ወከልቱ ክሰድድን

 

ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ምስ ኮምሽን ተሓባቢሩ ክሰርሕን ብምዓረ ከም ኩሎም አባላት ውዱባት ኪዳን ክፉት ዕድል

 

 ከምዝተዋሃቦ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብመሰረት ውሳኔ ዋዕላ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ

 

 ህዝቢ ኤርትራ ወከልቱ ክሰድድ ብሓንጎፋ ክጽበ ምጽንሑ ዘይኸሓድ’ዩ። እንተኾነ ግን ሰልፊ ደሞክራሲ

 

 ህዝቢ ኤርትራ ደጋጊሙ ብዕውት ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ውሳናተቱ ዘይምእዘዝን ዘይቕየድን ምዃኑ ብምግላጹን እቲ

 

 ንዕኡ ዝተሓዝአ ክልተ ቦታ ንምምላእ፡ ወከልቱ ክሰድድ ፍቓደኛ ኮይኑ ብዘይምርካቡን ኮምሽን ብ51 ኣባላት

 

 ማለት ብክልተ ጎደሎ ቁጽሪ ክሰርሕ ተገዲዱ ምጽንሑ ዘይሰሓት’ዩ።  

እቲ “ዘተን ደሞክራስን ይዓንብብ” ብዝብል መድረኻዊ ጭርሖ ዝተበገሰ ሸነኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ብዕውት ውሳኔታት ሃገራዊ ዋዕላ ምእዙዝን ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብዘይዝኾነ

 ቅድመ ኩነት ተሓባቢሩ ክሰርሕ ድልውነቱን ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ ኮምሽን ወከልቱ ኣቶ መሓመድ

 ኑር ኣሕመድን ኣቶ መኮነን ሃይለን መዚዙ ምስዳዱን ኮምሽን’ውን ነዚ ቅቡል ምውሳዱን የረጋግጽ።  

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን እቲ ክልተ ጎዲልዎ ዝነበረ ቁጽሪ ኣባላቱ መሊኡ ነቲ ኣብ ዋዕላ

ዝተዋሃቦ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕን: ንክሉ ደላዪ ለውጢ ብዘይአፈላላይ ዘሳትፍ ሃገራዊ ጉባኤ

 ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ግዚኡ ንምግባእን ብርቱዕ ጻዕርታቱ ህያውን ቀጻልን ምዃኑ

 እናሓበረ፡ ንኣባላት ኮምሽን ኣቶ መሓመድ ኑር ኣሕመድን ኣቶ መኮንን ሃይለን ሃገራዊ ጉባኤ ብክንድ’ቲ

ትጽቢታት ህዝብና ንምዕዋቱ ኩሉ ዓቕምታቶም ጸንቒቆም ብተወፋይነት ከምዝሰርሑን ልዑል ሓላፍነታዊ

እጃሞም ከምዝጻወቱን ልባዊ እምነቱ ይገልጽ። ኣብዚ ታሪኻዊ ዕማም’ዚ ከኣ ምስ ኩሎም ብጾቶም ኣባላት ኮምሽን

 ዓወትን ኣሳልጦን ክጓናጸፉ ንምነየሎም።

ሃገራዊ ጉባኤ ብተሳትፎ መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክዕወት’ዩ!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቀትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

21 ለካቲት 2011

WWW.ENCDC.COM

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,274,589 وقت التحميل: 0.20 ثانية