Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
እንጻር’ዚ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ &#48
أخبار

እንጻር’ዚ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክቕጽል ኣለዎ

MELBROUNE DE 2010.jpg

ኣብዘን ዚሓለፋ 9 ዓመታት ኣንጻር ናይቲ ብህግደፍ ዝምወል “ኤርትራዊ ባህላዊ ምርኢት ኣብ ኣውስትራልያ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክማሓላለፍ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፣ ጭቆናን ዘይፍትሓዊ መቕተልትን ከኸትም፣ ናይ ህዝቢ መሬት ምምንዛዕ ከቋርጽ፣ ብሓፈሻ ስርዓተ ሕጊ ክሰፍን ተቓዉሞና ገሊጽናን ከምኡውን ናይ ደቂ ሃገር መሰል ንትምህርትን፣ ንግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን፣ ንስራሕ  ምርካብን ብቐንዱ ኸኣ ሓደ ቅቡል ዝኾነ መንግስቲ ንህዝቡ ዝህቦ መሰላት ንኽነግስ፣ ከየቋረጽና ሓቲትና ኢና። ይኹን እምበር እቲ ፍትሒ ንኽነግስ ዝበኸናዮ ተጎስዩ፣ ስርዓተ ሕጊ ክሰፍን ዝሓተትናዮ ተነጺጉ እዩ። በንጻሩ እኳደኣ በቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን ፍሹል ሜላ ኣመራርሓ መንግስትን ምኽንያት ፖለቲካውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን ኩነታት ህዝብና ዝያዳ ከፊኡ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ ነዚ እንዳራኣናን ኣንዳሰምማዕናን ኣብክንድቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ድምጾም ከስምዑ ዘይካኣሉን ተጨቍኖም ዘለዎን ህዝብና ስለምንታይ ድምጽና ካብ ምስማዕ ነቋርጽ?

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣተኩሮና ኣምበኣር ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ንዝርከብ ማሕበረ ሰብና ኮይኑ ብፍላይ ካኣ ነቶም ብዘይ ዝኾነ ጸቕጢ ሓሳባቶም ክገልጹ ኣብ ዝኽእሉሉ ቦታ እንዳነበሩ እዚ ክትገልጾ ዘሕፍር ጭቆናን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እንዳወረደ ሱቕ ምባል ዝመረጹ ኤርትራዊያን ኢና። ንሕና ከነዘኻኽረኩም ንደሊ ነገር እንተሃሊዩ ኸኣ ንስኻትኩም ኣብ ክንዲ ህዝብኹም ኣንጻር’ቲ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ህግደፍ ዓው ኢልኩም ክትዛረቡን ንፍትሕን ሰላምን ህዝብኹም ጠጠው ክትብሉን ሕልናውን ሞራላውን ግቡእኩም ምዃኑ ጥራሕ እዩ። ክትርስዑዎ ዘይብልኩም ከኣ ንስኻትኩም ተስተማቕርዎ ዘለኹም ሙሉእ ናጽነት ፍረ-ጻማ ናይቶም ንሓርነትን ፍትሕን ስርዓተ-ሕግን ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ንኽነግስ ክቡር ሂወቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ህዝቢ ምኻኑ እዩ። ስለዚ ብወገንኩም ስለምንታይ ልክዕ ከምቲ ንስኹም ረኺብኩሞ ዘለኹም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንህዝብኹም ዘይትሓልዩሉን ባህጊ ህዝብና ብዝሓጸረ እዋን ህያው ንምግባር ናይቲ ብሓዲሽ መንፈስ ተበጊሱ ዘሎ “ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ንለውጢ” ኣካል ዘይትኾኑን?

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ንዓኹም ሓዲሽ ከምዘይኮነ ፍሉጥ ኮይኑ፣ እዚ ሲዒቡ ከነዘኻኽረኩም ንደሊ ፣

·        መንእሰያት ናይ ትምህርቲ መሰሎም ተኸሊኦም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓይሊ ተገዲዶም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርና ትጸሚዶም ይነብሩን ብኡኡ ምኽንያት ካኣ ናይ መጻኢ ሂወቶም ዝቕይስሉን መሰረት ዘንብሩሉን ወርቃዊ ናይ ንእስነት ግዜኦም ብከንቱ ኣብ ፈቆዶ ዕርድታት የሕልፍዎ ኣልዉ፣

·        ወለዲ ደቅኹም ንኽሃድሙ ተሓባቢርኩሞም ኢኹም ብዝብል ድኹም ምኽንያት ተኸሲሶም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ገንዘብ ተቐጺዖምን ተኣሲሮምን፣

·        ናይ ሃይማኖት መራሕትን መማህራንን ግቡእ ክሲ ከይቀረበሎምን ግቡእ ፍርዲ ከይተዋህቦምን ተኣሲሮምን ሃለዋቶም ተፊኦምን፣

·        ስርዓተ ሕጊ ክነግስን ቅዋም ተግባዋዊ ክኸውንን ዝሓተቱ ፖለቲከኛታት ማሕዩር ኣትዮም፣

·        ህዝብና ብዘይ ኣገባብ መሬቶም ተሓዲጎም፣

·        ሓረስቶት ህዝብና ናይ ሕርሻ እቶቶም ከምድልየቶም ንኸይሸጡ ተኸልኪሎምን ንመንግስቲ ብሕሱር ዋጋ ክሸጥዎ ተኣዚዞምን፣

·        ህዝብና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ሕጽረት መግቢ እንኮሎ ብኣንጻሩ ህግደፍ ብገበርቲ ሰናይ ንዝቐርብ ሓገዝ መግቢ ነጺግዎ፣

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሰ ካብቲ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት ውሑድ ከም ኣብነት ዝቐረበ ጥራሕ እዩ። እዚ ጭካንን ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን  ህግደፍ ንሕልናኹም እንተዘይ ኣበራቢሩዎ  ካልእ እንታይ ደኣ’ሞ?

እዚ ኣብ ኣውስትራልያ ዝግበር ዘሎ ሰላምዊ ሰልፊ ኣንጻር ናይ ህግደፍ ባህላዊ ምርኢት፣ ብዙሓት ሰባት ከም ዝእድሙ ስለዝገበረ ናይ ብሓቂ እቲ ቀዳማይ ዕላምኡ ሃሪሙ እዩ። በዚ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ተተባቢዖም፣ ኣብቲ ብህግደፍ ዝዳሎ ዘሎ ምርኢት ንኸይሳተፉ ዝእድሙ ዘለዉ ብዝሒ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳወሰኸ ይኸይድ ሰለዘሎ ወከልቲ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራን ሰዓብቶምን ኣብ ስግኣት ወዲቆም ከምዘሎዉ ካብ ሓለፍቲ ህግደፍ ወግዓዊ መግለጺ ዘይንደልየሉ ሓቂ እዩ።  ከምኡ ስለዝኮነ እዩ ኸኣ ዓላማ ናይቲ በዓል ካብቲ ቀደም ንምኤከቢ ገንዘብ ዝጥቀምሉ ዝነበረ ሓሳብ ተቐይሩ ናብ ህላወ ናይ’ቲ ደረቕ ፖሊቲኮኦም ኣድሂቦም ዝሰርሕሉ ዘሎው። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ዝበዝሕ ህዝቢ ነጺጉዎ ከምዘሎ ብንጹር እንዳራኣዩ እቲ በዓል ንዝመጽእ ዓመትውን ንኽቕጽል ምሕሳብ ማለት ካብ ትርጉም ዘይብሉ ከንቱ ጻዕረሞት ሓሊፍካ ካልእ ዝባሃል የለን።

ይኣክል ማለት ይኣክል እዩ፣ ተበገስ ንመስል ህዝብኻ ተቓለስ።

 ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ መልበርን

26 ታሕሳስ 2010

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,275,926 وقت التحميل: 0.25 ثانية