Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ዓወትኩም ሰሚዕናዮ ተቐማጦ ኣውስ&#4725
أخبار

ዓወትኩም ሰሚዕናዮ ተቐማጦ ኣውስትራልያ

ሃብታም ባህሊ ኣሎና ፡ክልተ ኣርእስቲ ዛሓዘት ግጥሚ,

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ።

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ዓወትኩም ሰሚዕናዮ ተቐማጦ ኣወስትራልያ

ህግደፍ ፈስቲቫላ ኣይግድን ኮይኑ ኣእዊያ

በቶም ሓቦኛታት ዝወጻእኩም ኣብ ጽርጊያ

ውጽኢት ቃልስኹም ብዙሕ ኣፍሪያ።

ዓዋተ ምስ ዉሑዳት እዩ ቃሲ ዝጀመረ

ኣጆኹም ክንዕወት ኢና ደቂ ኤረ

ጃንዳ ህግደፍ ክኸውን ነበረ ነበረ

ቀሪብና ኢና ክነፍሪ ፍረ።

ዋሕድኹም ኣይትርኣዩ

ቃልስኹም ብዙሕ ኣፍርዩ

ህግደፍ ምስ ጃንዱኡ በኽዩ

ቢዛ ተኸልኪሎም ቶም ገንዘብ ዛኣርዩ

ህዝቢ ታሓጕሱ ህግደፍ ጉህዩ

ህዝቢ ብህግደፍ ዉሑድዶ ተሳቕዩ

ደጊም ስርዓት ህግደፍ ፈሺሉ እዩ።

ኣብ ፈስቲቫላት ሳዕሲዒት ተራኢይወን

ኣውያት ህዝቢ ዘስቖረን ኣቡኡ ውዒለን

ህዝቢ ደም ይነብዕ ንሰን ኣይግደን

ተሰኒዱ ኣሎ ስእሎም ስእለን

ካብ ኣባላት ኢሰባ ሳዓብቲ ህግደፍ ገዲደን

መንእሰይ ይቕዘፍ እልልታ ተራኢይወን።

ይዋእ ዝወለደኪ ዘእተወስ ይፈትሓኪ

ኤረትራ ሃገረይ ኣብ ዚኦምዶ ወዲቕኪ

እንተ በኸኺ ሲኢንኪ ዝእብደኪ

ፈተውቲ መሲሎም በዚሖም ጸላእትኺ

ትንቢቱ ሰሚሩሉ ኢሰያስ ከጽንተኪ

ጃንዳ ህግደፍ ን20 ዓመት ገዚኦምኺ

ሕጂ ግን ሕነ ክፈድዩ እዮም ደቅኺ።

ሃብታም ባህሊ ኣሎና እንተ ዘይብካ ንዝለመነካ ክትብሎ ይርድእካ።

መንእሰይ ዓዲሙ ምልኪ ብሓይሊ ክእለ

ሰሚዕክምዎዶ መድረ ባዓል ጭለ

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ዝብሉ ታሓንበለ

መንእሰይ ነድሕን ንስደት ከይነቐለ

ኣስላም ክስታን ዝፈላሊ ካብ ሞንጎና ይታኣለ።

ቃል ህግደፍ ትደግም ሜላ ቀይርካት

ኪዳን ምስ ኢቲዮጵያ ኮይኑ ክወረካ

ኪዳን ምስ ህዝቢ ምባኣስ ኮይኑ ጻዕርኻ

ህዝቢ ንግጥምኻ ኢልዎ ያላኻ

እቲ ረመጽ ይልብልብ ናዓኻ

ዳብል ኣጀንት ስለ ዝኾንካ

ንንዱይ ፖሎቲካ ከምዚ ከማኻ

ደጋጊምና ንብሎ ይርዳእካ።

ሰላማዊ ቃልሲ ውን ይሓትት መስዋእቲ

ንህዝቢ ክተዳንግሩ ኣይትበሉ ላዕሊ ታሕቲ

መስዋእቲ ዘይክፈሎ እንተሎ ክንክተሎ ምእንቲ

ኣብ ትሕቲ ጽላል ዳዕሮ ኮፍ ኢልና ዘይንዝቲ

ዶንሕና ዘይንፈልጦ ትስርሑ ኣለኹም ብስልቲ።

ባዶ እንተደመሮ ባዶ ባዶ

ምውርዛይ ዋጋ ኣለዎዶ

ደንበ ኣፍሪስካ ኣይኣኽለካዶ

ባይቶ ከፍርስ ይፋጺ ኣሎ ብማዕዶ።

ዘረባ ጥራይ ዘይብሉ ተግባር

ሕልሚ የብልናን ናብ ስልጣን ምሕኳር

ሕልምና ሕድሪ ስዉኣትና ምትግባር።

ሳዓቢ ክትረክቡ ኣይተብዙሑ ኣውያት

ንሕናስ ኣይንደልን ዳግማይ ብኽያት

ብኽያት ይኹን ንብዓት ኣደታት

ሓይሊ ኣሎ ንስለያ ናይ ኢሰያስ ዑሱባት

ክስዕቡና ኢዮም ምክልኻል ሕይልታት

ኢድ ምትእትታው ንኹንኖ ብትብት

ሓሲብኩም ጻሓፉ ከይትኾኑ ኑዑቓት

ምፍራሱ ኣይተርፎን  እዩቲ ስርዓት

ዘይተርፍ ምዃና አሕዋት

ክልተ ግዝየ ሕሰቡ ኩኑ ለባማት።

ትም ምበልና ግን ዓወት ከይስምዓኩም

ግድን ኮይኑ መልሲ ክንጽሕፈልኩም

ባሓንሳብ አይንሰርሕን ካብ በልኩም

ጸለመ ግደፉ ያአኽለኩም

ኣጸሊሞምና ትብሉ ባዕልኹም ጀሚርኩም

ለበዋ ለባማት ክትሰምዑ ይግባአኩም

እንተ ቀጺልኩም የሎን ዝንሕፈኩም።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,914,903 وقت التحميل: 0.23 ثانية