Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
15/10/1445 (23 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ፍራንክፈርት 11.12.2010 ዓ.ም
أخبار

ፍራንክፈርት 11.12.2010 ዓ.ም

 ክቡራትን ክቡራንን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን

ሃገራዊኣን ኤርትራዊያን።

 

 ብስም በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ሃገር ጀርመን እንቓዕ ብድሓን መጻእኩም እብል ።

 ውዲ ሰብ ካብታ ዝተውልደላ ዕለት ጀሚሩ ውናኒ መስረታዊ መሰላቱ ም

ኻኑ በቶም ዓበይቲ እምነታትን ፍልስፍናታትን ተኣሚንሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ክ

ብሩን መሰሉን ከይትንከፍ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ተሓጊጉ ማንም ሃገር ኣባል ሕብ

ረተሰብ ዓለም ኣባል ሕቡራት መግስታት ንሙኻን ከብቅዓ ነዞም መሰላት ወዲ ሰብ ዘኽብሩ  ሕግታት ክትቅበልን ከተተግብርን ከምዘለዋ ፍሉጥ ኢዩ።

 ሰላም ፍትሒ ዲሞክራሲ ካብኡ ሓሊፉውን ብልጽግና ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዝምዘን ብኹነታት ሃለዋት መባእታዊ መስላት ውዲ ሰብ ምኻኑ ሓፈሻዊ ተቐ

ባልነት እናረኸበ ዝኸይድ ዘሎ ስነሓሳብ ምኻኑ ኣየከራኽርን።

 ህዝቢ ኤርትራ መሰላቱን ሓድነቱን ንምዕቃብ ሃገራዊ ነጻነቱን ሓርነቱን ንኽ

ጎናጸፍ ኣንጻር ሰንሰለታዊ መግዛእትን ውሽጣዊ ጭኮናን ዘካየዶን ዘካይዶን ዘ

ሎ ቃልሲ ዳርጋ ሓሙሳ ዓመቱ ሒዙ ይርከብ።ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣሰኒፉ ሃገራዊ ነጻነቱ ክጎናጸፍ ክኢሉ

እዩ።

 ይኹን እምበር እቲ ብመሪር መስዋእቲ ምሩጻት ዜጋታት ዝተረኽበ  ነጻነት  ብመራሕ ጉጅለ ህ.ግ.ድ.ፍ  ተመንዚዑ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣጋጢምዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ጭኮናን ግፍዕን የሕልፍ ኣሎ።

ናይ ዘሕልፎ ዘሎ ኣካላውን ስነኣእምራውን  ግፍዒ ሳዕቤኑ እዚ ኢልካ ክግም

ገም ኣሸጋሪ ኢዩ።

 ሃገርና ኤርትራ ቅልዕቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኾነት ንሕብረተሰብ ኣለም ብሩ

ህ ኮይኑሎ።ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ጭኮናን ጭብጣዊ መርትዖካ እንተሃለዎ በብሓደ ክትጽብጽቦ  ብሓቂ ቀሊል ኣይኮነን።ገለ ካብኡ ንምጥቃስ መንእሰያ

ሰያት ትምህርቶም ከይውድኡ ናብ ናይ ኣስገዳድ ስራሕ ተመዲቦም ገደብ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ይርከቡ።ገለ ካብቶም ናይ ሕርሻን ኣባይትን ሰራሕተኛታት ወተሃደራዊ መኮነናት ጉጂለ ህ.ግ.ድ.ፍ ክኾኑ ከለዉ

ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ከደምቲ ገዛ ካብኡ ሓሊፉውን ግዳይ እንሣዊ ባህሪ ዘለዎ ዓ

መጽ ርክብ ግብረስጋ ኮይነን ይርከባ።       

 ማንም ዜጋ ሞያኡ ተጠቒሙ ሰሪሑ፡ነጊዱ፡ሓሪሱ፡ናብርኡን ስድራቤቱን ከካይ

ድ ክኣሊ ኣይፍቀድሉን ስለዚ ሕብረተስብ ኤርትራ ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ድ ኽነት ጥሒሉ ኣደዳ ጥሜትን ሕማምን ኮይኑ ይርከብ።

 ንግሆ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ምምላሱን ዘይምምላሱን እንተተመሊሱውን ኣብ ም

ንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ኣይፈልጥን ጭውያን ምህዳንን ስለ ዘሎ።

በሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ብዘይ ፍርዲ ስድርኦም ሃለ

ዋቶም ዘይፈልጡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑ ይርከቡ።

 ካብዚ ገሃንበሰታዊ ኩነታት ንምምልጥ  ብዝሖም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ዝቕጽል ዘሎ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ዶባት ጥሒሶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ።ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናቲ ትምህርቲ ይኹን ስቡሕ ናብራ ክገብርሉ ዝኸእሉ ክፍለ ዓለም ክስግሩ ክብሉ ኣደዳ ቀለብ ዓሳን ሸፋቱ ምድረ

በዳን ዝኾኑ ዜጋታት መንእሰያትና መን ይቑጸሮም?

 ስራኣት ጉጂለ ህ.ግ.ደ.ፍ  ምልካዊ ስርዓቱ ንምንዋሕ ሕውነታዊ ርክብን ምትህግጋዝን ኣምሲሉ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ብምእታው ንሕብረተ

ሰብና ብሃይማኖት ብኣውራጃን ብሄርን ከፋፊሉ ሓድነቱ ኣብ ሕቶ ብምእታ

ው ንህልውና ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣእትይዋ ይርከ

ብ።እዚ ጸገማትዚ ቅልጡፍ ነርባሪ ፍታሕ እንተዘይተግይሩሉ ካብዚ ዘለዎን ንላዕሊ ብኢሱ ንኣተሃላልዋ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ከይብትንን ወለዶ ከይበር

ስን  ዓቢ ስጋኣት ዝፈጥርዩ።ብኻልእ ኣዘራርባ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘየላቡ ቅልጡፍ ፍታሕ የድሊ ኣሎ ፡ደበና ጥፍኣትዩ ኣንጸላልዩ ዘሎ።

 ስለዚ ንሕና ከም በርገሳዊያን ማሕበራት ኣብ ጀርመን ርእይቶናን እምነትናን

እንኮ መፍትሒ ሓድነትን ምጽውዋርንዩ፡ነዚኣ ክንሰርሓላ ኣለና። እዚኣ ኸኣ ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢልና መንጸፍ ኣንቢርና ስለ ዘለና ብሓባር መዓንጣ

ና ቀጥ ኣቢልና ንቕድሚት ምኻድ ኢዩ መድረኽ ዝጠልበና ዘሎ፡ነዚ መላኽን

ጮቃንን ጉጂለ ብዘይካ ብሓባርን ምትእምማንን ዝስዕሮ ሓይሊ የሎን፡ስለዚ ዝ

ኾነ ቃልስና ብነጻ ተኻቲዕካ ተመያይጥካ ዕርቅን ስኒትን ሕድገትን ፍቕርን ጌርካ ኣብ መንጎ ሕማቕን ጽቡቕን ኣብ መንጎ ዝጎድእን ዝጠቅምን ፈሊኻ ኣብ ዝሓሸ ውሳኔ ናይ ምብጻሕ ልማድ እንድሕሪ ኣጥሪና ህዝብና ንምድሓን

ጥርትር የብልናን።   

 

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ

ንሰማእታት ኤርትራ

ፍትሕን ሰላምን ንህዝብና

የቐንየለይ

ተስፋይ ተኸለ

 

1

አብ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት ታሕሳስ 11/2010 ብኣጋጠሚ ኣድማሳዊ መዓልቲ

ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ መደረ (ብፍረወይኒ ገ/ጻድቕ)

ናይ‘ቲ ብ1948 ብባይቶ ሕቡራት መንግስታት ዝጸደቐ "ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰበኣዊ መሰል" መጀመርያ

መኽፈቲ፣ "ኩሎም ደቂ ሰባት ክውለዱ ከለዉ ሒዞም ነጻን ማዕረን ኣብ ክብሮምን መሰላቶምን እዮም

ዝውለዱ።" ይብል።

ሰለዚ በዚ ስነመጎት‘ዚ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሰብኣዊ መሰል እዩ። ማለት ጓል አንስተይቲ ሰብ‘ያ መሰላ ድማ

ሰብኣዊ መሰል ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ ደ‘አ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኢልካ

ብፍሉይ ምጽውዑ ስለምንታይ ኣድለየ ኢሉ ዝግረም‘ውን ኣይስኣንን ይኸውን! እቲ ሓቂ ግን ዋላኳ እዚ

ኣዋጅ እዚ ብባይቶ ሕቡራት መንግታት ካብ ዝጸድቕ 60 ዓመቱ ኣሕሊፉ እንተዀነ - ብሓፈሽኡ ደቂ

ኣንስትዮ ካብ "ማዕረነት ኣብ ክብርን መሰለን" ርሑቕ‘የን ዘለዋ።

እቲ ንደቂ-ኣንስትዮ ናብ "ማዕርነት ኣብ ክብርን መሰልን" ከይበጽሓ ከልኪሉወን ዝጸንሐን ዘሎን እምባ

ንኽፈርስ ፍሉይ መርሆን ቃልስን የድልዮ። ምኽንያቱ ንኣማኢት ኣሽሓት ኽፍለ ዘመናት ዝኣክል ዝኸደ

ኣተሓሳስባ ስለ ዘሎ፤ ከም ንኣብነት

ወዲ ተባዕታይ ካብ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝበልጽ

ወይ ወዲ ተባዕታይ ንጓል ኣንስተይቲ ከም ዝልዕላ ወዘተ... ዝኣመሉ ክጥቀስ ይክኣል።

እዚ ባህሊ‘ዚ አብ ልዕል‘ቲ ኣብ ግላውን ማሕበራውን ሂወት አብ ርእሲ ጓል-ኣንስተይቲ ዝፍጸም ኣድልዎ፣

ተመሊሱ‘ውን ንኣብ ቁዋም ዝሰፈሩ ሕግታት ኣብ ተግባር ንኸይውዕሉ ጋሪዱ ሒዙ‘ሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ

ባህሊ ንባዕሉ ብድሕረት ክሳቐ ጸኒሑ ተመሊሱ ንምዕባለ ሕብረተሰብ ንቕድሚት ንምኻድ ይገትእ። እሞ

ፍልልይ አብ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ አብ ደቂ ሰባት ዘሎ ጾታዊ ኣድልዎ ጥራይ ዘይኰነስ ግህሰት

ሰብኣዊ መሰል ኰይኑ ይርከብ አሎ። እንሆ ከአ ኣብ ትሕቲ "ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ኢና፤ መሰልና ድማ ሰበኣዊ

መሰል‘ዩ " ዝብል ሓቀኛን ጠርናፍን ዝኾነ ጭርሖ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዉዕዉዕ

ምትእስሳር ፈጢረን ብዝያዳ አብ ሰማንያታትን ተስዓታትን ብርኡይ ተንቀሳቒሰናሉ። እዚ ኽኣ ዓለም ለኻዊ

ምንቅስቐስ ኣለዓዒሉ። ከም ደቂ ኣንሰትዮ ንዘጋጥመን ጸገማትን ንዘመናት ዝኸደ ቁጠባውንውን

ማሕበራውን ፖለቲካውን ወጽዓታተን ከአ ሰፊሕ ተሰማዕነትን ኣቓልቦን ሂቡዎ።

ንርሕቀት ግህሰት ብኣብነት ንምርአይ ዝኣክል፣

ኣብ ዓዲ ህንዲ ካብ ድኻታት እትውለድ ጓል ጾር ወለዳ ከይትኸውንን ዝምርዓዋ ከይትስእንን

ክትቅተል ከላ ዓይኑ ዘፍጠጠ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል እዩ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ትነብር ጓል ኣንስተይቲ ዘሚኺ ተባሂላ ብዳረባ-እምኒ ትንፋሳ ክትሓልፍ

ከላ ዓይኑ ዘፍጠጠ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል እዩ።

እብ ኤርትራ‘ውን ከምኡ ንጓል ኣንስተይቲ ጨኳኒ ዝኾነ ባህሊ ኣሎና። ጓል አንስትይቲ ውልድ ምስ በለት

ኣትሒካ ዝስደድ መልእኽቲ ኩሉ ንሳ ትሕቲ ሓዋ መዃና ንምምልኻት‘ዩ። ኣብ ክንዲ ማዕረቲ ወዲ 7 ገዜ

ዝዕለለላ 3 ገዜ ጥራሕ ይዕለለላ። እቲ ወዲ ሓያልን ተባዕን ተባሂሉ ኣብ 40 መዓልቱ ኣብ ቁርን ጽሓይን

ይወጽእ ንሳ ድማ ተወሳኺ 40 መዓለቲ የድልያ። እዚ ኩሉ ከም ኣባል ሕበረተሰብ ኣገልግሎታ ይኹን

ዓቕማ ንምድራት እዩ ዘተባብዕ። እዚ ኣብ ኤርተራ‘ውን ንጓል ኣንሰተይቲ ሃሳዪ ዝኾነ ባህሊ ከምዘሎ

ንምዝኽኻር ዝኣክለ‘ዩ እምበር እዚ ጥራሕ ከምዘይኮነ እዞም ዓበይቲ ኩሉና ብርግጽ ንፈልጦ ኢና።

ሰለዚ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ፡ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ጥራሕ ካብ ወዲ ተባዕታይ ንታሕቲ እያ ዝብል

ባህላዊ ኣተሓሳስባ ከም ሓቂ ተወሲዱ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ንዘመናት ኣብ ሊዕልኣ ክፍጸም

ዝጸንሐ ጭኮና ዂኔው ጾትኣ፣ ዓሌታ፣ ቋንቋኣ፣ ሃይማኖታ ኬድካ ማለት ብደረጃ ሰብኣውነታ ንጓል

ኣንስተይቲ ምስ‘ዚ ‘እዚ ናይ 1948 ኣዋጅ አድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ዝብል ዝሳነ ሰብኣዊ ግርምኣ ብምልባስ

2

ኣብ ትሕቲ "ሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ" ዝብል እዚ ጭኮና‘ዚ ከብቅዕን ማዕረነት ደቂ ኣንስትዮ ክረጋገጽን

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ‘ሎ።

ሎሚ አብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት አብ ሕቶ ሰብኣዊ መሰልን ክብሪ-ወዲሰብን‘ኳ ነቲ ነማርሮ ባህላዊ

ጽቕጠት ብንጥንቅልዓሾ ናብ ገብን ኣቢሉ ብምንቊልቋል ሓሊፍዎ‘ዩ። ቀደም‘ሲ - ኣደ ወሊዳ እኳ ትልእኽ

ኔራ፤ ወሊዳ ውላዳ ተመርዑን ተደረዑን ኔራ፤ ሎሚ ኣይኮነን ብመሰል ክትዛረብ ሃገርን ህዝብን ኵላ ናይ

መንግስቲ ኮይና‘ያ። ብጉጅለ ህግደፍ ተሃጊሮም‘ዮም፤ ዝወለደ ወላድ የብሉን፣ ዘጥረየ ንብረት የብሉን።

ኩሉ ገዜ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክርከብ ከሎ ቀንዲ ጾር ዝወርደንን ዝያዳ ዝህሰያን

ደቂ ኣንስትዮ እየን። ስለዝኾነ በቲ ኣብ ኤርትራ ተረኺቡ ዘሎ ፍጹም ብኩራት ሰብኣዊ መሰል ቀንዲ

ተቐባሊት መከራ ኮይና ዘላ ጓል ኣንተይቲ ኤርተራዊት እያ። ንኣብነት በዚ ኣብ ኤርተራ መዓልታዊ ሂወት

ኮይኑ ዘሎ ሕሉፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዘንቀሎ፣ ሰብኣይ እንተትኣስረ፡ ሰብኣይ ካብ ማእሰርትን ባርነትን

ከምልጥ ሃዲሙ እንተተሰደ፡ ሰብኣይ ኣብ ኣገልግሎት እንተኸደ በይና መስ ቆልዑን ኣረገውትን ተሪፋ አደዳ

ጥሜትን ሕሰምን ኮይና ዘላ ንሳ‘ያ።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ‘ቲ ገደብ ዘይብሉ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ስም ዝጽዋዕ ባርነት ንእስነተን

ይማኽን ጸኒሑን ኣሎን። ካብኡ ሓሊፉ‘ውን ክሳብ ኣደዳ ሰጋዊ ግህሰትን፣ ክሳብ እንተጠኒሰን መራሕቲ

ተግባራቶም ንምሰታር ብመላስ ኣውያት ዘይብሉ አገባብ ኣብ ልዕሊኤን መቅተልቲ ከም ዝፍጽሙ‘ውን

ፍሉጥ ነገር እዩ። ሰለዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ዝብል ሕጊ/ ወይ ዘይሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ

ዝፍጸም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግህሰታት፡ ኣብ ኤርትራ መሰላት ጓል አንስተይቲ እንታይ ከምዝመስል

እኹል ገላጺ እዩ። ኣብ ትሕቲ እዚ ኩነታት እዚ ድማ መዳይ ትምህርትን፡ ስራሕን፡ ጥዕናን ኤርትራዊት ጓል

አንስተይቲ ኣንቆልቍሉ ምድሪ ሃሪሙ ከምዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን።

ስለዚ ነዚ ናይ ሎሚ ጽቡቕ አጋጣሚ፣ ማለት መዓልቲ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ተጠቒመ ካብተን

ብቐዳምነት ክንቃለሰለን አሎና ዝብለን ጎስጓሳት እዘን ዝስዕባ ክጸቕጠለን እፈቱ፤

- መላኺ ስርዓት ካብ ሱሩ ሚሒኻ፡ ኣብ ቦቱኡ ዲሞክራስያውን ቅዋማዊን መንግስቲ ንምትካል

ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምስካልኦት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ምሕያሉ

- ዝመጽእ ስርዓት ኤርትራ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርታትን ከማልእ ዘለዎ ክኽውን፣ ማለት

ኣህጕራዊ ሕግን ስምምዕን ክህልዎን ብኡ ክቕየድን ሓቢርካ ምቅላስ፤

የቐንየለይ!

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,372,192 وقت التحميل: 0.32 ثانية