Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ሰላማዊ ሰልፊን “ፈስቲቫል” ህግደፍ&#47
أخبار

ሰላማዊ ሰልፊን “ፈስቲቫል” ህግደፍን ገጽ ንገጽ (ኣውስትራልያ 2011)

MElbourene B2011.jpg

ዓመት መጸ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ምፍጣጥ ንታሽዓይ ዓመቱ ሎሚ ዘመን’ውን ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ብሳዕብቲ’ቲ ጨፍላቒ ስርዓት ዝተመርጸ ቦታ ተገይሩ። ተቓወምቲ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ከብቕዕ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈኖ ሰርዓት-ምምሕዳር ክህነጽ፡ እምቢትኦም ንዚ ህላወ ሃገር ኣብ ሃደጋ ዘእተወ፡ ዕድመ መንእሰያት ብኾንቱ ዘባኸነ፡ ዜጋታት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዘሕቀቐ፡ መባእታዊ መሰል ነጻ-ፕረስ ዝዓጸወ፡ መሰል ወልቃዊ እምነትዝኾነነ፡ ባህልን ልምደን ህዝቢ ዝደምሰሰ ስርዓት ወልቀ ማላኺ ድምጾም ብተክታታሊ ንክልተ ማዓልታት ብዕውታ ኣስሚዖም።

ትርጉም ፈስቲቫል (ንግደት ወይ ኣውደ-ኣመት) ንባህሊ፡ ሃይማኖት፡ ታሪኽ፡ ቁጠባ ንምንጽብራቕ፡ ሕውነትን ሓድነትን ወዲ-ሰብ ንምዕቃብ ብማዕረን ምሉእ ተሳታፍነትን ህዝቢ ዝግበር፡ ካብ ማሕበራዊ ወጥሪ ንሓጺር ግዜ ተዛንዩ ዝዘናጋዕሉ ናፍቕቱ ዝውጽኣሉ ናይ ፍቕርን ሰላምን ምልክት ኮይኑ፡ ወዲ ሰብ ካብ ጥንቲ ግዜን ቦታን መሪጹ ብተደጋጋሚ ክገብሮ ዝጸነሐ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ድማ በዚ ባህሊ’ዚ ሉሉያት ኢና። ይኹን እምበር ብስም ፈስቲቫል ተማኻንዩ ኣደዳ ፕሮፖጋንዳን ዘመተን ህግደፍ ክንከውን ስለዘይፈቐድና እነሆ ሎሚ ንታሽዓይ ዓመት “ንፈስቲቫል” ህግደፍ ብተቓውሞ ንብድሆ ኣለና። ሎሚ እዚ ኣገባብ’ዚ ከም ቅዲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዝማዕበለ ኣገባቡ ይጥቀምሉ ብምህላዎም ብውጽኢቱ ሕቡናት ኢና። ብዘይሕጊ ምእሳርን ምቕታልን ዝለመደ ስርዓት ኣብዘጻወዶ እኺባታት ተሳቲፍካ ፍቓዶም ሓትቲካ ክትቓውሞም ዘይኮነስ ኣብ ኣፍንጭኦም ተገቲርጋ ዕብድብድ ከምዝብሉ ምግባር ውጺኢትዊ ምዃኑ መልበርን (ኣውስትራልያ) ባዕላ ምስክር እያ።

ብተዛማዲ ክረአ እንከሎ ክሳብ 2001 ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ንዲምክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ነይሩ ክባሃል ይካኣል ሎሚ ድሕሪ 11 ዓመት ግን እቲ ታሪኽ ካልእ እዩ። ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገር ካብ መፈለምትኡ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ምድንጋርን ምትላልን መንግስቲ ህግደፍ ሓሊፉ ብፍትሒ እትመሓደር ድሞክራስያዊት ኤርትራ ክርኢ ሃንቀው ኣብዝብለሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ 2001 ብህግደፍ ሓደጋ ኣጋጢምዎ። ስልጣን ናብ ህዝቢ ምስግጋር ብቅዋም ምምራሕ፡ ብስርዓተ ሕጊ ምምእዛዝ ተሓሲሙ ኣምሳይኡ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ጨፍላቒ ስርዓት ተኺሉ ህዝብን ሃገርን የብርስ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቶም ብግልጺ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገር ዝጠለቡ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጡ ኩሎም እሱራት 2001 ዝተረሰዐ ጉዳይ እዩ ክብለና እስማዕ ኣሎ። እዚ ንተቓውምቲ ጥራይ ዘኮነስ ንደገፍቲ’ቲ ስርዓት’ውን ዘሰደመም መግለጺ ነቲ ወግሐ-ጸበሐ ጭብጥታት ኣሎና ኣብ ቤት ፍርዲ ክነቕርቦም ኢና ዝባሃል ዝነበረ መግለጽታት ምትላል እዩ ነይሩ ኢልና ከንሓልፎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝርከቡ እሱራት ብሂወቶም ከምዘየለዉ ዝሕብር ምልክት ስለዝኾነ፡ ኣተሓሳሳብን ኩሉ ኤርትራዊ ከስተውዕለሉ ዝግበኦ ምዃኑ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ካብዚ ብምብጋስ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያ ደጊም ንስርዓት ህግደፍ ምጽማምን ዕድል ምሃብን ንሃገርካን መንነትካን ምጥፋእ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ክቃወሙ ካብዝጅምሩ ታሽዓይ ዕመቱ ኩይኑ ኣሎ፡ እቲ ብስም ፈስቲቫል ዝግበር ምትላል ድማ ዕርቃኑ ወጺኡ፡ ፈስቲቫል ህግደፍ ማዕረ’ቲ ብስድራቤታት ዝዳሎ ውራይ ጥምቀት ከምዝመዓረረ ገይሮሞ ኣለዉ።

ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምልኪ ንምስዓር መብጽዓ ኣትዮም እዮም። ድምጾም ምእንቲ‘ቲ ድምጹ ከስምዕ ዕድል ዘይረኸበ ዉጹዕ ህዝቦም ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ግዜኦም ጉልበቶም ገንዘቦም ከጥፍኡን ቃልሶም ከሐይሉን ድልዋት እዩም። በዚ ድማ’ዮም ኣብ ማእከል ጽርግያ ተንቀሳቓሲ መድረኽ፡ ጀነሬተር፡  ፕሮጀክተር፡ ዓበይቲ ናይ ባውዛ መብራህቲ፡ ሞግልሒ ድምጺ፡ ናይ ሙዚቃ መሳርሕታት፡ ኮታ ንተግባራት ስርዓት ህግደፍ ዘንጸባርቕ ኩሉ መዳያዊ ጭፍጨፋን ማእሰርቲን ሃገራውያን ዘንጸባርቕ ምስልታት፡ ጭሮሖታት ብዝግባእ ተዳልዩ ኣብ ኣፍደገ ናይቶም ስቓይ ህዝቦም ዘይዓጦም ተሳተፍቲ ጓላን ዳንኬራን ህግደፋውያን ተዳልዩ ክረአ ቀንዩ።

ስም ስለዘይተርኽቦን ብዘልማድን “ፈስቲቫል” ኢልና ክንጽዎዖ ንግደድ ምህላውና ኣናጠቐስና፡ እቲ ብ2001 ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰብ ከሳትፍ ኣብ ዝኽእል ንፈስቲቫልን ስፖርትን ዝኸውን ምሉእ መሳልጢታት ዘለዎ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ነብሱ ዝኻኣለ ጽፉፍ ርሰፕሽንን ዝጀመረ ፈስቲቫል፡ ኣናንቆልቆለ ካብ 250 ሰብ ንላዕሊ ክሕዝ ኣብ ዘይክእል ተራ ኣዳራሽን ካብ ማእከል ከተማ ርሒቑ ኣብ ጽላም እንዳስትርያዊ ከባብን ተቐርቂሩ ከምዝሓልፍ ኮይኑ ኣሎ።

ፈስቲቫል መልበርን ካብ ኤርትራ ብዝመጹ መራሕ መደብ ዝርከቦም ብ11 ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ዝጀመረ ሎሚ ካብ 6 - 7 ብዘይበዝሑ እሞ ድማ በቶም ከም ከዳዓት ብምቕጻር ካብ ገጽ ህዝቢ ከርሕቁ ዝድልዮም ዝነበሩ ኣብ ድያስፖራ ዝርከቡ ሙዚቀኛታት ከካይዶ ተገዲዱ ኣሎ። እቶም ካብ ዉሽጢ ሃገር ጽልዋታት ህግደፍ ከስርጹ ዝላእኹ ዝነበሩ ሙዚቀኛትታን ደረፍትን ብመግዛእቲ ህግደፍ ስለዝሰኽሑ ክሳብ ሕጂ 7 ሙዚቀኛታት ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ብምሕታቶም ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሙዚቀኛታት ምምጻእ ኣብቂዑ እዩ። ሓለፍቲ ህግደፍ ብዘይክፍሊት ከምድላዮም ዝገላብጥዎም ዝነበሩ ናይ ውሽጢ ሃገር ሙዚቀኛታት በቶም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ምዕራብ ተሰዲዶም ዘለዉ ሙዚቀኛታት ክትክእዎም ስለዝተገደዱ ዕረ እናጠዓሞም ዋጋ ሙዚቀኛታት ይኸፍሉ ኣለዉ። በብእዋኑ ክምዕብል ዝጸነሐ ኣብያ ንፈስቲቫል ህግደፍ ክጽግንዎ ብዙሕ እኳ እንተፈተኑ ከም ዝተሰብረ ጥርሙስ መልሓሚ ስለዘይተርኽቦ ኣብዚ ናይ ለዘበን ጓላን ዳንኬራን ትሕቲ 150 ጥራይ ብምስታፎም ሓለፍቲ ህግደፍ ካብ ኣውስትራልያ ተስፋ ቆሪጾም ኣለዉ።

ንኣውስትራልያ ናይ መገሻ ቪዛ ምርካብ’ውን ንመንግስቲ ኤርትራ ኣናጸንከረ ብምምጻኡ ንባህሊ ኣሰንዮም ዝመጹ ዝነበሩ ሰበስልጣናት ህግደፍ’ውን እግሮም አሕጺሮም እዮም። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብተን ንውሳነ ማዕቀብ (እገዳ) ባይቶ ጸጥታ ከምዝተቐበለቶ ብዘይምድንጓይ ዘፍለጠት ሃገር ብምዃና ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት እዩ። ኣቶ ግርማይ ገብረማርያም (ሳንቲም) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝረከብ ኣምባሳዶር ኤርትራ ነቶም ንኸይንቀሳቐሱ ዝተኣገዱ ሰበስልጣናት ህግደፍ ተኪኡ ኣብ ውራይ ህግደፍ ዝለዓለ ተሳታፋይ ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣቶ ሳንቲም ኣብ ግዜ ቃልሲ ሓላፊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮይኑ ንሓጺር ግዜ ኣብ ኣውስትራልያ ይሰርሕ ብምንባሩ እቶም ኣቐዲሙ ዝፈልጦም ኣባላት ህግሓኤ ዘነበሩ መሳርሕቱ ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ ብዓውታ ዘድምጹ ስለዝኾኑ ክሳብ ክንደይ ከይርእዮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ኣንጻር ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበሩ፡ ገንዘብ ቀበሌ (ህዝቢ) ሰሪቖም ብመንገዲ ሱዳን ከንያ ድሒሮም ኣውስትራልያ ዝበጽሑን፡ ካብ ቃልሲ ሃዲሞም ወዶ - ገባ ኣብላት ሚልሻ ሰርናይ ኢሰፓን ዝነበሩ፡ ዝተረፉ ድማ ንውልቃዊ ረብሓታቶም ክብሉ ንኤርትራ ንኽመላለሱን ኣውራ ድማ ቤተሰቦም ብቐጥታ ካብ ኤርትራ ወይ ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንሱዳን ወይ ኢትዮጵያ ጉቦ ከፊሎም ንኸውጽኡ ናብ ህግደፍ ዝተጽግዑ ተመላለስቲ ምዃኖም ከረጋግጽ እዩ። በዚ ኣገባብ’ዚ ካብ ዝመጹ ዉሑዳት ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲሞም ኣብ መደበር ስደተኛታት ትግራይ ተዓቒቦም ዝነበሩ እሞ ቀንዲ ደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ፡ ንዝግበር ዘሎ ባርባራዊ ግፍዕታት ህግደፍ ኣማኻንዮም ኣውስትራልያ ዘእተዉዎም መንእሰያት ተዓጠቕቲ ፈስቲቫል ኮይኖም ክጸንሕዎ እዮም። ማለት ነዞም ብኽልተ መለክዕታት ዝተመዝገቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ፋይል ከዳዓት ኣብ ወጻኢ ድማ ኣብ ፋይል ኣባላትን ሓሰውትን ዝተመዝገቡ ልሙሳት መንእሰያት’ውን ክዕዘብ እዮ።

ብኣጠቓላሊ ኣቶ ሳንቲም ፈስቲቫል ጌርና ንዝብል ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ኣሳሊጡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ሰዓብቲ ህግደፍ ይትረፍ’ዶ ውራይን ባዓልን ነተን ብህግደፍ ዝድለያ ወጻኣታት ክሽፍኑ ሰለዘይከኣሉ ኣቐዲሙ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ከምዝተዓጽወን፡ ብድጎማ ትሳለ ዘላ ቤት-ጽሕፈት ቖንስል’ውን ኣንትርፎ ክሳራ ውጻኢት ከምዘይብላን ኣረጋጊጹ ናብታ 30 ኪ.ሜ ዙርያ ርሕቀት ካብ ቤት ጽሕፈቱ ክንቀሳቀሰላ ዘይክእል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክምለስ እዩ። 

ብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቃልስና ንውድቀት ህግደፍ ዛዚሙ፡ ሃገርና ብስርዓተ ሕጊን ድሞክራስን ንክትማሕደር ዘሎ ነዊሕ ጉዕዞ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣናረጋገጽና ንህዝቢ ኤርትራ ርሕስ ሓዲሽ ዓመት ክኾነሉ ንምነ።

ኣዋሃሃዲት ኮሚተ ሰላማዊ ሰልፊ ኣውስትራልያ

melbournerally@gmail.com

09/01/2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,904,427 وقت التحميل: 0.21 ثانية