Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
15/10/1445 (23 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ሰብኣዊ መሰል  ክሕሎ ስልጣን ናይ ህ&#4
أخبار

ሰብኣዊ መሰል  ክሕሎ

ስልጣን ናይ ህዝቢ ንበሎ

 

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን።

ሰብኣዊ መሰል ክሕሎ

ስልጣን ናይ ህዝቢ ንበሎ

መሰሉ ክሕሎ ህዝቢ የእዊሎ

ኣብ ዓለም መን ኣሎ፡

ከም ህግደፍ መሰል ህዝቢ ዝገፈፈ

ተቓላሳይ ዝጠልጦ እንተ ጻሓፈ

ሃገር ተቛጻጺሩ ብዝቐልጠፈ

ከልከለ ከይጻሓፍ እቲ ዝሓለፈ።

ጠፋእኩ ብምባል ባዓል ኣበር

በለ ሰብኣዊ መሰል ክይክበር

ሰጊኡ ስልጣኑ ከይድፈር

ህዝቢ ነቒሑ ከይባራበር

ንደቂ መዛምርቱ በሎም እንታይ ንግበር።

ሕሻኽሩ በሉ ነዚ ቀሊል

በሉ ንመንእሰ ዘይንድህል

ኣብ በረኻ ዘይነብሎም ኮለል።

እዚ ዝሰሙዑ መናእሰይ

ጀመረ ክብል መሰልይ

ነጻነት ረኺበ ኢሉ ሓሊፉለይ

ክማሃር ክሰርሕ ካሃንጽ ሃገረይ

ያኣኽሎም ባዓል ኣያይ

ሕጂስ ናባይ ግደፍዎ ምጉያይ

ምስ በሉ መናእሰይ።

ጉሒላ ሳሕል ግን

ኣ.ሃ. እንተ ተማሂርክን

መሰል ክትሓታ እንዲኽን

ኣሎ ዝማሃዝኩልክን

ሳዋ ኣሎ ሰጥዘብለክን

ካብ ሳዋ ምስ ተመለስክን

ትፈልጣ መሰል ከምዘይ ብልክን።

በለ እቲ ሓርገጽ

ህዝቢ ኣይተረደኦን ገና

በለ ዳኣ ወዲ ኣፎም ጅግና

ንቛዕ ኮንካ መራሒና

ሳላኻ ብርሃን ሪኢና

ሳላኻ ነጻነት ረኺብና

ኢሉ ወደሰ ህዝብና

ሕጂ ውን ኣለዉ ጋና

እንተ ነድምጽ ሓቢርና

ምራዓደ ጸረ ህዝብና

ሰላም ምሰፈነ ኣብ ሃገርና።

ዘንጊዑ ህዝቢ ነጻነት ከም ዝተረኸበት ብደቁ

ሰሒቱ ክንደይ ጀጋኑ ከም ዝወደቑ

ንጃንዳ ህግደፍ ኣሓንቂቑ።

ሹዑ እቲ ጉሒላ

ኣስናኑ ጫሕ ኣቢሉ ሳሓቐ

ሹዑ ፈሊጡ ጻሓይ ከም ዝበረቐ

ኣብ ኩፉእና ተበገሰ ብዝረቐቐ።

ዘይ ኢዱ ክፈድዮ ነቲ ዘሔንቀቐ።

በለ ውን

የሎን ኣብ ቅድመይ ዝጸንሕ

ካብ ሓንጎልኩም ሓንጎለይ ይበልሕ

ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ኣይትበሉ ቑሊሕ

ክንደይ ጽዒረ ኣብዚ ክበጽሕ

ኣነ እየ ናይ ኤረትራ መሪሕ።

በለ እቲ ሎኽመኛ

ሕጂስ ያኣክል በሉ ይካኣሎ

በሉ ውን ስልጣን ንህዝቢ

ኣይረኸቡን ግን ሳዓቢ

እንተ ቲ ህዝቢ።

ስለ ዘይብርሃሉ

ኣይሓገዘን ትም ኢሉ

እንተ ንሱ ከም ኣመሉ

ኣዘንግዕ ኣቢሉ:

እንታይ ትደልዩ በለ ቲ ገበል።

ደቂ ገርሂ ልባ

በሉ ኣብዚሎ ዘረባ

ስልጣን ንህዝቢ ኣረክባ

ነዚ ቀሊል በለ እቲ ለባ።

እንተ ዳሓር ግን።

ንደለይቲ ፍትሒ በብሓደ ኣሰሮም

በለ ውን ፍረድዎም

በለ ሽሞም ኣጸልምዎም

ንዓመታት ትሕቲ መረት ኣስፈሮም።

መሰል ህዝቢ ዝሓተተ

ክንዲ ህዝቢ ዝተማጎተ

ገዳይም ተጋደልቲ ኣጽነተ

ብጋዘጠኛታት እተታሓተ

ኣይፈልጦምን በለ ገበተ።

እዚ ካብ ኮኒ ዕጫና

ዘይመረጽናዮ ካብ ኮነ መራሒና

እዚ ካብ ኮነ ፍረ ቃልስና

ሓቢርና ንበል መሰልና::

ስለ ቲ መንእሰይ

ስለ ቶም ዝሳኣኑ ቀባራይ

ስለ ቶም ዝሳኣኑ ጠዋራይ

ስለ ቶም ዝተበጀዉ እዳበሉ ሃገረይ።

ንነብሱ ዘጠመቐ ሕኾተ

ብህግደፍ መሰልና ተገበተ

ብዲክተተር ዝበረቐ ጻሓይ ጸልመተ።

እንዳ ሰማዕና ኣይንበል ድንን

ሰባሪ ቆፎ ኮሎ ማዓር ኣይጽገብን

ያዕ ንበሎ ኣብ ኤረትራ ዝፈረየ ተመን

ምጽልላም ንጠቕሚ ህዝብና ኣይኮነን

ተዛቲና ህዝብና ነሕንን ነድሕን።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,376,579 وقت التحميل: 0.27 ثانية