Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ጋዜጣዊ መግለጺ
أخبار

Shar Al Tahalf 2.JPG

ጋዜጣዊ መግለጺ

ብዛዕባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኣቦ መንበርነት ሓው ወልደየሱስ ዓማር

ዝምራሕ ሸነኽ ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ምስሓቡ ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ህጹጽ ኣኼባኡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወሽጢ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸስተ ምፍንጫል ኣመልኪቱ ኣብ ዝመያየጠሉ ዝነበረ ህሞት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ብዕለት 23 ጥሪ 2011 ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ምስሓቡ ብዕሊ ኣዊጁ፡፡ ኣብዚ መግለጺ እዚ ካብ ምምስራት ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ጊዚያት ብርክት ዝበሉ ኣብ ሓቅታት ዘይተመርከሱ ክስታት ደርዲሩ ምህላው ማእካላይ መሪሕነት ተገንዚቡ፡፡ ብዛዕባ እዚ ናይ መስሓቢኡ ኢሉ ደርዲሩዎም ዘሎ ምኽንያታት እዚኣቶም ብዝምልከት ከኣ ኤ.ዲ.ኪ ከም ተደላይነቱ እናረኣየ ኣብ ቀጻሊ መብርሂ ክህበሉ እዩ፡፡

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ብኣቦ መንበርነት ሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ነቲ ንመላእ ደንበ ተቓውሞ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ዋዕላ ክጋባእ ብሓድነታዊ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ዝተወሰነን ብማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣብ ተግባር ክውዕል ዝተወጠነን ክዕንቅፍ ከም ዝጸነሐን ውጽኢቱ ከም ዝነጸገን ዝፍለጥ እዩ፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዚ ሸነኽ እዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ካብ ክኽተሎም ዝጸነሐ ፕሮፖጋንዳዊ ናይ ጸለመ መጥቃዕታት ብምርሓቅ ኣብ መድረኻት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዚ ሓደገኛ ኣንፈቱ እዚ ብምግምጋም ጉድለታቱ ንኽእርም ብተደጋጋሚ ከተሓሳስብ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኤ.ዲ.ኪ ብሕጋውን ፖለቲካውን መንገዲ ቅድም ይኹን ሕጂ ተሳትፎ ሓፋሽ ህዝብናን ተቃለስቲ ሓይልታቱን ክዓዝዝ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ዓቅሙን ወድዕነቱን ክቃለስ ዝጸነሔን ዘሎን እዩ፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዚ ማእከሉ ገይሩ እዋናዊ ገድላዊ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ድኣ እምበር እዚ ሰልፊ እዚ ኣብቲ ከም ቀንዲ ውራዩ ተታሓሕዝዎ ኣብ ዘሎ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ምውድዳርን ናይ ጸለመን ቆይቅን ዓዘቅቲ ተሸኽሉ ማእዝኑ ክስሕትን ካብ መስመሩ ከውጽእን ዝግበር ኣካይዳታት ከም ቀንዲ ቀዳማይ ውራዩ ገይሩ ከምዘይርእዮ ሕጂ እውን ደጊሙ ይገልጽ፡፡ ኩሎም ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ሓይልታትን ምንቅስቓሳትነ ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ህዝብና ካብ ዝሓልፎ ዘሎ ስቓይ ቀልጢፉ ንኽገላገል ንእዋናዊ መድረኻዊ ዕማማት ተጋድሎና ንምዕዋት ኩልና ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ብንጥፈት ክንዋሳእ ማእከላይ መሪሕነት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ይጽውዕ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዚ ሰልፊ እዚ ካብቲ ሰፊሕ ጽላል ሃገራዊ ግንባር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ምስሓቡ ምኽንያታዊ ገይሩ ኣይወስዶን፡ መፍትሒ እዩ ኢሉ እውን ኣይርእን፡፡ ንክህልዎ ዝኽእሉ ካልኣዊ ፍልልያት ብካልኣዊ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ክሊ እዚ ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ሓባር መደብ ዕዮ (ቻርተርን) ቁዋምን ማእከሉ ገይሩ ብሓባራዊን ካዕባውን ብቀጻሊ ዝካየድ መስርሕ ናይ ልዝባትን እንካን ሃባን ጉዕዞ ናይ ቃልስን ክጽዕት ዝግባእ ድኣ እምበር እቲ ዝወሰዶ ናይ ምንስሓብ ምርጫስ መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይኮነ ማእከላይ መሪሕነት ርእዩ፡፡ ስለዝኾነ ኸኣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ሕጂ እውን እንተኾነ ዳግም ክርእዮን ብእሩም ናይ ሓድነትን ቃልስን ኣገባባት ክሕዞን ምስቲ ኩሉ ክህልዎ ዝኽእሉ ፍልልያት ኣብ ምጥርናፍ ደንበ ተቓውሞ ኣውንታዊ እጃሙ ክጻወት ናብ ክጋባእ ዝዋደድ ዘሎ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክሳተፍን ተርኡ ከበርክት ማእካላይ መሪሕነት ይጽውዕ፡፡

ማእከላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

24 ጥሪ 2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,306,551 وقت التحميل: 0.24 ثانية