Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ቅልዕቲ ለበዋ ንተካፈልቲ ጉባኤ ኤ&#465
أخبار

Er ro for St and Un Opp 2011.jpg

ቅልዕቲ ለበዋ ንተካፈልቲ ጉባኤ ኤርትራዊ ዴሞክራሲያዊ ኪዳን፡ የካቲት 2011

ዝኸበርኩም/ክን  መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሳዊ ኪዳን ተካፈልቲ ጉባኤ...!

ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ብተወሳኺውን፡ ግዜኹምን፣ ዓቅምኹምን፣ ንዋትኩምን፣ ከይበቐቕኩም፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣብ ትሕቲ፡ ጮቛኒ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ሃገርና፡ ዘሕልፎ ዘሎ ሕሱምን መሪሪን ናብራ ንኽጋላገል፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዕኩም፣ ተባዕን ዘይሕለል ቃልስን፡ ተካይዱ ምህላውኩም፡ ሞጎስን ምስጋናን ይብጻሕኩም። ብምቕጻል ብሓሙስ ዕለት፡ 06. ጥሪ 2011 ... ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ፓል-ቶክ (Paltalk)Eritrean room for Strong and United Oppesition ተራኺብና ብምዝታይ፡ ትጽቢትናን ትምኒትናን ካብዚ ጉባኤዚ፡ ከመይ ይመስል፡ ድሕሪ ምፍታሽን፡ እነሆ ብለበዋ መልክዕ ነቅርቦ።

ትጽቢትና ትምኒትናን ካብ ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን 2011 ከመይ ይመስል ...?

ኩላትና፡ ብፍላይ ካኣ እዞም፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣሊኻ፡ ብደሞክራሲያዊ ሰርዓት ክትካእ፡ እንቃለስ ዘሎና ደቂ ሃገር ከምእንፈልጦ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ዝለዓለ ጠለብ ናይ ህዝብና ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ካብዚ ሰብ ምዃን ፈንፊኑ ናብ ኣራዊት ዝተቀየረ፣ ደም ደቂ ሃገር እንዳመጸየ፣ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር መዋእል ከረጋግጽ፣ ዝፍትን ስርዓት ውልቀ-መላኺን ናይ ገበን መሻርክቱ ህግደፋዉያንን ተገላጊሉ፡ እቲ ተነፊግዎ ዝነበረን ዘሎን ክብሩን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሕጊ ክረጋገጸሉ፤ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ፡ ንዕብየትን ምዕባሌን ብልጽግናን ሃገሩ ክሰርሕ፣ እዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ግን፡ እዚ ኣብ ወርሒ 02. 2011 ዓ.ም.ፈ. ክግበር ታሓሲቡ ዘሎ ጉባኤ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ፡ ከም ለበዋ ኣቐሚጥናዮም ዘሎና፡ ከም ምዕባሌታት ውጽኢ ናይ ጉባኤ ኮይኖም ምስዝመጽኡ እዩ፡ ዝብል ዕግበታት ኣሎና።

ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ክሰርሓሉን ከተግብሮን ዘለዎ ነገራት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ ካብ ኲሉ ደቂ ኣንስትዮ ይኹን መንሰያት፡ ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክዕጠቅሉ ዘኽእሎም ምቹእ ባይታ ምፍጣር። ብተወሳኺ’ውን፡ ፍናን ህዝብና ሓፍ ክብል፡ እተን ወታሃደራዊ ክንፊ ዘለወን 8 (ሾሞንተ) ውድባት፡ ኣብ ክንዲ በበይነን፡ ብሓደ መሪሕነትን ኮማንዶን ክዋሳኣ፡ ኪዳን ሓደ ውሳኔ ከገብርን ክእውጅን ኣለዎ።

ብመሰረት ዉጺኢት እቲ ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሳዊ ለዉጢ፡ ኣብዚ እዋናት’ዚ ህዝብና ይላዓዓል ስለዘሎ፡ ነዚ ሓቅታት”ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዕድመ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ክሓጽር፡ ንዝፈላልዩኹም ናእሽቱ ነጥብታት ኣብ ጎድኒ ገዲፍኩም፡ ነቶም ዝዓበዩን ዝበዝሑን ዘራኽብኩም ነጥብታት፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ብምስራዕ፡ ነዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ከምዝመዝ ምእንቲ፡ ብሓደ እውነታዊ ውሳኒ ክትወጽኡ፡ ትጽቢት ናይ ኩሉ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ወዲ ሃገር እዩ።

ኣብ ግዜ ምሕዝነት ይኹን ኣብ ግዜ ኪዳን፡ ብሰንኪ፡ ”መን ክመርሕ ኣለዎ”፡ ዘብል ሕቶ ዘይምስምማዕ፡ ሞራልን ሕልናን፣ ናይ ምቅላስ ሽውሃት፣ ደቂ ሃገር ዝሰብር፡ ውሳኔታት፣ ምግምማዕ፣ ምብትታን፣ ከም እተራኣየ፡ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ሕጂ ግን፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ህዝብና ኣብ ምጽናት ዘቃላጥፈሉ ዘሎ እዋናት፡ መን ይመርሕ፡ ዝብል ሕቶ ይኹን፡ ፖለቲካዊ ረብሓ ውልቀ ውድብ ኣብ ጎድኒ ገዲፍኩም፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከም ወሳኒ ኣጀንዳ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ብምስራዕ፡ ብናይ ሓባር ውሳነ ክትወጽኡ ዘሎና ትጽቢት መዳርግቲ የብሉን። ብተወሳኺ’ውን፡ ንሕጊ ኪዳን ዝጠሓሰት ዉድብ/ ሰልፊ ብዘይነሓፍነት ክትቕጻዕ ከምዘለዋ ብንጹርን ብዘይየሻሙን መንገዲ መምሪሒታት ከተውጽኡ ንላቦ።

ኣውያት መንእሰይ ኤርትራ ንሰምዖ ኣሎና። ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ሳህራ፣ ኣብ ምስጋር ባሕርን፣ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ፡ ንጸላኢኻ’ውን ኣይትምነየሉን። መስሓቅ እቶም ነዚ ኪዳን ንኸይዕወትን ከይሳማምዕን፡ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ከይንኸውን፡ ኪዳን እቲ ናይ ደገ ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ብልጫታት ተጠቂሙ፡ ሽግር መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ግብጺ ይኹን፣ ኣብ ልብያ፣ ዝቃለለሉ መገዲ ክርከብ፡ ኣብ ጉባኤኡ ብዕቱብ ክመያየጥሉን፡ ብናይ ሓባር ውሳኔ ክወጽእን ንላቦ።

ዝሰርሕ ኣብ ገለ እዋናት ክጋገ ባህርያዊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኪዳን ብምኽንያት ናእሽቱ ነገራት ኣብ ዘየድሊ ምስሕሓብ ኣብ ክንዲ ዝኣቱ፣ ፖለቲካዊ ረብሓ ወልቀ-ውድብ ብምቅዳም፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘታባብዕ፡ ዘየድሊ ወጥርታት ካብ ምእታው፣ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ፡ ዝብል ኣምር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ብምስራዕ፡ ህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ውሳኔ ሒዝኩም ክትወጽኡ፡ ትጽቢትና እዩ። ብተወሳኺ’ውን ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተኻፋልነት ጉባኤ ኣዕጋቢ ዝኾነ ባይታ ዝፈጥር ውሳኔታት ሒዝኩም ክትወጽኡ ንላቦ።

ኪዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣተዎ ቃል ነይሩ፡ ንሱ ካኣ ምትሕንፋጽ ሰራዊት እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ክሳብ እንታይ ገይሩ፡ ዝፍለጥ ምዕባሌታት የልቦን እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝኣተዎ ቃል ከትግብር ንላቦ። ከምኡ’ውን ኣብ ጉባኤ ግሉጽነት ክስራሓሉ ምእንቲ፡ ካብተን ዘለዋ ነጻ ናይ ዜና ማዕከናት፡ ኣብ ጉባኤ ዝካፈለሉ ዕድላት ክህሉ ኣለዎ ንብል። ብተወሳኺ እውን፡ ኪዳን ኣብዚ ዝገብሮ ዘሎ ጉባኤ፡ ካብ ኩሉ ቀጸላታት ህዝቢ ከም ታዓዛቢ ተዓዲሙ ዝካፈለሉ ዕድል ክኽፈት ኣለዎ። እዚ ኻኣ ንረብሓ ኪዳን፣ ንረብሓ ጉባኤ፣ ንረብሓ ህዝቢ እዩ።

ኪዳን ኣብ ደገ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ ዓለም፡ ሽምግለታት መስሪቱ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣዕጋቢ ስራሕ ክሰርሕ ኣይተራኣየን። ካብ ሕጂ ንንየው ግን፡ ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱ ክማሓየ፡ ሽማግለታቱ ክሳርሓሉ ዝኽእላ፡ ኣብ ጉባኤ ውሳኔታት ሒዙ ክወጽእ፡ ኣለዎ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ውሽጣዊ ቅዋም ኪዳን፡ ምምሕያሽት ክገብር ኣለዎ። ኣዚ ማለት ካኣ፡ እቲ ቅዋም ቀያድን ጠርናፍን ኮይኑ፡ ልዕሊ ቅዋም ንዝዋሳእ’ውን፡ ክሳብ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ደረጃ ዘኽእሎ ክኸውን ኣለዎ ንብል።

ብተወሳኺ’ውን፡ ኣብ’ዚ ጉባኤ፡ እተን ክልተ ቦታታት ኮምሽን ብዋዕላ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዋሃባ፡ ግን ክሳብ ሕጂ ዘይተታሓዛ ዘለዋ ናይ ኮሚሽን መንበራት፡ ነቲ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተወሰነ ውሳኔታት ዋዕላ ይቀየደሉን ይምእዘዞን ፣ ንውሳኔታት ዋዕላ ብዘይ ቅድሚ ኩነት ይቅበሎን ይሰርሓሉን፣ ንምሕያል ኪዳን’ውን ብዘይ ቀላዓለም ክሰርሓሉ እየ፡ ዝብል ኣካል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዋሃባ፡ ኣለወን ዝብል ዕግበት እዩ ዘሎና።

ዓወት ጉባኤ ኤርትራዊ ደሞክራኣሲያዊ ኪዳን!

ዓወት ንፍትሓዊን ደሞክራስዊን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ዘልአለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና!

ካብ ኤርትራውያን፡ ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ እውን፡ ብኣገባብ አቃላልሳናን ኣቐዋውማናን፡ ኣንጻር ውልቀ መላኺ ሃገርና፡ እንመያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር።

erfsauo@yahoo.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,300,126 وقت التحميل: 0.21 ثانية