Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ኣድማሳዊ መዓልቲ ንሰብኣዊ መሰላ&#4725
أخبار

ኣድማሳዊ መዓልቲ ንሰብኣዊ መሰላት

10 ታሕሳስ ኣድማሳዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተባሂላ ትብዕል ዕለት‘ያ። ልክዕ ከም ሎሚ ቅድሚ 60 ዓመታት ከአ‘ዩ ተጀሚሩ። ብ1948 መራሕቲ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ ነንሃገሮምን ነንህዝቦምን ወኪሎም አብ ከተማ ፓሪስ አብ ፈረንሳ ብምግባእ፣ ንሰብኣዊ መሰላት ወዲ-ሰብ መኣዝኑ ከቕንዑ ፈቲኖም።

ዓለምና ኣብ 1948፣ ማለት ካልኣይ ውግእ ዓለምን ስምብራቱን አብ ምልላይ አብ ዝነበረትሉ፣ ክትክውሎም ዘጸግም ኣቚሳል ጌና ጋሃጽ ይብሉ ነይሮም። ብዘይካኡ‘ውን አብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌታዊ መንግስቲ ዘርኣውን ፈላላዪን ፍልስፍናኡ ዚኣወጀሉን ዜጋታት ከም ከብቲ አብ ደደምቢኦም ዝተዘርዕሉን፣ ከምኡ ዝሑል ኵናት ሓያላን ሃገራትን ከአ ኣቶማዊ ሓደጋታቱን  አብ ዝጓሃሀረሉ ህሞት ወዘተ... ምንባሩ ከም ተወሳኺ መዘኻኸሪ ኣብነታት -  መልሲ ነቲ ስለምንታይ ብፍላይ ሽዕኡ ግዜ ደራኺ ነገር ኰይኒ ዚብል ሕቶ - ክጥቀሱ ይከኣል።

ትርጉም ሰብኣዊ መሰላት‘ከ እንታይ ማለት‘ዩ?

ሰብኣዊ መሰላት ዓለምለኸ ውርዲኤታት (international norms) ኢዮም። ብዘይ ኣፋላላይ ከአ ንኽብረት ኵሉ ወዲ-ሰብ አብ ኵሉ ቦታታት ዓለምና ካብ ቅጥዒ ዝሰኣነ ፖለቲካውን፣ ሕጋውን ማሕበራውን ጥሕሰታት ክሕሎ ዚሕግዙ መትከላት ኢዮም። ገለ ኣብነታቱ ንምርኣይ ከአ፦

·                  ከም መሰል ወዲ ሰብ አብ ድላዩ ሃይማኖት ክኣምን ናጻ ምዃኑ፣

·                  ከም ዝዀነ ሰብ ብገበን አብ ዚኽሰሰሉ ኣጋጣሚ ብዝመሰልን ብዝጭበጥን ደረጃኡ ሕጊ ክሰምዖ ከም ዘለዎ፣

·                  ከም ንእሱር አብ ግዜ መርመራ ጕልበታዊ ኰነ ሽበራዊ መግረፍቲ ከይወርዶ፣

·                  ከም መሰል ዝዀነ ሰብ አብ ፖለቲካ ክውድብን ክውደብን ሕሉው ክኸውን

ወዘተ... ክጥቀሱ ይከአል።

ኤርትራ‘ኸ አብ ኣርብዓታት አብ ምንታይ ኵነታት ነበረት?

1948ን ከባቢኣ ዓመታትን ቅልውላው አብ መዓልታዊ ህይወት ኤርትራን ኤርትራውን ብዅሉ መዓቀኒታት አብ ጥርዚ በጺሕሉ ዚነበረ ግዜ‘ዩ። ሕቶ ፖለቲካዊ ርእሰ-ውሳነ ኤርትራ አብ ኣኻብሕ ሕቡራት መንግስታት ሰበባ ሒዙ፣ ኤርትራ ንዓሰርተ ዓመታት አብ ትሕቲ መጕዚትነት እንግሊዝ ተቘሪና ነይራ። ብኡ ምኽንያት ከአ ሃብታማት-ነጋዶን ሰብ ኣብያተ-ዕዮን ስራሓት እናለኮቱ ገንዘቦም ናብ ዘተኣማምኖም ስግር ዶብ የውሕዙ ነበሩ። ከም ውጽኢቱ ከአ አብታ ሃገር ዝራሕ ኣልቦነትን ጥሜትን አጥቂዑ ነበረ። ብውሽጣዊ ፖለቲካ ድማ ኤርትራውያን አብ መንጎ ቀጽሪ ናጽነትን ማሕበር ኣንድነትን ተፈላልዮም ዚተሃላለኽሉ ዚነበሩ ዓመታት‘ዩ ዚነበረ። ግዚያዊ ምሕደራ መንግስቲ እንግሊዝ ከአ ነዝን ወድዝን አሳቢቡ ኤርትራ አብ ክልተ ከፊሉ፣ ሓደ ሸነኽ ናብ‘ታ አብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽሩ ዚነበረት ሱዳን፣ እቲ ካልአይ ሸነኽ ከአ ናብ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ክመቕል ይጓየ ነበረ። ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ብሸነኹ ነዚ ከይዲ ጋልበት ንኽውስኸሉ ናብ ኤርትራ ጠበናጁን ገንዘብን እናፍሰሰ ዘላ ሽፍታ ዘላዓዕለሉን ዚምወለሉን፣ በዚ ከአ ንገባርና ዚህድደሉን ሃዋሁው‘ዩ ዚነበረ። ስለዚ አብ ከተማ ብማሕበር ኣንድነትን ብልኡኽ ጃንሆይ ዚነበረ ኰለኔል ነጋ ሃይለስላሰን ፖለቲካውያን ክህደዱን ክሳጎጉን ከለዉ፤ አብ ገጠራት ከአ ታሴራ አንድነት ዘይሐዙን ንኣንድነት ዘይደገፉን ዜጋታት ብሸፋቱ ዚህደንሉ ናይ ቅልውላው ግዜ‘ዩ ዚነበረ። ቤተ-እምነት ከይተረፈ አብ ውሽጡ ምስጡራት ካህናት አጥቂዖሞ ከም በዓል ቀሺ ዲሞጥሮስን ደሞዝን ዚተባህሉ ካህናት ነቲ አማኒ ህዝቢ እናፋራርሑ ንቀጽሪ ናጽነት ዚተቐበለን ዚተዳናገጸን ክርስትያን አይኰነን ክብሉ ሃገር አናዊጾም ነበሩ። ነዚ ሓደጋታት ንምብዳህ ኤርትራውያን ዋዕላ ቤት ገርግሽ ኣጋብኡ፡፡ ኤርትራ ከይትናጻጸል ከካብ ደራኺ ዚተፋላሉ መንቀሊታት‘ኳ እንተደገፉ፣ አብ ዚተረፉ ቀንዲ ቊልፊ ዛዕባታት ግና ክሰማምዑ አይበቕዑን።

ልኡኽ ቀጽሪ ናጽነት ብጕዳይ መጻኢ ኤርትራ ጥርዓኖም ናብ ቤ/ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት አብ ኒዮርክ ከቕርቡ አብ ዚሸባሸብሉ ዚነበሩ ግዜ ኣትኵሮኦም ንምህውታትን ንምህዳዶምን ከቢድ ተጻይ ምንቅስቓስ ብኢትዮጵያን ማሕበር ኣንድነትን ተገብረ። በዝን ወድዚን ከአ ኣቶ ዓብደልቃድር ከቢረ አብ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ አብ 20 መጋቢት 1949 ብጥይት ተቐንጸሉ። ስርዓት ጃንሆይ ነቲ አብ መንጎ ክልተ ኤርትራዊ ፖልቲካዊ ሰልፍታት ዚነበረ ፍልልይ ሃይማኖታዊ ቅኒት ከትሕዞ በብዓይነቶም ጠንቅታት ጻሕተረ። አብ ገጠራት ከበሳ ኤርትራ ብፍላይ ከአ ከምኡ ኣገደስቲ መራሕቲ ብሸፋቱ ኣምሲልካ ምቕንጻላት ዝውቱር ነበረ።

ኵነታት ኤርትራ ሎሚ‘ኸ?

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራዊ ዜጋ ንሓድሕዱ ከምዘይትአማመን ንምግባሩ ይሰርሕ አሎ። ደሞክራስያዊ ለውጥን ቅዋማዊ ስርዓትን አብ ኤርትራ ንዝጠልቡ ተቓለስቲ ምስ ምሻጥ ሃገር ደዋዊሱ ንሰዓብቱ ከርዕመሉ ናይ ሓሶትን ቅጥፈትን ጻዕረሞት ይገብር አሎ። ኤርትራ ብቊጠባ መሬት ዘቢጣ፣ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዚበዝሓ ኴይና፣ ኣማኢታት ኣሽሓት መንእሰያታ ብድነን ጸልማትን ዚሃድምላ ሃገር ኴይና አላ። በዚ ከአ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነቲ ኤርትራውያን ብናይ 30 ዓመታት ዚወሰደን ከቢድ መስዋእቲ ዚተኸፍሎን  በዳሂ-ኒሕ ዚዕላገቱ ታሪኽ ደምሲሱ ብፍሽለትን ዘይብቕዓትን ዘይስኒትን ከመዝግቦ ኵሉ ኣዕናዊ ሸቕሊ የካይድ አሎ።

ኵነታት ኤርትራዊ ተቓውሞ‘ኸ?

ህልዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣዕናዊ ምዃኑ ርኢና። ተቓውሞ እንተሰኒፉ ከአ ህዝቢ ተቓሊሱ ዘዐወቶም ብልጫታት ተኸሲሮም ሃገር ብኹሉ ሸነኻታ ንጥፍኣት‘ያ ተንቆልቊል። ነዚ ኤርትራ ዘላቶ ኵነታት ቅኑዕ ንባብ ምሐዝ ሎሚ ቈልዑትና ከይተረፉ ክደርፍዎ ዚውዕሉ መዝሙር ኰይኑ‘ሎ። ሕጂ ካብ ኵሉ ምስ ውኔኡ ዘሎ ዜጋና ዚጥለብ ዘሎ እምበአር ቅድምያታት ሃገርን ህዝብን ሰሪዕካን አለሊኻን ሓይልኻ ብምጽማድ ምስራሕ‘ዩ። ሎሚ ንኤርትራን ንኤርትራውን እቲ ዚማዕበለ መትከላዊ ቅድምያታት፣ እቲ ዘበናዊ መትከላዊ ቅድምያታት፣ እቲ ገስጋሲ መትከላዊ ቅድምያታት እቶም አብ ሓድነትናን ልዕላውነትናን መሰላት ብሔራትናን ሃይማኖታትናን አራኺቦም ብስኒትን ሰላምን፣ ብዲሞክራስያን ብቅዋማዊ ፍትሕን ናብ ኤርትራ ዚመልሱና መሰረታዊ መትከላት ኢዮም። ነዚ ብሃገራዊ ዋዕላ አቢልና መሰረት ጌርናሉን ኣዐዊትናዮን አሎና። ኤርትራዊ አብ ርእሲ እዚ መሰረት ተነቢርሊ ዘሎ ስራሕ ኣደራሹ ክሃንጽ ከአ መድረኽ ንዅላትና ይጽውዓና‘ሎ። ትማሊ አብ ሃገራዊ ዋዕላ ዘየርከበ ሕጂ ናብ ሃገራዉ ጕባኤ ከርክብ፣ ትማሊ ቀዲሙ ዝአረወ ከአ ሃዲኡ ንዝተረፈ ናይ ቃልሲ ብጻዩ ከንጥጥ ሃገራውነት ካብ ነፍሲወከፍና ይሐቶ‘ሎ።                 

ብዕቱብ ቃልሲ ክንዕወት ኢና!             

ሰብኣዊ መሰላት ይዓምብቡ!                          

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!        

               

ተክልሰንበት ተኽላይ

 

ኣባል ሃገራዊ ኮምሽን

 

 11 ታሕሳስ 2010

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,276,438 وقت التحميل: 0.21 ثانية